እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስፖርት፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ትረፍዮ ፖርት ኣልኩድያ ቀዳማይ ወጺኡ
ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት ንኤርትራ ብሩር መዳላያ ዘግዘመ ቢንያም ግርማይ፡ ትማሊ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ንፍሉጣት ተቐዳደምቲ ዓለም ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ።
ምስ ጋንታ ኢንተርማች ዋንቲ ጎበርት ተሰሊፉ ዓለምለኻዊ ውድድራት ዘካይድ ዘሎ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ንከም ርያን ጊብሰንን ግያኮሞ ኒዞላን ዝኣመሰሉ ብርቱዓት ‘ቮላቺስታታት’ (ሸኾኸቲ) ኣብ ቅጽበታዎ ውድድር ብምስዓር'ዩ ሓያልነቱ ኣርእዩ።
እቲ ውድድር 173.2 ኪሎሜር ዝሸፈነ ኮይኑ ቢንያም ብ3 ሰዓት 50 ደቂቕን 48 ካልኢት እዩ ዛዚምዎ። ብማእከላይ ገምጋም ኸኣ ኣብ ሰዓት 45.026 ኪሎሜትር ይጉዓዝ ነይሩ።
እዚ ካብ መጀምርታ ብዙሕ ናይ ምሙላቕ ፈተነታት ዝተራኣየሉ ውድድር፡ ጉጅለታት እናሞሎቛን ብዓባይ ጉጀል እናተዋሓጣን ሓያል ምርብራብ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ መወዳእታ ቢንያም ዝርከባ 46 ተቐዳደምቲ ዝሓዘት ዓባይ ጉጅለ ብጥርንፍታ ናብ ምዛዘሚ ሕንጻጽ ኣብ ዝበጽሓትሉ'ዩ ቢንያም ብሓያል ቅጽበያዊ ውድድር ካብታ ጉጅለ መሰስ ብምባል ቀዳማይ ክወጽእ ክኢሉ።
ንዕኡ ተኸቱሉ ምስ ዩኤኢ ኢማራትስ ዝወዳደር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊብሰን ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ዝወዳደር ጣልያናዊ ግያኮሞ ኒዞላ ሳልሳይ ወጺኡ።
ቢንያም ግርማይ በዚ ትማሊ ዘመዝገቦ ዓወት ንግዛእ ርእሱን ንኤርትራን ኣብ ዩሲኣይ 75 ነጥቢ ኣመዝጊቡ።
ጽባሕ 29 ጥሪ ‘ትሮፍዮ ፖሎንካ ኣንድራታክስ’ ኣብ ዝተሰመየ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 30 ጥሪ'ውን ብተመሳሳሊ ‘ትሮፍዮ ፕላያ ደ ፓልማ’ ኣብ ዝብሃል ውድድር ጸወታ ክህልዎ ምኻኑ ብትዊተር ሓቢሩ ኣሎ።
ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዓወቱ ብትዊተር "ንሓዲሽ ናይ ውድድር ወቕቲ ብኸምዚ ምጅማር ኣመና ዘደንቕ'ዩ" ብምባል ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ መስመር ሕንጻጽ እናረገጽ እተርኢ ስእሉ ኣሰንዩ ሓጎሱ ገሊጹ።