ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ መን እዮም?

ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Social Media

ኣቡነ እንጠንዮስ፡ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እዮም ነይሮም።

ብሲኖዶስ፡ ብእበምኔት ካህናትን ህዝብን ተመሪጾም፡ ብብጹእ ወ'ቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ፓትርያሪክ ዘእስክንድርያ ድማ ተቐቢኦም።

ኰይኑ ግን፡ ካብ ሕጊ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ኣብ 2006 ካብ መዓርገ ፓትሪያርክነት ተኣልዮም፤ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ማሕዩር እንከለው ትማሊ ዓሪፎም።

ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ ካብ ኣቦኦም ቀሺ ገብረመድህን ደብረጽዮንን ካብ ኣዲኦም ወ/ሮ ኢለን ቀለታን ኣብ ሕምብርቲ ዞባ ማእከል ብ 12 ሓምለ 1927 ዝተወልዱ ዀይኖም ብወለዶም ዝተዋህቦም ስም ድማ የማነ-ብርሃን ነበረ።

ወዲ 5 ዓመት ምስ ኰኑ፡ ብድንግላዊት ኣሞኦም ናብ ስፍኣ፡ ገዳም ደብረ-ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ዞባ ድቡብ ተወሲዶም ከም ዝተወፈዩ ይግለጽ።

ኣብ ገዳም ደብረ-ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ካብ ፊደል ክሳብ ግብረ ዲቍና ተማሃሩ፤ ኣብ 12 ዓመቶም ድማ፡ ብመዓርግ ዲቍና ብብጹእ ኣቡነ ማርቆስ ተሸሙ።

ብርድእናን ናይ ገዳም ኣገልግሎትን ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1950 ብግብረ-ክህነት ተማሂሮም መዓርግ ምንኵስናን ክህነትን ለቢሶም ተቐብኡ፣ "ኣባ የማነ-ብርሃን" ክበሃሉ ኸኣ በቕዑ።

ቀጺሎም፡ ኣብ 1955 ብማሕበር'ቲ ገዳም፡ ንኣበምኔት (ኣመሓዳሪ) ንምዃን ተመሪጾም ናይቲ ገዳም ላዕለዋይ ተጸዋዕን ሓላፍን ኮይኖም።

ሓርነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፡ ጨንፈር ኢትዮጵያ ኰይና ዝጸንሐት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብዕለት 02 ጥቅምቲ 1991፡ ግዝያዊ ሲኖዶስ ብምቛም ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ርእሳ ኸኣለት።

ኣባ የማነ-ብርሃን፡ ብ19 ሰነ 1994 ብምልኣት ህዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ፡ ንጳጳሳት ካብ ዝተመርጹ ሓሙሽተ ኣቦታት መነኮሳት ሓደ ዀይኖም ስለ ዚተመርጹ፡ ብግብጻዊ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ፣ 'ብጹዕ ኣቡነ እንጠንዮስ' ብዝብል ማዕርግ - ማዕርገ ጵጵስና ተቐብኡ።

ድሕሪ'ዚ ጳጳስ ዞባ ማእከል ኰይኖም ኣገልገሉ'ሞ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1998 ድማ "ሊቀ ጳጳስ" ዝብል መዓርግ ተዋህቦም።

ድሕሪ ዕረፍቲ ካልኣይ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ፡ ብ03 ለካቲት 2004፡ ሽዱሽተ ሊቃነ-ጳጳሳት ፓትሪያርክ ንምዃን ተሓጽዩ።

ኣቡነ እንጠንዮስ ድማ፡ ፓትሪያርክ ክዀኑ ብህዝቢ ተመርጹ።

25 ሚያዝያ 2004 ከኣ፡ ግብጻዊ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ፡ ምስ ሰዓብቶም ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ህዝብን ኣብ ዝተሳተፉዎ፡ ኣብ ርእሰ-ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም፡ ፓትሪያርክ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ዀይኖም ንኽሰርሑ፡ ስርዓተ ተቐብኦ ተገብረሎም።

ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, tewahdo.org

ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ ጳጳስ ዞባ ማእከል ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እትሒዞም ዘርእዩዎ ዝነበሩ ምንክብኻብ ህዝቦምን ሃይማኖትን፡ ካብ ናይ ካልኦት ጳጳሳት ፍልይ ዝበለ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ስርዓት ብጽቡቕ ዓይኒ ክረኣዩ ኣይገበሮምን ይብሉ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ገለ ቕርበት ዝነበሮም ኣመንቲ።

ሰኑይ 18 ሓምለ 2005፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣስመራ፡ ፓትሪያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዘይጸውዕዎን ብዓቢኡ'ውን ዘይተዓደሙሉን ኣኼባ ኣባላት ሲኖዶስ ተኻየደ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ካብቶም ሸሞንተ እቶም ሽዱሽተ ጳጳሳት ዝፈረሙሉ ትእዛዛት ድማ፡ "ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ጸሎትን ቡራኬን ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካብ ዝዀነ ይዅን ንጥፈታት ምሕደራ ቤተ-ክርስትያን ክግለሉ፡" ዝብል ውሳነ ተዋህበ።

ቀዳም 23 ሓምለ 2005፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ክልተ ገጽ ዘለዎ ናይ መልሲ ደብዳቤ ብምጽሓፍ፡ ነቶም ብምስጢር ኣኼባ ዘካየዱ ሰደዱሎም።

ብድሕሪ'ዚ ኣመሓዳሪ'ቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝነበረ፡ ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስ ዝመርሖ ልኡኽ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ሰኑይ 25 ሓምለ 2005 ናብ ግብጺ ብምኻድ ንፓትሪያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ ካብ ስልጣን ብምእላይ ብኻልእ ንክትከኦም ፈተነ።

እንተኾነ ቤተክርስትያን ግብጺን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን ነቲ ሓሳብ ኣይተቐበሉዎን።

ኣብ ጥሪ 2006፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ብምስጢር ተኣከበ፡ ንፓትሪያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ ስልጣን ብምልኣት ኣለዮም።

እዚ ውሳነ'ዚ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብራድዮ ድምጺ-ሓፋሽ ንህዝቢ ተነግረ። ኣማስያኡ'ውን ብመስኰት ኤሪ-ቲቪ ተቓልሐ።

ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እውን ተሓቲሙ ተዘርግሐ። ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ ብመንግስቲ ብዝተላእኩ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋን ጥቡቕ ምክትታልን ኣተዉ። ን16 ዓመት ድማ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩ ር ጸንሑ።

ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ግን ስለምንታይ ይኽሰሱ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድነት ኮነ።

እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ንመንእሰያት መካነ ህይወት መድሃኔ-ዓለም 'መናፍቓን' ምዃኖም ብ2001 ብጕባኤ ሊቃውንቲ ተረጋጊጹስ ቅዱስ ሲኖዶስ ፋሕ ክብሉ ንዝሃቦ ውሳነ ተቓዊምኩም" ዝብል ነበረ።

መንበረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, LisanTewahdo

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2005 ናብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ ኣብ ዝኸደሉ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ እቶም ዝተኣስሩ ምሁራት ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትሪያርክ ንኽፍትሑ ኣብ ገጾም ከም ዝሓተትዎም ኣባል ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝኾኑ ሊቀ-ክህናት ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ይገልጹ።

ንቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ድማ ''እሙን ፈቓር ትሑት ሓቐና ኣቦ ከምኡ'ውንተባዕ ኣብ ስርሖምን ሓላዩ ህዝቦምን'' ዝነበሩ ክብል ይገልጽዎም።

ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ነቶም ኣብ ጌጋ መገዲ ዘለዉ፡ ወትሩ፡ መገዲ ሓቂ ተኸቲሎም፡ ምስ ኣምላኾም ክዕረቝ፡ ንሓቂ ረጊጾም መገዲ ሰናይ ክኽተሉ እናመኸሩ፡ ኣብ ዕቤቶም ሰንደቕ ጽንዓት ኮይኖም ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ካብ እምነቶም ፈልከት ከይበሉ ንኽሉ ምድራዊ መከራ ተቐበሊም ከም ዝዓረፉ'ውን ተዛሪቦም።