ወራር ሩስያ ደው ክብለሉ ዝኽእል ሓሙሽተ ተኽእሎታት

ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ተጠንቀቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው'ምበኣር እዚ ኲናት ደው ክብለሉ ዝኽእል ተኽእሎታት ክንድህስስ ክንፍትን ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ ፖሎቲከኛታትን ክኢላታት ውግእን ክውጥንዎ ዝኽእሉ ነገራት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ገለኡ ዘይመስል ክመስል ይኽእል'ዩ፣ ገለኡ ግን ግብራዊ ዝመስል እዩ።

ኣብዚ ዓለም ብዓብላዂ ዜና ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተጐቢኣትሉ ዘላ እዋን፡ እንታዩ ክስዕብ ከም ዝኽእል ንኽትንበ ኣጸጋሚ ኰይኑ'ሎ። ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ዝመጽእ ዜናታት፡ ታህዲድ ዲፕሎማሰኛታት ኣውያት ተፈናቐልትን ስደተኛታትን ተደማሚሩ ቅኑዕ ገምጋም ክግበር ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ሓጺር ኲናት

ኣብዚ ተኽእሎ እዚ፡ ሩስያ ኵሉ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት ገይራ፣ ንዅሉ ትሕተ ቕርጺ ዩክረይን ኣዕንያ፡ ኵሉ ዓይነት ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ፈጺማ፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ቀቲላ ኣብ ሓጺር መዓልታት ንከተማ ከይቭ ክትቈጻጸራ እዩ።

ሩስያ፡ ንመላእ ዩክረይን ብምቍጸጻር ንኣኣ ዝምእዘዝ መንግስቲ ክትተክል፣ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ክቕተል ወይ ክስደድ፣ ምናልባት እንተ ተሰዲዱ ኸአ ኣብ ደገ ኰይኑ መንግስቲ ከቕውም ክፍትን።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዓወት ከምዝተጐናጸፈ ብምእዋጅ፡ ገለ ክፋል ሰራዊቱ ካብ ዩክረይን ከውጽኦም።

ኣሽሓት ዩክሬናውያን ክስደዱ፣ ዩክረይን ልክዕ ከም ቤላሩስ ተማእዛዚት ሩስያ ክትከውን።

እዚ ዘይክመስል ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገለ ረቋሒታት ተመርኲሱ ዘይኰነሉ ምኽንያት ግን የለን።

ሰራዊት ሩስያ ኣብ ጽቡቕ ቍመና እንተሃልዩን፡ ዓቕሚ ሰራዊት ዩክረይን ኣዝዩ እንተ ተዳኺሙን፡ እዚ ኲናት ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእ ይኽእል እዩ።

line
line

ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዓወት ብምምዝጋብ፡ ስርዓት ቀይሩ፡ ነቲ ብመንገዲ ዩክረይን ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝመጽኦ ስግኣታት ሓንሳእን ንሓዋሩን ክርግጦ ይኽእል እዩ።

እንተዀነ እቲ ንመንግስቲ ሩስያ ዝምእዘዝ ኣብ ዩክረይን ዝቐውም መንግስቲ፡ ንዝዀነ መጥቃዕትታት ዝተቓልዐ ስለዝኸውን፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ክውላዕ፡ ተኽእሎኦ ልዑል እዩ።

ዝተናወሐ ኲናት

ምናልባት እዚ ኲናት ንዝተናውሐ ግዜ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ።

ሰራዊት ሩስያ ሞራሉ ተሓማሺሹ፡ ድኽመት መሪሕነትን ሕጽረት ሎጂስቲክን ኣጋጢምዎ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ክቕጽል ኣይክእልን ይኸውን።

እዚ ምስቲ ኣብ 1990ታት ሩስያ ንርእሰ ከተማ ቸቺንያ ንምሓዝ ዝወሰደላ ግዜ ክመሳሰል ይኽእል እዩ።

ሰራዊት ሩስያ ንገለ ከተማታት ዩክረይን ምስ ሓዘ፡ ምቁጽጻርን ከጸግሞን እኹል ሓይሊ ንምውፋር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምጽንቃቕ ዓቕሚ ክበጽሕ ይኽእል'ዩ።

ሰራዊት ሩስያ ኣብ ከተማ ኩናት ቸችንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ሩስያ ኣብ ከተማ ኩናት ቸችንያ

መንግስቲ ዩክረይን'ውን ነቲ ኲናት ናብ ህዝባዊ ቃልሲ ቐይሩ፡ ዓቕሚ ምክልኻሉ ኣደልደሉ፡ ንሰራዊት ሩስያ እሾኽ ክዀኖ ይኽእል እዩ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ንሰራዊት ዩክረይን እዅል ወተሃደራዊ ንዋት እንተለጊሰናሉ ኸአ እቲ ኲናት ዓመታት ወሲዱ ኣብ ሞስኮ መንግስቲ ተቐይሩ፡ ሰራዊት ሩስያ ካብ ዩክረይን ንኸንሳሕብ ዝድርኽ ውሳነ ክውሰድ ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ልክዕ ምስቲ ኣብ 1989 ሩስያውያን ካብ ኣፍጋኒስታን ዘንሳሕብዎ ዝመሳሰል እዩ።

line

ኲናት ኣውሮጳ

ኲናት ዩክረይን ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምልሓም ተኽእሎ ኣለዎዶ? እንተኢልና እቲ መልሲ ብርግጽ 'እወ' እዩ ዝኸውን።

ፑቲን ናብተን ኣብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ዘይኣተዋ ዘለዋ ኣባላት ሕብረት ሶቭየት ነበር ከም ሞልዶቭያን ጆርጅያን ወተሃደራቱ የእቱ ኣሎ።

ብምቕጻል ናብ ሃገራት ዞባ ባልቲክ'ውን ሰራዊቱ ከእቱ ይኽእል እዩ። ምስ ካሊኒንግራድ ዘራኽቦ ናይ መሬት መስመር ንኽፈጥር ከኣ፡ ኣባል ኔቶ ንዝዀነት ሊትወንያ ክረግጻ'ውን ተኽእሎ ኣሎ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 5 ቻርተር ኔቶ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ኣባል እቲ ኪዳን ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኵለን'ተን ካልኦት ሃገራት ከምዝተፈጸመ ይሕሰብ ስለዝብል፡ እቲ ኲናት ንዅለን ኣባላት ኔቶ ክሽልብበን ተኽእሎ ኣሎ።

ሩስያ ነቲ ኲናት ናብ ኵሉ ንኽልሕም ከም ምኽንያት ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኑክሌር ክትጥቀም ተኽእሎ'ሎ።

ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝዓነወ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝዓነወ ከባቢ

ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ

እዚ ዅሉ እናዀነ፡ እዚ ኲናት ብዲፕሎማስያዊ ዘተ ዘይፍትሓሉ ምኽንያት የለን።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ "ሕጂ ብረት እዩ ዝዛረብ ዘሎ፡ እንተዀነ ንዘተ መዓጹና ርሑው ክንገብሮ ኣለና፡" ኢሉ ነይሩ።

ገለ ዘተታት ይቕጽል ኣሎ፣ ፕረዚደንት ማክሮን ምስ ፑቲን ብተሌፎን ተዘራሪቡ ነይሩ።

ሰብ መዚ ሩስያን ዩክረይንን'ውን ኣብ ቤላሩስ ዘተ ኣካይዶም'ዮም፣ ዋላ'ኳ ኣብ ሓደ ዘዕግብ ስምምዕ እንተዘይበጽሑ ንዘተ ድልዋት ምህላዎም ግን ሓደ እወታዊ ነገር'ዩ።

ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝዓነወ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝዓነወ ህንጻ

ገለ ዲፕሎማሰኛታት፡ መንግስቲ ሩስያ ነዚ ኲናት ደው ከብሎ እንዘይክኢሉ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ሰፍ ዘይብል እገዳ ክወርዶ ከምዝኽእል ምፍላጡ ከም ጽቡቕ'ዮም ዝርእይዎ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ጸቕጢ ክትገብር እንተጀሚራ፡ መንግስቲ ሩስያ ክስኩን ይኽእል እዩ። ሰብ መዚ ዩክረይን'ውን ብተመሳሳሊ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ቅርጺ ሃገሮም ዘኸትሎ ዘሎ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ዘተ ዘይቀርቡሉ ምኽንያት ኣይክህሉን'ዩ።

ምእላይ ፑቲን

ፑቲን ነዚ ኲናት ክጅምሮ እንከሎ፡ ንዅሉ ዝስዕብ ነገራት ድሉዋት ኣለና ይብል ነይሩ።

እንተዀነ እቲ ክንከፍሎ ድልዋት ኣለና ዝበሎ ክሳብ ንእኡ ካብ ስልጣን ዘውርድ እንተዀነኸ? እዚ ዘይሕሰብ ክመስል ይኽእል እዩ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ኪቭ ዝሕሰብ ዘሎ ኣብ ሞስኮ'ውን መንግስቲ ክቕየር ዘይሕሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ዝገልጹ ምሁራት ኣለዉ።

ነዚ ዝብልሉ ምኽንያት ከረድኡ እንከለዉ ኸኣ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ሩስያ ምስ ሞቱ፡ ነታ ሃገር ቍጠባዊ እገዳ ምስ ረመሳ፡ ፑቲን ህቡብነቱ ክጐድልን ምናልባት'ውን ህዝባዊ ተቓውሞ ክልዓሎ ከምዝኽእል ይምጕቱ።

ኣንጻር መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ ፖሊስ ሰብ እናኣሰሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣንጻር መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ ፖሊስ ሰብ እናኣሰሩ

መደምደምታ

እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ተኽእሎታት፡ ንሓድሕዱ ተዋሲቡ'ውን ሓደ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል እዩ።

እንተዀነ ድሕሪ እዚ ኲናት፡ ሩስያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝህልዋ ርክብ ካልእ መልክዕ ክህልዎ ግድን እዩ።

ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጸጥታዊ መሓውረን ምምሕያሽ ክገብራ'የን።