ኣቦ መንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብ ገዛ ወጻኢ ተራእዩ

ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብ ገዝኡ ወጺኡ ከምዝተርኣየ ምንጪታት ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡

ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ሎሚ ምስ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣኼባ ንምግባር ናብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣምሪሑ ከምዝነበረ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ቅድሚ መዓልቲታት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ናይ ነዊሕ ግዘ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ተኸልኪሉ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘሎ ኣጻርየ ረኺበ ኢሉ ነይሩ፡፡

በዚ መሰረት እቲ ተግባር ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቦ መንበር ዝተገበረ ናይ ምንቅስቓስ ክልከላ ክለዓል እቲ ቦርድ ናብ ኮምሽን ፖሊስ ፌደራልን ናብ ኣገልግሎት ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ፡፡

ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣቶ ዳዉድ ብተወሳኺ ብዙሓት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ፡፡

ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ እቲ ውድብ ዝኾኑ ሚካኤል ቦረንን ኬነሳ ኣያናን ሓዊሱ ከም ዳዊት ኣብደታን ለሚ ቤኛን ዝበሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ሐዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ፡፡

ወሃቢ ቃል ኦነግ በቴ ኡርጌሳ እውን ዋላኳ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቤት ማእሰርተ እንተተፈተሐ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘጋጠሞ ጸገም ጥዕና ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ኣሎ፡፡

ጠበቓታት ናይቶም ፖለቲከኛታት፡ ቤት ፍርዲ ነቶም ዓማዊሎም ነጻ እንተበሎም'ኳ፡ ፖሊስ ክፈትሖም ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ቅድሚ ሕዚ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም፡፡

ብዛዕባ ናይ ዳውድ ኢብሳ ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምፍታሕ፡ ዛጊድ እቲ ውድብ ዝበሎ ነገር የለን፡፡