እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ኦነግ ኣብ ክልተ ንምኽፋል ብዙሕ ገንዘብ ይፈስስ ኣሎ" ኣቦመንበር እቲ ግንባር ኣቶ ዳውድ ኢብሳ
ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ፡ ትማሊ ሰኑይ ብዛዕባ እቲ ብገለ ኣመራርሓ ውድቦቦም ዝተውሃበ መግለጺ 'ዝፈልጦ ነገር የብለይን' ድሕሪ ምባል፡ ናይ ምድንጋር ሰራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
አይተ ዳውድ ፤ "ብዛዕባ እቲ መግለጺ ዝፈልጦ ነገር የለን። ዕላምኡ ን ኣጀንድኡን'ውን እንታይ ከምዝኾነ ኣይተረደአንን" ኢሎም- ንቢቢሲ።
ብስም እቲ ግንባር ኣብ እዋናዊ ጉዳያት መግለጺ ዝሃቡ፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ግንባር ምክትል ኣቦ መንበር ኣቶ አራርሶ ቢቂላ ፣ ወሃቢ ቃል ኣቶ ቶሌራ አደባ አቶ ቀጀላ መርዳሳን ብሓባር ኮይኖም እዮም መግለጺ ሂቦም።
ንሳቶም ከምዝበልዎ፡ እቲ ግንባር ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ወሲኑ እናተንቀሳቐሰ ዝርከብ እንተኾነ'ኳ፡ መራሕቱ ብምእሳርን ስሙ ብምጽላምን ዘይግቡእ ተግባር እናተፈጸሞ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።
ከምኡ'ውን ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ኣባላቱ ከምዝተኣስሩ ወሲኾም ኣረዲኦም።
ቅድሚ ክልተ ሰሙናት፡ ኣቦ መንበር እቲ ግንባር 'ምእንተ ድሕነቶም' ብዝብል፡ ካብ ገዘኦም ከይንቀሳቐሱ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ገዘኦም ተዓጽዮም ይውዕሉ ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ኩነታት እናሃለዉ፡ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ግንባር ኣኼባ ብዛዕባ ምክያዶም ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ እዮም ዝዛረቡ። እዚ ብዝምልከት፡ ኮሚቴ ሕግን ቁጽጽርን ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ከምዝሰርሕን ክሳቡ ዝኾነ መግለጺ ከምዘይወሃብን፡ ካብዚ ወጻኢ ዝተውሃበ መግለጺ ነዚ ዝጠሓሰ ከምዝኾነ ንተዛሪቦም።
"ንሳቶም'ውን መን መግለጺ ይህብ ከመዘሎ ኣይንፈልጥን እዮም ኢሎምኒ። ናይ ምድንጋር ስራሕቲ እዩ ዝስራሕ ዘሎ" ኢሎም።
እቲ ግንባር ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ብዛዕባ ዝበሃል ድማ፡ ነቲ ግንባር ዘነጻጸረ ስራሕ ይውገን ከምዘሎ ተዛሪቦም።
"ቅድሚ ሕዚ ከምኡ ክግበር እዩ ጸኒሑ። ሕዚ'ውን ከምኡ ዘይግበረሉ ምኽንያት የለን። ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝብተን ዘሎ" ኢሎም።
ቅድሚ ሰሙናት፡ ካብ ገዘኦም ከይወጽኡን ስልኮም ከይጥቀሙን ዝተገበረሉ ምኽንያት ድመ ናይዚ ተልእኾ ኣካል ከምዝኾነ ወሲኾም ንቢቢሲ ገሊጾም። ንሶም ኣብ ውሽጢ ገዘኦም ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝወዓልሉ እዋን፡ ገለ ኣመራርሓ ሓድሽ ኣቦመንበር ምምራጾምን ኦነግ ንኽልተ ከምዝተመቕለን ኣመልኪቱ ዝተናፈሰ ወረ፡ ኩሎም እቶም ኣመራርሓ ይነጽግዎ እዮም ዘለዉ።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምምቕቓል ዘጋጠሞ ኾይኑ፡ ቅድም ክብል ብገበን ግብረ-ሽበራ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ፡ ኣብ ኣስመራ ኾይኑ ክንቀሳቐስ እዩ ጸኒሑ።
እንተኾነ ቅድሚ 2 ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ለውጢ ስዒቡ፡ እቲ ግንባር ካብቲ መዝገበብ ግብረ ሽበራ ተፍሒቑ ፡ ብሰላማዊ መገዲ ክቃለስ ናብ ዓዲ ክኣቱ ከምዝተገብረ ዝዝከር እዩ።