እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተዘክሮ ሓደ ካብ ህልቂት ናዚ ብህይወት ዝተረፈ ሰብኣይ
ነቲ ንኻልኣይ ኲናት ዓለም ስዒቡ ዝመጸ ህልቂት ኣይሁድ፡ ኣብ ሸሞንተ ናይ ናዚ መዳጎኒ ቦታታት ንሞት ዘታለለ ሓደ ሰብ፡ 70 ዓመት ድሕሪ ምሕራር ኣሽዊዝ፡ ንተሞክርኡ ንድሕሪት ተመሊሱ ይዝክር።
"ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ኢና ናብ ኣሽዊዝ ኣቲና። እቲ ቦታ ንኽትርእዮ ኣዝዩ ዘፍርሕ'ዩ ነይሩ" ይብል ሽይም ፈርስተር፡ ነቲ ናይ ፈለማ ስምዒታቱ ኣብ'ቲ መሰክሕ ደምበ ሞት እናዘከረ።
"ካብ ኣርባዕተ መውጽኢ ትኪታት ሃልሃልታ ሓዊ ክወጽእ ካብ ርሑቕ ኮይንና ንርእይ ኔርና፡ ሬሳታት ደቂ ሰባት ዝሓረሉ ቦታ [ክሪማቶሪየም] ምዃኑ ግን ኣይፈለጥን ነይረ"
ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ስቓይ`ዩ ናብ`ቲ ቦታ መጺኡ። ናብ'ኡ ቅድሚ ምእታዉ ዘስካሕክሕ ናይ ክልተ ዓመት ሸቕሊ፣ ጉድለት ኣመጋግባ [ማልኑትሪሽን] ከምኡ ድማ ሕማም ቲፎ (ታይፈስ) ኣሕሊፉ`ዩ።
ንሱን ኩሎም ምስኡ ተዳጉኖም ዝነበሩ እሱራትን ንኽርሸኑ ኣብ ከበባ ምስ ኣተዉ ድማ`ዮም፡ እቶም ኣንጻር ሂትለር ዝዋግኡ ዝነበሩ ሓይልታት ኪዳን፡ ነቲ ንሱ ዝነበረሉ መዳጎኒ ጥሒሶም ምስ ኣተዉ ነጻ ወጺኡ።
ካብ ኦርቶዶክሳውያን ኣይሁድ ዝኾኑ ስድራ ተወሊዱ ኣብ ፖላንዳዊት ከተማ ሶስኖዊች ዝዓበየ ፈርስተር፡ እቲ ኲናት ኣብ 1939 ክውላዕ እንከሎ ወዲ 17 ዓመት ነይሩ።
እቲ ሕጂ ደቂ ደቁ ዝወለድዎም ቆልዑ ዝሰዓመ ፈርስተር፡ ነቲ ምስፍሕፋሕ ወራር ወተሃደራት ጀርመን ስዒቡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣይሁድ ሰፊኑ ዝነበረ ዓቢ ስግኣት ይዝክሮ።
"ናይ ደብዳብ ነፈርቲ ክዝንብያ እንከለዋ ይዝከረኒ። ወተሃደራት ናዚ ብዓቢ ፍጥነት`ዮም ናይ ሶስኖዊች በጺሖም።
እዝከረኒ እቶም ኣይሁድ በቲ ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ኩነታት ኣዝዮም፣ ኣዝዮም ሰጊኦም ነይሮም" ይብል እቲ ሕጂ ኣብ`ታ ብ 1946 ዝኣተዋ ቺታም ሂል ናይ ከተማ ማንቸስተር ዝነብር ዘሎ ወዲ 93 ዓመት ፈርስተር።
መግቢ ብመቑነን ክዋሃብ ምስ ጀመረ ድማ ዓቢ ጥሜትን ሕማምን ስዒቡ፡ ጸኒሑ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣይሁዳውያን ስድራቤታት ተጓሪቶም መጺኦም።
"ናይ መግቢ መቑነን ካርድታት/ኩፖናት ተዋሂቡና፡ እንተኾነ ግን ንዓኣቶም ዝምጥን መግቢ ግን ኣብ'ቶም ድኳናት ኣይነበረን" ይብል ፈርስተር።
"መድሃኒት ኣይነበረናን። ሰባት ይሞቱ ነይሮም፡ ህይወት ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ። ብድሕሪ`ዚ ንሓያሉ መራሕቲ ካብ`ታ ከተማ ኣርዮም ወሲዶም ድሕሪ ምእካብ ረሺኖሞም"
ፈርስተር ኣብ 1943 ወዲ 20 ዓመት እንከሎ ካብ ቤቱ ብግዲ ተወሲዱ። ቅድሚ ሓደ ዓመት'ውን ወላዲኡ ኣብ 1942 ብሕማም ነድሪ ሳምቡእ [ኒሞኒያ] ምስሞተን ወላዲቱን ሓፍቱን ምስጠፍኣን ብግዲ ካብ ምውሳድ ድሒኑ ነይሩ`ዩ።
በቶም ጌስታፖ [ምስጢራዊ ሓይሊ ፖሊስ ናዚ] ዝተወስደ ሰብ ብህይወቱ ከምዘይምለስ ቅቡል`ዩ ነይሩ ይብል ፈርስተር።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ሓደ ዘመድ ነቶም ጀርማናውያን ከገልግለሉ ዝኽእል ሞያ ክመሃር ምስ መዓዶ፡ ሞያ ምጽጋን ናይ ስፌት መኪና ተማሂሩ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ "ሜካኒክ" ዝብል ምድብ ተዋሂብዎ።
ኣብ መንጎ 1943ን 1945 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ጀርመንንን ፖላንድን ናብ ዝነበረ ሸሞንተ መዳጎኒ ስፍራታት ተወሲዱ። ኣብ`ዚ ብዙሓት ሰባት ዝሞትሉ መዳጎኒታት ድማ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ናብራ ኣሕሊፉ።
ኣብ ሓደ እዋን ቀዝሒ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ኣየር ክሻታት ስሚንቶ ካብ ባጎኒታት ከውርድ ከምዝተገደደ ትዝ ይብሎ።
"ኣዝዩ፣ ኣዝዩ ቀዝሒ'ዩ ነይሩ፡ ኣስታት ትሕቲ 25 ወይ 26 ዲግሪ ነይሩ" ይብል ንሱ።
"እቶም ወተሃደራት ትድንጉዩ ኣለኹም ብምባል ክቋየቑናን ክሃርሙናን ጀሚሮም። ብዙሓት ሰባት ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ ብሕማም ነድሪ ሳምቡእ ተሳቕዮም፡ ገለ`ውን ሞይቶም"።
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ 1943፡ ኣብ ሓንቲ መዳጎኒ፡ ሕማም ቲፎ ምስ ተላብዐ፡ ፈርስተር ብጽኑዕ ሓሚሙ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ሞይቶም።
መቸም ካብ`ዚ`ውን ተሪፉ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሎሚ ካብ ኣእምሮኡ ዘይተሓኸኸ ዘስካሕክሕ ዝኽሪ ገዲፍሉ ሓሊፉ።
"ሬሳታት ኣብ መጎዝጎዚ ተቐሚጦም ነይሮም፡ ሽዱሽተ ኣብ ሓደ ሸነኽ ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ኣብ`ቲ ሓደ ሸነኽ" ኢሉ ይዝክር። "ንላዕሊ ዝተጸፍጸፉ ኣዝዮም፣ ኣዝዮም ብዙሓት ሬሳታት ዝሓዙ መጎዝጎዚታት ነይሮም"።
ደምበ ሞት [ደዝ ካምፕ] ኣሽዊዝ-ቢርከናው
- ህንጸት ናይ`ዚ 40 ስኴር ኪሎሜተር ዝስፍሓቱ መዳጎኒ ኣብ 1940 ተጀሚሩ።
- ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ኣይሁድ ኣብ`ዚ መዳጎኒ`ዚ ተቐቲሎም።
- እቶም ሮማ (ጂፕሲስ) ተባሂሎም ዝፍለጡ ዓሌት፣ ስንኩላን፣ ሶዶሞኛታት፣ ተቓወምቲ፣ ኣይሁድ ዘይኮኑ ፖላንዳውያን፣ እሱራት ሕብረት ሶቬታውያንን ድማ ካልኦት ግዳያት ናይ`ዚ ቦታ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ድም ፈረስተር ናብ ኣሽዊዝ ተወሲዱ።
ነቶም መሰክሕ ክፍልታት መሕጸብ ሰብነትን፡ ነቶም ናብኡ ዝለኣኹ ዝነበሩ እሱራትን ድማ ይዝክር።
"ኣብ ሓደ ዓቢ ግራዝ [ብሎክ] ኣኪቦምና። ንጽባሒቱ ንግሆ ሰባት ተመሪጾም ናብ'ቲ መሕጸብ ሰብነት ተወሲዶም" ኢሉ።
"ኣብ`ቲ መሕጸብ ሰብነት ኣቲና። ካልኦት ሰባት ተወሲዶምሉ ዝነበረ ክፍሊ ድማ`ዩ ነይሩ። ጋዝ መጺኡና፡ ደሓር ግን ማይ`ውን መጺኡ ነብስና ተሓጺብና"።
ፈረስተር ሓደ ካብ`ቶም ኣብ 1945 ካብ ኣሽዊዝ ዝደሓኑ ውሑዳት`ዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ጽድያ ናይ`ታ ዓመት`ቲኣ፡ ጀርመን ኣብ`ቲ ኲናት ምስተሳዕረት፡ ኣባላት ናዚ፡ ኣይሁዳውያን እሱራት ናይ ምሕቃቕ ውጥኖም ኣቀላጢፎሞ።
ከም ሳዕቤን ናይ'ዚ ድማ፡ ፈረስተር ሓደ ካብ'ቶም ናብ ሓደ ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ቡሽንዋልድ ዝርከብ ዘስካሕክሕ መዳጎኒ ዝተወስዱ ሰባት ነይሩ።
ኣብ'ኡ ድማ'ዩ ፈረስተር ኣዝዩ ናብ ሞት ዝቐረበሉ እዋን ምንባሩ ዝኣምን። እሱራት መዓልታዊ ብህጹጽን ብጅምላን ይቕተሉ ነይሮም። ኣብ'ታ ንሱ ዝኣተወላ ንግሆ ድማ ንተመሳሳሊ ጃምላዊ ቅትለት ምስ ካልኦት ብሓደ ተታሒዙ ተወሲዱ። እንተኾነ ግን ንኽቕተሉ ተኣኪቦም እንከለዉ፡ እቲ መዳጎኒ ተሓሪሩ።
"ብሃንደበት እተን ነፈርቲ ናይ ኣሜሪካ ምስ መጽኣ እቶም ጀርመናውያን ሃዲሞም ከይዶም" ይብል።
"ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ወይ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ድማ ታንክታት ናይ ኣሜሪካ ናብ'ቲ መዳጎኒ ኣትየን እቶም ኣሜሪካውያን ወተሃደራት ድማ ዓው ኢሎም 'ሓራ ወጺእኩም ኢኹም'፣ ሓራ ወጺእኩም ኢኹም' እናበሉ ክደሃዩ ጀሚሮም"።
ጸኒሑ ግን ካብ ክልተ ኣባላት ስድራቤቱ ጥራይ፡ ማንያ ሓፍቱን ጓል ኣሞኡ/ሓትንኡ ረጂናን ከምዝደሓና ፈሊጡ።
"ክኣምኖ ኣይከኣልኩን፣ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን" ኢሉ ፈረስተር እናነብዐ።
ናብ ኢንግላንድ ምስ ተሰደደ ድማ፣ ኣብ ሓደ መዐረዪ ሰፋይት ክዳን ማሽን ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ፡ ጸኒሑ ግን ዕዉታት ዝኾና ሓያሎ ናይ ንግዲ ትካላት ኣቚሙ።