ኲናት ዩክረይን፡ ውጻእ መዓት ህልቂት ናዚ ብከቢድ ብረት ሩስያ ተቐቲሉ

ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ካብ ወፍሪ ምጽናት-ዓሌት ናዚ [ሆሎኮስት] ዝተረፈ፡ ዩክሬናዊ ውጻእ መዓት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሃርኪቭ፡ ካብ ሰራዊት ሩስያ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ተቐቲሉ።

ቦሪስ ሮማንትስቼንኮ፡ ዝተባህለ ወዲ 96 ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ህንጻ ምስ ተሃርመ ከም ዝሞተ ኣባላት ሰድርኡ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ሩስያ፡ ነታ ካብ ዶብ 30 ኪሎ ሜትሮ ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ሃርኪቭ ብከቢድ ብረት ክድብድብዋ እዮም ቀንዮም።

ብሰንኩ ድማ፡ ኣብታ ከተማ ዛጊድ ኣስታት 500 ሰባት ተቐቲሎም ከም ዘለዉ፡ ሰብ ስልጣን ዩክረይን ተዛሪቦም።

ሓደ ካብቶም ግዳያት ወዲ 9 ዓመት ህጻን ከም ዝኾነ ፖሊስ ዩክረይን ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከባቢ ንዝተቐሉ ኣይሁዳውያን ንምዝካር ዝተጣየሸ ቡቸንዋልድ ኤንድ ሚተንባኡ-ዶራን ዝተባህለ ፋውንዴሽን ብሞት ቦሪስ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ገሊጹ።

እቲ ግዳይ፡ ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ፋውንዴሽን ዝነበረ ኾይኑ፡ ገበናት ናዚ ኣብ ምቅላዕ ብዙሕ ስራሕቲ ከም ዝሰርሐ ተገሊጹ።

"ሞት ጻይና ኣዝዩ ኣሕዚኑና'ዩ። ነቶም እቲ ዜና ዝነገሩና፡ ወዱን ጓል-ወዱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም" ይብል መግለጺ እቲ ማሕበር።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ናብ ዩክረይን ዝወፈረሉ ምኽንያት ነታ ሃገር ካብ ገለ ደገፍቲ-ናዚ ናጻ ንምውጻእ ምዃኑ ይዛረብ።

መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ እዚ ዘረባ ፑቲን መመኽነይታን ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ይነጽጉዎ።

ፕሬዝደንት ዩክረይን ቮላድሚር ዘለንስኪ ተወላዲ ኣይሁድ ምዃኑ ይንገር።

ሚሰተር ሮማነትስቼንኮ፡ ኣብ ዩክሬናዊት ምብራቃዊት ከተማ፡ ቦንዳሪ፡ ብጥሪ 20 1926 እዩ ተወሊዱ።

ንሱ፡ ወተሃደራት ናዚ ንሩስያ ኣብ ዝወረርሉ እዋን፡ ገፊፎም ናብ ጀርመን ዘግዓዝዎ ኾይኖም፡ ኣብኡ ከቢድን ናይ ጉልበት ስራሕቲ ክሰርሕ ከም ዝተገደደ እቲ ማሕበር ይገልጽ።

ኣብ 1943 ዘይዕውት ናይ ምምላጥ ፈተነ ምስ ገበረ ድማ፡ ናብቲ 56ሽሕን 545 ኣይሁድ ዝተቐተልሉ፡ ቡቸንዋልድ ተባሂሉ ዝፍለጥ መዳጎኒ ተወሲዱ።

እቲ ካባቢ ብ1945 ብሕቡራት ሓይልታት ነጻ ክሳብ ዝወጽእ ድማ ኣብኡ ተዳጒኑ ጸኒሑ ነይሩ።

እቲ ከባቢ ብወተሃደራት ኣመሪካ ነጻ ዝወጽአሉ መበል 67 ዓመት እንትኽበር፡ ብ2012 እዩ ናብቲ ከባቢ ተመሊሱ መጺኡ ምንባር ጀሚሩ ነይሩ።

ስርዓት ናዚ፡ ካብ 1941 ክሳብ 1945፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮጳ ልዕሊ 6 ሚልዮን ኣይሁድ ብጅምላ ከም ዝጨፍጨፉ ይግለጽ።