ጀርመን: ባንዴራ ናይ ዝኾነት ሃገር ምቅጻል ብሕጊ ከልኪላ

ፓርላማ ጀርመን ባንዴራ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኮነ ናይ ዝኾነት ሃገር ኣብ ህዝባዊ ስፍራ ምቅጻል ገበን ጽልኢ ምዃኑ ብምጥቃስ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ከቕጽእ ወሲኑ።

እቲ ፓርላማ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ድምጺ፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ባንዴራ ምምርሳሕ፡ ባንዴራ ጀርመን ከም ምምርሳሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ውሳነ፡ ደገፍቲ ሶሻል ደሞክራሲ ኣብ 2017 ኣብ በርሊን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ: ባንዴራ እስራኤል ብምቅጻሎም ዝሰዓበ እዩ።

ሚኒስተር ፍትሒ፡ ክርስቲን ላምብረች፡ "ኣብ ህዝባዊ ስፍራ ባንዴራ ምቅጻል ምስ ሰላማዊ ሰልፊ ምንም ዘራኽብ የብሉን፤ እዚ ንጽልኢ፡ ቁጥዐን፡ ጎነጽን ምስዋር እዩ" ብምባል ንስምዒት ብዙሓት ከም ዝጎድእ ተዛሪባ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ንምንዳድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ስፍራ ባንዴራ ምቕዳድ ዝኣመሰሉ ምምርሳሕ'ውን ዝምልከት እዩ።

ኣብ ጀርመን ኣብ ህዝባዊ ስፍራ: ስዋስቲካን ካልኦትን ኣርማታት ናይ ናዚን ምሓዝ ኣቐዲሙ ተኸልኺሉ እዩ።

ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ኤኤፍዲ ግና "ኣብ ነጻነት ምዝራብን ብስነጥበብ ሓሳብካ ምግላጽን ሕሉፍ ምትእትታው" ክብል ነቲ ሓድሽ ሕጊ ኮኒንዎ።

እዚ ተግባር ኣብ ፈረንሳ ክሳብ 8,000 ዶላር ወይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ከቕጽእ ከሎ፡ ኣብ ብሪጣንያ ግና ክልኩል ኣይኮነን።

ኣብ ስጳኛ፡ ጥልያንን ግሪኽን ሃገራዊ ባንዴራ ምቕዳድ ብሕጊ ዘቕጽእ እዩ።