ሳይንስ፡ ሓሰማ ቀንዲ ፍልፍል ስግግር ኣካላት ወዲሰብ'ዶ ትኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስግግር ኣካላት ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝሕሰብ ነዊሕ ርሕቐት ከይዱ ኣሎ፡፡ ንፈለማ እዋን ለውጢ ካብ ዝተገበረሉ ሰረት ዘርኢ ሓሰማ (ጀነቲካሊ ኢንጂኔርድ) ዝተወሰደ ልቢ ዝተሰጋገረሉ ሰብኣይ ንክልተ ወርሒ ብህይወት ክጸንሕ ክኢሉ እዩ፡፡
ስለዚ ኣካላት ሓሰማ( ሓሸማ) ንወዲ ሰብ ፍልፍል ዘይተደገበ ቀረብ ዝኾነሉ እዋን ማዕረ ክንደይ ቀሪቡ ይኸውን?
ኣብቲ መጥባሕቲ ዝካየደሉ ክፍሊ ጽምዋ ዓሲሉ፤ ጭንቀት ዳርጋ ስጋ ለቢሱ ነታ ክፍሊ ከቢድዋ ኣሎ ፡፡
መጥባሕቲ ዘካይዱ ሓካይም ናይ ሓሰማ ኩላሊት ምስ ኣካል ወዲ ሰብ ኣራኸብዎ፡፡ ነቶም ናይ ደም ቧምቧታት ከፊቶም ናብ ኣካል እቲ ሓሰማ ደም ክኣቱ ገበሩ፡፡
‘‘መርፍእ ክትወድቕ እኳ ትስማዕ’’ ትብል በዓልቲ ሞያ መጥባሕቲ ዶ/ር ጀይሚ ሎክ፡፡
ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ኣብ ሐጺር እዋን ክፍለጥ እዩ፤ ኣብ ናይ ሕድሕድ ሰብ ሓንጎል ግን ሓንቲ ሕቶ ኣላ. . . ‘‘ሮዛ ዶ ይኸውን ጸሊም?’’
እቲ ናይ ወዲ ሰብ ኣካል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ባዕዳዊ ኣካል መጥቃዕቲ እንተፈጺሙ፡ ኣብ ሓድሕድ ዋህዮ ኩላሊት እቲ ሓሰማ ነዃላት ይቕደዱ፤ እቲ ኣካል ድማ ብደገን ውሽጥን ይረግእ፡፡ መጀመርታ ማክያ ይፈጥር፣ ቀጺሉ ሰማያዊ ይኸውን፤ ድሕሪ ደቓይቕ ድማ ጸለሎ ይኽደን፡፡
ሽዑ ንሽዑ እንድሕር ዘይነጺግዎ ግን እቲ ኣካል ደምን ኦክስጅንን እናተቐበለ ሮዛ ሕብሪ ይህልዎ፡፡
‘‘ናብ ደስ ዘብል ናይ ሮዛ ሕብሪ ተቐዪሩ፤ እታ ክፍሊ ብስምዒት ታሕጓስ፣ ሩፍታን ተስፋን ተመሊኣ፡፡ ንሓድሕድና ዓሽካ ዓሽኪ ተባሃሂልና እውን ንኸውን’’ ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ እትሰርሕ ዶ/ር ሎክ፡፡
እቲ መጥባሕቲ ካብቶም ኣብ ካብ እንስሳት ናብ ደቂ ሰብ ዝግበር ስግግር ኣካላት (ዜኖትራንስፕላንቴሽን) ዝተገበሩ ነጥቢ መቐይሮ ፈተነታት ሓደ እዩ፡፡
ኣብ ወዲ ሰብ ናይ እንስሳት ኣካላት ምጥቃም ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ሓሳብ እዩ፤ ካብ ፍረ ነብሲ ቺምፓንዚ ክሳብ ንወዲ ሰብ ቅርበት ናይ ዘለዎም እንስሳት ኩሊትን ልብን ንምትካእ ተፈቲኑ እዩ፡፡ ብፍላይ እቲ ካልአዋይ ቅልጡፍ ሞት ከስዕብ እዩ ተራእዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ኣካላት ወዲ ሰብ ነቲ ዝተሰጋገረሉ ናይ እንስሳት ኣካል ከም ረኽሲ ሓሲቡ መጥቃዕቲ ስለዝፍጽመሉ እዩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Steve Wood
ኣብዚ እዋን ዘሎ ትኹረት ኣብ ሓሰማ እዩ፤ ምኽንያቱ ድማ መጠን ኣካላተን ንወዲሰብ ትኽክለኛ ስለዝኾነን ንዓኣተን ናይ ምርባሕ ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ስለዘሎን እዩ፡፡
እንተኾነ እቲ ኣካላት ወዲሰብ ቀልጢፉ ናይ ምንጻግ ኩነት ግን ከምዘለዎ እዩ፤ እቲ ኣካል ሮዛ ዘይኮነስ ጸሊም ይኸውን፡፡ ብሱሩ እውን ናብ እንዳ ሓሰማ ኬድካ፣ ዝደለኻዮ ሓሰማ መሪጽካ፣ ጠቢሕካ ናብ ኣካላት እተሰጋግሮ ኣይኮነን፡፡
ሰረት ዘርኢ ሓሰማ ብመንገዲ ጀነቲክ ኢንጂነሪንግ ቀዪርካ ንወዲ ሰብ ዝምቹ ኣብ ምግባር ግን ዓበይቲ ምዕባለታት ተሳሊጦም እዮም፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ስግግራት ኩሊትን ልብን ‘’10-ጂን ፒግ’’ ካብ ዝተባህላ ብፍሉይ ዝማዕበላ ሓሰማታት ዝተወሰዱ እዮም፡፡
እቶም ኣካላት ንናይ ወዲ ሰብ ናይ ዕብየት ሆርሞናት ምላሽ ከይህቡ፣ ካብ ቁጽጽር ወጻእ ከይዓብዩን ባዕዳዊ ምዃኖም ዘርእይ ሞለክዩል ክውገድን ዝገብሩ ለውጢታት ይካየደሎም፡፡

ልብን ኩላሊትን
ኣብ 2019 ጽምዲ ኩላሊት ሓሰማ፡ ናብ ኣእምሮኡ ዝሞተ ሰብነት ጂም ፓርሶንስ ተተኺሎም፡፡
ንሱ ምስ ሞተ ኣካላቱ ንኻልእ ሰብ ክወሃብ ቃል ኣትዩ ስለዝነበረ፡ ኩላሊቱ ንኻልእ ሰብ ተዋሂቦም፡፡ ብናይ ቤተሰቡ ፍቓድ ድማ ናይ ሓሰማ ኩላሊት ተተኪእሉ፡፡
ካብተን ኩላሊት እታ ሓንቲ ሽንቲ ምምንጫው ከምዝጀመረት እትሕብር ዶ/ር ሎክ ነቲ ውጽኢት ‘‘ዘዕግብ ’’ ክትብል ዝገለጸቶ ኮይና፡ ካብ እንስሳት ዝግበር ስግግር ኣካላት ናይ ሰባት ህይወት ክልውጥ ከምዝኽእል ትዛረብ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Parsons family
ወዲ 57 ዓመት ደቪድ በነት፡ ከቢድ ናይ ልቢ ሕማም ኣጋጢምዎ ነይሩ፡፡ ኩነታቱ ነቲ ካብ ሰብ ዝግበር ናይ ልቢ ስግግር ዝምቹ ስለዘይነበረ ብህይወት ክትጸንሕ ብዝሕግዝ መሽን እናተረደአ ነይሩ፡፡
ንሱ ነቲ ካብ ሓሰማ ልቢ ናይ ምሰግጋር ሓሳብ፡ ‘‘ኣብ ጸልማት ከም ምትኳስ’’ ወይ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ዝመንመነ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ፡፡
ኣብ 7 ጥሪ ካብ 10-ጂን ሓሰማ ዝተወሰደ ልቢ ተገጢምሉ፡፡ ኮይኑ ግና ናይ በነት ዝሞተ ልቢ ሓቢጡ ስለዝነበረ እቶም ናይ ደም ቧምቧታት ምስታ ንኡሽቶ ናይ ሓሰማ ልቢ ንምርኻብ ከቢድ ኮይኑ ነይሩ፡፡
ኣካላቱ ነቲ ናይ ሓሰማ ልቢ ክነጽጎ ዶ ኸውን ዝብል ካልእ ጭንቀት እውን ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ልቢ ምውቃዕ ቀጺሉ፤ ሕብሩ እውን ሮዛ ኮይኑ፡፡
ኣብ ህይወተይ ‘‘ነዚ ዝርእይ’’ ኣይመስለንን ነይሩ ይብል ዶ/ር መሓመድ መሓመዲን፡፡
እቲ መጥባሕቲ ምስተኻየደ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣዛሪብዎ ከምዝነበረ ዝገልጽ ዶ/ር መሓመዲን፡ ኣካላቱ ነቲ ዝተተከአሉ ልቢ ከምዘይተቐበሎ ዘርእይ ምልክት ከምዘይነበረን እንተኾነ ኣቶ በነት ተዳኺሙ ከምዝነበረን ገሊጹ፡፡
‘‘ናብ ናይ 1960 መኪና ሓድሽ ናይ ፌራሪ ሞተር ነእቱ፡፡ እቲ ሞተር ጽቡቕ ይሰርሕ ኣሎ ግን ድማ እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ኣካላት ክመዓራረ ኣለዎ’’ ክብል ይገልጾ፡፡
ኣቶ በነት ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሞይቱ፡፡ ምኽንያቱን ምስቲ ስግግር ልቢ ዘለዎ ምትእስሳርን ግን ኣይተፈለጠን፡፡
ንሱ ቅድሚ እቲ ስግግር ኣዝዩ ተዳኺሙ ብምንባሩ ልቢ ምትካእ ጥራሕ እኹል ኣይነበረን፡፡
ሰብነቱ ነቲ ልቢ ከምዝነጸጎ ዘርእይ ምልክት እኳ እንተዘይሃለወ፡ ምክልኻል ኣካላቱ (ኢምዩን ሲስተም) ግን መጥቃዕቲ ይፍጽም ከምዝነበረ ዘመላኽት ዝርዝር መረዳእታ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ እቲ ናይ 10-ጂን ሓሰማ ተወሳኺ ምዕባለታት ከምዘድልዮ ዘርእይ እዩ፡፡
ምናልባት እውን እቲ ጸገም ናይቲ ሓሰማ ዘይኮነስ ምስ ቅርጺ ኣካላትና ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል፡፡ ደቂ ሰባት ደው ኢልና ስለእንኸይድ ልብና ኣንጻር ስሕበት መሬት ከቢድ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ፡፡
ናይ ሓሰማ ልቢ ህይወት ሰብ ንምድሓን ከም ናይ ሰብ ልቢ ምዕሩይ ከኸውን ግድን ኣይኮነን ይብል ፕሮፌሰር ጆን ዋልዎርክ፡፡
ብዙሓት ሰባት ስግግር ልቢ ክግበረሎም እናተጸበዩ እዮም ዝሞቱ፡፡
ንሱ፡ ን 100 ሰባት 85 ምኢታዊት ናይ ምስራሕ ዕድል ዘለዎ ናይ ሰብ ልቢ ካብ ምሃብ፡ ን 1000 ሰባት 70 ምኢታዊት ናይ ምስራሕ ዕድል ዘለዎ ናይ ሓሰማ ልቢ ምሃብ ይምረጽ ይብል፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ዘዕግብ ለውጢታት ከምዝተመዝገቡ እትገልጽ ዶ/ር ሎክ ብወገና እቲ ካብ እንስሳት ናብ ደቂ ሰባት ዝግበር ኣካላት ናይ ምስግጋር መጥባሕቲ ብህይወት እናሃለወት ክዕወት እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







