እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግሪኽ፡ ስነሓሳብ ናዚ ዝኽተል ሰልፊ 'ገበነኛ' ምዃኑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ
ኣብ ግሪኽ ሓደ ስነ ሓሳብ ናዚ ዝኽተል ፓርቲ፡ ገበናዊ ጉጅለ ከም ዝኾነ ቤት ፍርዲ ርእሰ ከተማ ኣቴንስ ወሲኑ'ሎ።
ሎሚ ዳኛታት ቤት ፍርዲ ነቲ ብዪን ኣብ ዝሃብሉ እዋን፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ፊት ናይቲ ቤት ፍርዲ ተኣኪቡ ነይሩ።
እቲ 'ጎልደን ዶውን' (ወርቃዊ ወጋሕታ) ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብቲ ኣብ 2012 ዝተኻየደ ሃገራዊ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ 12 መናብር ተዓዊቱ ዝነበረ'ዩ።
ኣብ 2013፡ ሓደ ኣንጻር ፋሽስታዊ ኣተሓሳስባ ዝደርፍ ፍሉጥ ራፐር፡ ድሕሪ ምቕታሉ'ዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ገበናዊ መርመራ ክካየድ ጀሚሩ።
መራሒ ናይቲ ውድብ ዝኾነ ኒኮስ ሚካሎሊያኮስን 6 ብጾቱን፡ ገበናዊ ጉጅለ ይመርሑ ኣለዉ ተባሂሎም'ዮም ተፈሪዶም ዘለዉ።
ደጋፊ ናይቲ ጉጅለ ዝኾነ ጊዮርጎስ ሮፓኪያስ ብቕትለት ናይቲ ኣንጻር ዓሌትነት ዝኾነ ሙዚቀኛ (ራፐር) ፓቭሎስ ፊሳስ ገበነኛ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ፡ ካልኦት 15 ድማ ኣብቲ ውዲት ተሳተፍቲ ነይሮም ተባሂሎም ኣለዉ።
ኣብ ፊት ናይቲ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ ኣሽሓት ሰልፈኛታት፡ ነዊሕ ማእሰርቲ ክወሃቦም ክጽውዑ ተሰሚዖም።
"ፍርሒ ኣይክስዕርን'ዩ"፡ "ናዝያውያን ናብ ቤት ማእሰርቲ" ዝብሉ ዝርከብዎም ጭርሖታት ሒዞም ኣንጻር'ቲ ጉጅለ ዘለዎም ተቓውሞታት ገሊጾም።
ነቲ ኩነታት ንምህዳእን ንምቁጽጻርን ኣስታት 2000 ኣባላት ፖሊስ ከም ዝተዋፈሩ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ገለ ካብቶም ናዕበኛታት ምስ ፖሊስ ከም ዝተጋጨዉን፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ግብረመልሲ ከም ዝሃቡን ተፈሊጡ።
ፕረዚደንት ግሪኽ ነበር፡ ካተሪና ሳከላሮፓሎ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ደሞክራሲ እታ ሃገር ኣገዳሲ መዓልቲ ከምዝኾነ ተዛሪባ።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ውልቀሰባት፡ ኣብቲ ን5 ዓመታት ዝቐጸለ መስርሕ ፍርዲ ምስክርነቶም ሂቦም።
እቲ ጉጅለ ኣብቲ ናይ 2012 ምርጫ 7% ሚእታዊት ድምጺ ብምርካቡ ዝተተባብዑ ኣባላቱ፡ ንተቐናቐንቲ ፖለቲከኛታትን ስደተኛታት ከጥቅዑ ጀሚሮም።
እቲ ብቕትለት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ደጋፊ ናይቲ ጉጅለ ዝኾነ፡ ጊዮርጎስ ሮፓኪያስ፡ ንስነጥበባዊ ፓቭሎስ ፊሳስ ከምዝቐተሎ ተኣሚኑ'ዩ።
እቲ ብቋንቋ ግሪኽ 'ክሪሲ ኣቭጊ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ኣብ 1980ታት ብመራሒኡ ኒኮስ ሚካሎሊያኮስ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣርኣያ ናይቲ ብሂትለር ዝምራሕ ዝነበረ ምንቅስቓስ ናዚ ዝኽተል'ዩ።
መራሒኡ ኣብ ኣኼባታት ናይቲ ጉጀለ ናይ ሂትለር ሰላምታ ክህብ ይርአ።
ዋላ'ኳ፡ እቲ ጉጅለ ናዚያዊ ምንቅስቓስ ከምዘይኮነ ክገልጽ ዝስማዕ እንተኾነ፡ ኣርማኡ ግን ምስቲ ናይ ናዚ 'ስዋስቲካ' ዝመሳሰል'ዩ።
ኣባላቱ ድማ ንኣዶልፍ ሂትለር ከመጉሱን፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዝገልጽ ጭርሖታትን ማልያታትን ክኽደኑ ይራኣዩ።
ገለ ኣባላቱ'ውን፡ ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳን ዴሳዊ ፖለቲከኛታትን ክቐትሉ ውጥን ከም ዝነበሮም እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ'ሎ።
እቲ ናይ ሎሚ ብይን፡ "ፍትሓውን" "ታሪኻውን" ምዃኑ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።
ዝቕጽል መስርሕ ቤት ፍርዲ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ዝወሃቦም መቐጻዕቲ ወይ ፍርዲ ክውስን ትጽቢት ይግበረሉ።