እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ራብዓይ ሩስያዊ ጀነራል ኣብ ኲናት ዩክረይን ተቐቲሉ- ዘለንስኪ
ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ስዒቡ፤ መበል ራብዓይ ጀነራል ሩስያ ከምዝተቐተለ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣፍሊጡ፡፡
ንሱ ሽም ናይቲ ጀነራል ኣይገለጸን፤ ኣማኻሪ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ዩክረይን ግና እቲ መዋቲ ሜጀር ጀነራል ኦለግ ሚትዬቭ ከምዝኾነን ብኣዞቭ እትባህለት በጦሎኒ ከምዝቐተለን ገሊጹ ኣሎ፡፡
መራኸብቲ ብዙሃን ዩክረይን ድማ ጀነራል ሚትየቭ ኣብ ጥቓ ማርዩፖል ከምዝቐተለ ጸብጺበን፡፡
እቲ ጀነራል ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ ዝጅመር ዝተቐተለ ራብዓይ ጀነራል ኮይኑ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ሩስያ ንምንታይ ናብቲ ኲናት ኣዐርዮም ይቕርቡ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ፡፡
ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝጀመረቶ ወፍሪ ኣስታት 20 ጀነራላት ከምዝመርሕዎ እዮም ተንተንቲ ዝገልጹ፤ ሞት ናይቶም ዛጊድ ተቐቲሎም ዝተባህሉ ጀነራላት እንተተረጋጊጹ ድማ ሩስያ ሕምሸን [ሕምሾ] ጀነራላታ ስኢና ኣላ ማለት እዩ፡፡
እነተኾነ እዚ ጀነራላት ሩስያ ኣብዘይሰዓቱ ኣብዘይቦተኦም ይርከቡ ኣለዉ ማለት ዘይክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጹ ተንተንቲ፡ ምናልባት ዩክረይን ንመራሕቲ ሰራዊት ሩስያ ዕላማ ገይራ ትዋጋእ ስለዘላ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ፡፡
‘‘እዚ ናይ ኣጋጣሚ ኣይመስለንን፡፡ ካብዚኦም ሓደ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ክንድዚ በዝሒ ግና ብዕዒላማ እዩ’’ ትብል ኣብ ጆርጅታውን ዩኒቨርሲቲ እትሰርሕ ሪታ ኮኔቭ፡፡
ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ቅርበት ዘለዎ ውልቀ ሰብ ንዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዩክረይን ኣብ መራሕቲ ሩስያ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ጉጅለ ስለላ ከምዘለዋ ገሊጹ፡፡
‘‘ዓብዪ ሽም ንዘለዎም ጀነራላት፣ ፓይለታትን ኣዘዝቲ ኣጽዋርን እዮም ዝደልዩ’’ ኢሉ፡፡
ብበዝሒ ሰራዊት ምስ ሩስያ ዘይመጣጠን ሰራዊት ዩክረይን ንላዕለዎት መራሕቲ ዒላማ ምግባሩ ኣብቲ ናይ ሓበሬታ ኲናት (ኢንፎርሜሽን ዋር) ከምዝሕግዞ ኮኔቭ ትገልጽ፡፡
ሩስያ እትጥቀመሎም ዘላ ውሑሳት ዘይኮኑ ናይ መራኸቢ መሳርሒታት፡ ሰራዊት ዩክረይን ኣበይ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ይሕግዞም ከምዘሎ ተንተንቲ ይዛረቡ፡፡
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ወታሃደራዊ ተንታኒ ኮንራድ ሙዘይካ ‘‘ ሩስያውያን ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ንምርኻብ ሞባይልን ኣናሎግ ሬድዮታትን ይጥቀሙ እንተደኣሃልዮም፡ ዩክረይናውያን ኩሉ ኣብ ኢዶም ኣትዩ ማለት እዩ’’ ኢሉ፡፡
ድሕሪ ሞት ካልእ ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ሜጀር ጀነራል ቪታሊ ጌራሲሞቭ፡ ክልተ ላዕለዋት ሓለፍቲ ድሕነት ሩስያ ብዛዕባ ሞት እቲ ጀነራል እንትዘራረቡን ውሑስ ናይ ርክብ ስርዓት ከምዘይብሎም እንተማርሩን ዝሓዘ ቅዳሕ፡ ዩክረይን ዕላዊ ገይራ ነይራ፡፡
ዛጊት ዝተቐተሉ ጀነራላት ሩስያ
1. ኡለግ ሚትዬቭ- ኣዛዚ መበል 150 ክፍለ ሰራዊት ራይፍል
ሜጀር ጀነራል ኦለግ ሚትዬቭ ኣብ ጥቓ ከተማ ማርዩፖል ከምዝቐተለ እዩ ዝንገር፡፡ እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን እትርከብ ከተማ ዛጊድ ካብ ዝተኻየዱ ከበድቲ ውግኣት ዘተኣናገደት እያ፡፡
ኣዞቭ ዝተባህለ ሕሉፍ በጦሎኒ ነቲ ጀነራል ከምዝቐተሎ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
እቲ ጀነራል ናይታ ብ 150 ራይፍል እትፍለጥ ኣብ 2016 ዝተጣየሸት ሓዳሽ ሞተራይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ እዩ ነይሩ፡፡
2. ኣንድሬ ኮለሲንኮቭ- ኣዛዚ መበል 29 ጥሙር ሰራዊት
ሜጀር ጀነራል ኣንድሬ ኮለሲንኮቭ 11 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ከምዝተቐተለ መራሕቲ ዩክረይን ይገልጹ፡፡
ዝርዝር ኩነታት ኣማውትኡ ግን ኣይተገለጸን፡፡
ኮለሲንኮቭ ኣብቲ ኲናት ዝተቐተለ ሳልሳይ ሩስያዊ ጀነራል ምስኮነ፡ ታሕተዋይ ሰራዊት ሩስያ ናይ ምውጋእ ሞራል ስለዘይብሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ቀሪቦም ክመርሑ ተገዲዶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓደ ላዕለዋይ ምዕራባዊ በዓል ስልጣን ንፕረስ ኣሶሴሽን ገሊጹ ነይሩ፡፡
3. ቪታሊ ጌራሲሞቭ- ላዕለዋይ ኣዛዚ መበል 41 ጥሙር ሰራዊት
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ከምዝለጾ፡ ሜጀር ጀነራል ቪታሊ ጌራሲሞቭ 7 መጋቢት ኣብ ጥቓ ምብራቓዊት ከተማ ካርኪቭ እዩ ተቐቲሉ፡፡
ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ እትርከብ ከተማ ካርኪቭ ብሓይልታት ሩስያ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ክፍጸማ ጸኒሑ እዩ፡፡
ጌራሲሞቭ ኣብ ካልኣይ ኲናት ቸንቸን፣ ሩስያ ኣብ ሶርያ ኣብ ዘካየደቶ ወፍርን ኣብቲ ኣብ 2014 ሩስያ ንክሬምያ ዝመንዘዐትሉ ኲናትን ተሳቲፉ እዩ፡፡
4. ኣንድሬ ሱክሆቨትስኪ- ምክትል ኣዛዚ መበል 41 ጥሙር ሰራዊት
ኣብታ ጌራቪሞቭ ዝነበራ ዩኒት ምክትል ኣዛዚ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ኣንድሬ ሱክሆቨትስኪ፡ ኣብ 3 መጋቢት ብስናይፐር ከምዝተቐተለ እዩ ዝግለጽ፡፡
ንሱ እውን ከም ጌራሲሞቭ ኣብ ኲናት ሩስያን ክሬምያን ተሳቲፉ እዩ፡፡
ካብ ናይ ካልኦት ጀነራላት ብዝተፈለየ፡ ሞት ሱክሆቨትስኪ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ፑቲን እውን ኣብ ዩክረይን ጀነራል ከምዝተቐተሎም ተዛሪቡ ነይሩ፡፡