ጉዕዞ ሚእቲ ዓመት፡ ተጻዋቲት ፒያኖ እማሆይ ጽጌ ማርያም ገብሩ

ምንጪ ስእሊ, EMAHOY TSIGE MARIYAM MUSIC FOUNDATION
ዓለማዊ ህይወት ገዲፈን ምንኩስና ዝመረጻ ገና ጓል 19 ዓመት እንተለዋ እዩ፤ ናይ ቀደም የውብዳር፡ ናይ ሎሚ እመሆይ ጽጌ ማርያም ገብሩ፡፡
ገና ኣብ ንእስነተን ካብ ቤተሰበን ጠፊአን ናብ ግሸን ማርያም ከይደን ዝመንኮሳ ናይቲ እዋን የውብዳር፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሽመን ናብ ጽጌ ማርያም ተቐዪሩ እመሆይ ተባሂለን፡፡
እመሆይ 2 ታሕሳስ 1916 ዓ/ም ከምዝተወለዳ ኣብ ድሕረ ገጽ ናይቲ ብሽመን ዝተመስረተ ፋውንዴሽን'ኳ ተጠቒሱ እንተሎ፡ ብቐረባ ዝፈልጡወን ሰባት ግን 99 ዓመተን ኣኽቢረን የምእታ ከምዘለዋ ይገልጹ፡፡ ኣቦአን ንእመሆይ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣባል ላዕለዋይ ደርቢ ሕብረተሰብ ነይሮም፡፡
እመሆይ ምስ ሓፍተን ሰንዱ ገብሩ ዘመናዊ ትምህርቲ ክመሃራ ናብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተልኣካሉ ገና ኣብ ሽዱሽተ ዓመተን እየን ምስ ሙዚቃ ተላልየን፡፡
እመሆይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ቢቢሲ ራድዮ ፎር ኣብ ዝነበረን ጻንሒት፡ ''ኣብ ስዊዘርላንድ እንተለኹ ኣብ ናይ ሓደ ዓይነ ስዉር ናይ ሙዚቃ ኮንሰርት ተዓዲመ። ከመይ ከምዝኾነ ኣይፈልጥን ኣብ ልበይን ኣእምሮይን ተሪፉ፡፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ናይ ሙዚቃ ግዝእቲ ኮይነ፡፡ ንኣቦ ልደት ቫዮሊን ክህቡኒ ሓቲተ፣ ዳሕራይ ኣብ ክፍለይ ቫዮሊን ረኺበ፡፡ ገና ሸሞንተ ዓመተይ ነይረ፡'' ኢለን ነይረን፡፡
''ኣብ ጥቓ መደቀሲየይ ፒያኖ ነይሩ፡፡ ስቕ ኢለ ክሃርሞ ጀሚረ፡፡ ሰባት እንትሓልፉ 'እንታይ ትጻወቲ ኣለኺ?' ኢሎም እንትሓቱኒ 'እቲ መብረቕ' ይብሎም ነይረ (ሰሓቕ)፤ እንታይ ከምዝኾነ ግን ኣይፈልጥን።''ኣብታ ብኣመንቲ ክርስትና ''ቅድስቲ ከተማ'' ተባሂላ እትፍለጥ እየሩሳሌም ምንባር ካብ ዝጅምራ 30 ዓመት ገይረን ኣለዋ፡፡
ድሕሪ ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ጻንሒት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰን እናተማህራ እናሃለዋ፡ ብመሶሎኒ ዝምራሕ መንግስቲ ጥልያን ንኢትዮጵያ ወሪሩ፡፡
ኣብቲ ሓሙሽተ ናይ ወራር ዓመታት፡ ጥልያን ንቤተሰብ እመሆይ ከም ምሩኻት ሒዙ ኣብ ኣሲናራን መርካልያኖን ዝበሃላ ደሴታት ጥልያን ክጸንሑ ገይሩዎም፡፡
እቲ ኲናት ምስ ተወደአ ናብ ናይ ሙዚቃ ህይወተን ዝተመለሳ እመሆይ፡ ኣብ ካይሮ ትምህርቲ ቫዮሊን ተኸታቲለን፡፡
እመሆይ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝነበራሉ ክላሲካል ሙዚቃ ኣብ ህይወተን ብዛዕባ ዝነበሮ ተራ ንቢቢሲ ራድዮ ፎር ተዛሪበን፡፡ ናይ ቤትሆቨን፡ ሞዛርትን ሽትራውዝን ሓዊሱ ብዙሓት ብሉጻት ክላሲካዊ ሙዚቃታት ይጻወታ ምንባረን ገሊጸን፡፡
ንክልተ ዓመታት ኣብ ካይሮ ሙዚቃ ኣብ ዝመሃራሉ ዝነብራ፡ መዓልታዊ፡ ፒያኖ ንሓሙሽተ ሰዓታት ቫዮሊን ድማ ንክልተ ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ተጻዊተን እየን፡፡

ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዓለምለኻዊ መድረኻት
ማያ ዱኔትዝ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ እመሆይ ጽጌ ማርያም እያ፡፡ ናብቲ ዝነብራሉ ገዳም እናኸደት ትበጽሐን እያ፡፡ ንሳ እውን ፒያኖ ብምጽዋትን ካልኦት ስራሕቲ ጥበብ ትፍለጥ፡፡ ምሕዝነተን ልዕሊ 15 ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ፡፡
ንሳ ምስ ስራሓት እመሆይ ዝተላለየት ናይ ኢትዮፒክስ ሲዲ ምስተሓተመ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ተዛሪባ፡፡
''ፍራንሲስ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ዓብይ ውዕለት ውዒሉ እዩ፡፡ ኣብ ዘለዎ ምስጋናይ ይብጸሓዮ፡'' ትብል ማያ፡፡
ፈረንሳዊ ፍራንሲስ ፋልሴቶ፡ ናይ እመሆይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ 1960ታትን 70ታትን ዝነበሩ ተፈተውቲ ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃታት ናብ ዓለም ዘፋለጠ ሙዚኮሎጂስትን ኣወሃሃድን እዩ፡፡
''ኣቦ ኢትዮ ጃዝ'' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሙላቱ ኣስታጥቄ ብዛዕባ እመሆይ እንትገልጽ፡ ''እማሆይ ብሓቂ ኣመና ዘድንቐንን ዘኽብረንን ዓባይ በዓልቲ ሞያን ሰብን እየን፡፡ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ዓብይ ስራሕ ሰሪሐን እየን ኢለ እኣምን፡፡ ንኮንሰርት ናብ እየሩሳሌም ኣብ ዝኸድኩሉ ረኺበየን ኣዕሊልና ኢና፡'' ይብል፡፡
እመሆን ናብ እስራኤል ምስከዳ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ናይ ሙዚቃ ስራሓውተን ንምጽሓፍን ንምሕታምን ክትሕግዘን ንማያ ጻውዒት ገይረናላ፡፡ በዚ መሰረት 12 ዝኾኑ ናይ ፒያኖ ውሁድ ስራሓውተን ብኖታ ተሓንጺጾም ብመልክዕ መጽሓፍ ተሓቲሞም እዮም፡፡
ጋዜጠኛ ራድዮ ፎር ኬት ሞሌሰን፡ ''ሙዚቀአን ንምሕታም ብኸመይ ወሲነን?'' ክትብል ንእማሆይ ሓቲታተን፡፡
''ሙዚቃታተይ ንካልኦት ከካፍሎም ስለዝደሊ እዩ፡፡ ዘለኒ ምክፋል ይደሊ እየ። ካልእ ሰብ'ኳ እንተዘይተረደአኒ ሙዚቀኛታት ይርድእዎ እዮም'' ብምባል መሊሰን፡፡
ስራሕቲ ሙዚቃ እመሆይ ንብዙሓት ከም ዘለዓዓለ እትገልጽ ማያ፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለዉ ናብ ህዝቢ ዘይቀረቡ ሓያሎ ስራሓት ከምዘለወን ትዛረብ፡፡
ስብእና እመሆይ ጽጌ
ኣብ ጀርመን ናይ ሞዛርት ፒያኖ ተጻዊተን እየን፣ ዓወተን ቀሊል ኣይኮነን፡፡
ካብቲ 1967 ዓ/ም ዝተሓተመ ኣልበመን ጀሚሩ ናይ ኣልበመን ኣታዊ ንባዕለን ኣይተጠቐመኦን፡፡ ንመሐገዚ ህጻናት እየን ኣውዒለናኦ፡፡
ኣብ ገዳም ግሸን ማርያም ንዓሰርተ ዓመት ብጥራይ እግረን ተጓዒዘን፡፡
''ኣነ ተፈላጢት ክኸውን ኣይደልን ነይረ፡፡ ንእግዚኣብሄር ሽመይ ኣብ ገነት እምበር ኣብ መሬት ክጸሓፍ ሓቲተዮ ኣይፈልጥን፡፡ ግን ከኣ ነቲ ሙዚቃ ከይስእኖ ደልዩ፡፡ ኵሉ ብናቱ ሞገስ እዩ ኮይኑ፡'' ክብላ ንቢቢሲ ራድዮ ፎር ተዛሪበን፡፡
እመሆይ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ሙዚቃ ክመሃራ ናብ ጎንደር ኣብ ዝኸዳሉ፡ ህጻናት ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን ወዲቘምን ክልምኑን ምስረኣያ ናይ ሙዚቃ ህይወተን ተቐይሩ፡፡
''ኣነ ካልእ ነገር የብለይን፡፡ ዘለኒ ሙዚቃ ስለዝኾነ ንዕኡ ተጠቒመ ክሕግዞም ወሲነ፡'' ይብላ፡፡
ድሕሪኡ ንጉስ ሃይለስላሰ ሙዚቃ ንምሕታን ክሕግዙወን ሓቲተን፣ ናብ ጀርመን ተላኢኸን ድማ ፈላማይ ኣልበመን ብኣቈጻጽራ ኣውሮጳ 1967 ኣብ ጀርመን ተሓቲሙ፡ ኣታዊኡ ድማ ብኲናት ወለዶም ንዝሰኣኑ ህጻናት መሐገዚ ውዒሉ፡፡
እመሆይ ማዕርነት ጾታ ዝቕበላን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ዓቕሚ ከምዘለወን ዝኣምናን እየን፡፡
ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ሰራሕተኛ ምምሕዳር፡ ካብ ስርዓት ደርግ ንምህዳም ናብ እየሩሳሌም ምስከዳ ድማ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ገዳም ፈላመይቲ ተርጓሚት ኰይነን ሰሪሐን እየን፡፡
ዘ ጋርድያን ኦፍ ጌትሴማኒ፡ ጎልጎታን ጀሩሳሌምን ካብ እትፈትዎም ቅንብራት እመሆይ ከምዝኾኑ እትገልጽ ማያ፡ '' እማሆይ ሕዚ እውን ንቕሕቲ እየን፣ ብዙሕ ግዘአን እኳ ኣብ ዓራተን ኮይነን ዘሕልፈኦ እንተኾና ደሓን እየን፡'' ብምባል ብዛዕባ እተን ናብ ሚእቲ ዓመተን ዝጽጋዓ ዘለዋ ንግስቲ ፒያኖ ትዛረብ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







