እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒውዮርክ፡ ትራምፕን ደቁን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ቃሎም ክህቡ ተሓቲቶም
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ክልቲኦም ደቁን ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ብምፍጻም ንዝቐርቡሎም ሕቶታት ምላሽ ክህቡ ዳኛ ወሲኑ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ፡ ትራምፕ ዘመሓድሮ ትካል እፎይታ ግብሪን ልቓሕን ንክረክብ "ዘጋግን ግቡእ ዘይኮነ ገምጋም ንብረትን" ተጠቒሙ ክብል ከሲሱ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ቃለ መሓላ ፈጺሙ ቃሉ ክህብ ኣለዎ ተባሂሉ።
ንዝቐርበሉ ዘሎ ክሲ ሙሉእ ንሙሉእ ዝቃወሞ ትራምፕ ይግባይ ክሓትት እዩ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ርኢይቶ ናይ ዘይምሃብ መሰሉ ክጥቀም ከም ዝኽእል'ውን ይግመት።
ትካሉ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መልሲ "እቲ ስርዓት ብሙሉኡ ብልሽው'ዩ" ኢሉ።
ትማሊ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ኣርተር ኢንጎሮን ዶናልድ ትራም፣ ወዱ ትራምፕን ጓሉ ኢቫንካን ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከኽብሩ ኣለዎም ኢሉ።
ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ እቲ ዝተጀመረ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ፖለቲካዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰን ዕላማ ዘይብሉን'ዩ ክብል ኣናኢሱዎ።
ስለ ዝኾነ ድማ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ቃሉ ክህብ ድዩ ዋላስ ብወግዒ ተቓውምኡ ክገልጽ ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።
ጠበቓታቱ'ውን ዝኾነ ዓይነት ርኢይቶ ካብ ምሃብ ምቑጣብ ዝብል ኣማራጺ'ዮም ዘቕርብሉ ዘለው።
እዚ ብ2019 ዝጀመረ ክሲ ትራምፕ ካብ መንግስቲ ዝረኽቦ ልቓሕ ክብ ንምባል ዘይብሉ ሃብቲ ኣመዝጊቡ፣ ዘለዎ ንብረት ልዕሊ ዓቐን ሓፍ ክብል ገይሩ ዝብል እዩ።
እዚ ቅድሚ ፕሬዝደንት ምዃኑ ከም ዝኾነ'ውን ይጥቀስ።