‘ኣቦወንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ ኣብ መንበሪ ቤቱ ብፖሊስ ተኸቢቡ’

መንበሪ ቤት ኣቦመንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዳውድ ኢብሳ ብፖሊስ ፌደራል ተኸቢቡ ምህላዉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኦነግ ገዳ ኦልጅራ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መንበሪ ቤት ዳውድ ኢብሳ ብዕጡቓት ተኸቢቡ ምህላዉ ዘረጋገጸ ኣይተ ገዳ ካብ ፖሊስ ግን ‘እቶም ዕጡቓት ውሕስነት ዳውድ ንምሕላው ዝተዋፈሩ እዮም’ ዝብል ከምዝሰምዐ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ንሱ ነዚ ኣይኣምንን።

ዳውድ ኢብሳ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ከምዘይከኣለን፡ ናብ ደገ እንተወጺኡ ድማ ብዕጡቓት ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ከምዝኽእልን ኣይተ ገዳ ስግኣቱ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከምዝተፈትሐን ተዛሪቡ።

“ኣቦመንበርና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ እዩ ዘሎ። ከም ልቡ ተንቀሳቒሱ ዕለታዊ ተግባራቱ ክፍጽም ኣይከኣለን” ብምባል ኣይተ ዳውድ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ከምዘይከኣለ ገሊጹ’ሎ።

ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ተኸልኪሉ ዘሎ ግን ዳውድ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ’ቲ መንበሪ ዝርከቡ ኩሎም ኣባላት ስድራ ክወጽኡን ክኣትዉን ኣይከኣሉን ድማ ኢሉ።

ኣይተ ገዳ ከምዝበሎ፡ ካብ ምእጋድ ምንቅስቓሳት ብተወሳኺ፡ ናይ ዳውድ ኢብሳ ቴሌፎን ካብ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጀሚሩ ኣይሰርሕን ዘሎ።

መንበሪ ቤት ዳውድ ኢብዳ ንምንታይ ከምዝተኸበበ ዝፈልጦ ነገር እንተልዩ ዝተሓተተ ኣይተ ገዳ፡ ፖሊስ ውሕስነት ኣይተ ዳውድ ንምሕላው እዩ ከምዝብል ገሊጹ።

ይኹን’ምበር “ሰብ ከይኣቱን ከይወጽእን ምኽልካል ንውሕስነት ኣይመስልን” ኢሉ።

“ቴሌፎን ዳውድ ስለዘይሰርሕ፡ ካብ ባዕሉ ተወሳኺ ሓበሬ ታክንረክብ ኣይከኣልናን” ብምባል ምርኻብ ከምዘጸገመሎም ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ናብ ቴሌፎን ኣይተ ዳውድ ኢብሳ ፈቲኑ፡ ኣይሰርሕን ዘሎ።

ብዛዕባ’ዚ ንምሕታት ድማ ንውሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ ተወኪስናዮ፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹልና።