ናይ ሓሰማ ኮላሊት ናብ ሰብ ናይ ምስግጋር ዕውት ፈተነ መጥባሕቲ ተኻይዱ ተባሂሉ

ሓሰማ ኩላሊት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ ሞያ መጥባሕቲ ኣመሪካ ናይ ሓሰማ ኮላሊት ናብ ሰብ ናይ ምስግጋር ዕዉት ስራሕ ሰሪሖም ኣለዉ፡፡

እቲ መስርሕ ዝውውር ኣብ ዓውዲ ሕክምና ኩላሊት ተስፋ ዝህብ ዓወት ተባሂሉ ተሞጒሱ ኣሎ፡፡

ኣብ ዓለም ኣብ ስቓይ ኮይኖም ኮላሊት ዝልግሰሎም ዝሰኣኑ ወይ ካልእ ክትከለሎም ተራ ሒዞም ዝጽበዩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ፡፡

ሐዚ ግና ኣመሪካውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ናይ ሓሰማ ኮላሊት ናብ ሰብ ምስግጋር ምኽኣሎም ነቶም በዚ ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት ዓብዪ ተስፋ እዩ፡፡

እቲ ናይ ሓሰማ ኩላሊት ዝተተኸለሉ ውልቀ ሰብ፡ ሓንጎሉ ምስራሕ ደው ኣቢሉን (ብረይን ዴድ) ውኒኡ ስሒቱን ብናይ እስትንፋስ መጽንሒ መሽን እናተሓገዘ ዝጸንሐ እዩ፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ቅድሚ ውኒኡ ምስሓቱ ክፍሊ ኣካላቱ ንምልጋስ ዝደሊ ዝነበረ ኮይኑ እቲ ፈተነ ብፍቓድ ቤተሰቡ እዩ ተኻይዱ፡፡

ኣብ ኩላሊት እቲ ሓሰማ ምምሕያሽ ስለዝተገበረ ድማ እቲ ስግግር ምስተኻየደ ሰብነቱ ክቕበሎ ክኢሉ፡፡

እቲ መስርሕ ስግግር ገና ብኻልኦት ሰብ ሞያ ኣይተረጋገጸን፤ ኣብ መጽሄት ሳይንስ እውን ኣይተሓተመን፡፡ እቶም ሰብ ሞያ ስራሕቶም ናብ ግምገማ ከቕርቡ ትጽቢት ይግበር፡፡

ቅድሚ ሕዚ ተመሳሰልቲ ፈተነታት ስግግር ኩላሊት ኣብ እንስሳት ዝተኻየዱ ኮይኖም፡ ኣብ ደቂ ሰባት እዚ ፈላማይ እዩ፡፡

እንተኾነ ካልኦት ኣካላት ሓሰማ ናብ ደቂ ሰባት ናይ ምስግጋር ፈተነ ግን እዚ ፈላማይ ኣይኮነን፤ ቅድሚ ሕዚ ናይ ሓሰማ ናይ ልቢ ትቦ ናብ ወዲ ሰብ ምትካል ተኻኢሉ እዩ፡፡

ብመንጽር መጠን፡ ክፍሊ ኣካላት ሓሰማ ንወዲ ሰብ ዝሰማምዑ እዮም፡፡

እቲ ናይ ሓሰማ ኩላሊት ናብ ሰብ ናይ ምስግጋር ስራሕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ዮርክ ማእከል ጥዕና ላንጎን እዩ ተኻይዱ፡፡

እቶም ሓካይም፡ ኩላሊት እቲ ሓሰማ ምስቲ ናይቲ ውልቀ ሰብ ናይ ደም ቱቦ ብምርኻብ፡ ሰብነቱ ክቕበሎ ዝኽእል ምዃኑ አጽኒዖም እዮም፡፡ ንኣስታት ክልተ መዓልትን ፈረቓን ድማ ኣብቲ ኩላሊት ዝረአ ለውጢ ተኸታቲሎምዎ፡፡

መሪሕ ተመራማሪ ዶ/ር ሮበርት ሞንትጎምሪ ‘‘ኩላሊት እቲ ሓሰማ ልክዕ ኩላሊት ወዲሰብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ይፍጽም ነይሩ’’ ክብል ብዛዕባ እቲ ተስፋ ዝህብ ምርምር ተዛሪቡ፡፡

ኩላሊት እቲ ሓሰማ ምስ ሰብነት እቲ ውልቀ ሰብ ምስተራኸበ ስሩዕ ስርሑ ከምዝቐጸለ እውን ገሊጹ፡፡

ካብ ኩላሊት ብተወሳኺ ጽኪ ታይመስ እቲ ሓሰማ እውን ናብቲ ውልቀ ሰብ ተሰጋጊሩ እዩ፡፡ እቲ ጽኪ ሰብነት ወዲ ሰብ ንኩላሊት እቲ ሓሰማ ምቕባል ከይኣቢ ዝሕግዝ እዩ፡፡

ዶ/ር ሮበርት ንባዕሉ ናይ ልቢ ስግግር ዝተገበረሉ በዓል ሞያ ሕክምና እዩ፡፡ እዚ ዘካይዶ ዘሎ ምርምር እውን ኣዘራራቢ ክኸውን ከምዝኽእል ይፈልጥ እዩ፡፡ እንተኾነ ስግግር ኩላሊት ዘድልዮም ብዙሓት ሰባት ስለዘለዉ እቲ ምርምር ጠቓሚ ከምዝኾነ ይዛረብ፡፡

"ሓደ ሰብ ንክነብር ካልእ ሰብ ክመውት የብሉን፤ ካብ መንጎ እቶም ኩላሊት ዝጽበዩ፡ 40 ምኢታዊት ኩላሊት ከይረኸቡ እዮም ዝሞቱ፡፡ ከምቲ ሓሰማ ንምግብን መድሓኒትን እነውዕሎ ንናይ ኩላሊት ስግግር እውን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና’’ ይብል፡፡

እቲ ፈተነ ቅድሚ ናብ ተግባር ምስግጋሩ ተወሰኽቲ መጽናዕቲታት የድልዮ እዩ፡፡ እቲ ሐዚ ዘለዎ ደረጃ ናብ ቀጸልቲ ናይ መጽናዕቲ ብርኪታት ንምስግጋር ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ እቲ በዓል ሞያ የረድእ፡፡

ትካል ምቁጽጻር መድሃኒት ኣመሪካ (ኤፍዲኤ)፡ ኣካላት ምምሕያሽ ሰረት ዘርኢ (ጀነቲክ) ዝተገበረሎም ሓሰማታት ንምርምር ክውዕሉ ፈቒዱ እዩ፡፡

እቲ በዓል ሞያ ከምዝብሎ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ሓሰማ ልቢ፣ ኩላሊትን ሳንባን ብዕዉት መገዲ ናብ ደቂ ሰባት ምስግጋር ክከኣል እዩ ተባሂሉ እዩ ዝእመን፡፡

ኣብ ሃገራዊ ትካል ጥዕና እንግሊዝ እትሰርሕ ዶ/ር ሚርያም ኮስራቭ በዓልቲ ሞያ ሕክምና ኩላሊት እያ፡፡ እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ብዝምልከት ‘‘ክፍሊ ኣካላት እንስሳት ናብ ደቂ ሰባት ንምስግጋር ንነዊሕ ዓመታት ኣጽኒዕና ኢና፡፡ ናይዚ ኣመሪካዊ ጉጅለ መጽናዕቲ ውጽኢት፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝወስድ እዩ’’ ክትብል ገሊጻ፡፡

ኣብቲ ኩላሊት ሓሰማ ናብ ደቂ ሰባት ናይ ምስግጋር መስርሕ፡ ናይ ስነ ምግባር ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት ኣለዉ፡፡

ብካልእ ገጽ እዚ ናይ እንስሳት ክፍሊ ኣካላት ናብ ሰብ ናይ ምስግጋር መስርሕ ክሳብ ዝገሃድ፡ ክፍሊ ኣካላቶም ንምልጋስ ፍቓደኛታት ኣብ ዝኾኑ ሰባት ኣተኲርካ ምስራሕ ግድን እዩ፡፡