ትራምፕ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ክምለስ ይህቅን ከምዘሎ ኣማኻሪኡ ተዛሪቡ

ትካላት ማሕበራዊ ሚድያታት ፌይስቡክን ትዊተርን ዝኣገድዎ፡ ፕረዚደንት ነበር-ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብካልእ 'ናይ ባዕሉ' መገዲ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ክምለስ ይህቅን ከምዘሎ ኣመኻሪኡ ተዛሪቡ።

ጃሰን ሚለር ዝተብሃለ ኣማኻሪ'ቲ ፕረዚደንት ነበር ኣመሪካ፡ "ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ወርሕን ክልተ ወርሕን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መሊስና እንሪኦ ንኽእል ይመስለኒ" ኢሉ ምዝራቡ ፎክስ ኒውስ ጸብጺቡ።

እቲ ኣማኻሪኡ ከምዝብሎ፡ ትራምፕ ብናይ ባዕሉ ካልእ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ ክመጽእ ተሊሙ ዘሎ።

"እቲ ናቱ መርበብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ኣዝዩ ውዑይ ክትዓት ዝካየደሉ ክኸውን እዩ"፡ ምስበለ፡ ነቲ ኣበ ማሕበራዊ ሚድያ ዘሎ 'ጸዋታ' ኣዝዩ ክልውጦ ከምዝኽእል'ውን ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ነበር ትዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ቤተ ጽሕፈት ባይቶ ኣመሪካ [ካፒቶል] ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓያል ናዕቢ ምስተላዕለ ፌስቡክን ትዊተርን ከምዝኣገድዎ ዝዝከር እዩ።

እቶም ናዕቢ ዘበገዙ ደገፍቲ ትራምፕ እንትትኾኑ፡ ትራመፕ ኣተባቢዕዎም ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ንሓደ ፖሊስ ሓዊሱ ሓሙሸተ ሰባት ክሞቱ ጠንቂ እንትኸውን፡ እቲ ፍጻመ፡ እቲ ሓያል መሰረት ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ንዝነበረ ዲሞክራሲ ኣመሪካ ዘነቓነቐ እዩ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ድሕሪ መዓልታት፡ @realDonaldTrump ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ ናቱ ኣካውንት ከምዝተዓጸወ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ትዊተር ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ነቲ ስሩዕ ሚድያ ረጊጹ፡ ምስ ደገፍቱ ብቐጥታ ንምርኻብ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ቀንዲ መሳርሒኡ እዩ ነይሩ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ትዊተር ኣስታት 90 ሚልዮን ሰዓብቲ ነይሮምዎ።

ትራምፕ እንታይ ዓይነት ማሕበራዊ ሚድያ እዩ ክጥቀም ደኣ?

ኣማኻሪኡ ሚለር፡ 'ትራምፕ ብናይ ባዕሉ ካልእ ማሕበራዊ ሚድያ ክመጽእ እዩ' ካብ ምባል ወጻኢ እንታይ ዓይነት መገዲ [ፕላት ፎርም] ዝብል ኣየብረሀን።

ከምዚ ግን ኢሉ። "ትራምፕ እንታይ ከምዝገብር ኩሉ ሰብ ዓይኑ ኣፍጢጡ ክጽበን ክርእን እዩ"።

ትራምፕ፡ እቲ መደብ ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ዓበይቲ ሰባት፡ ኣኼባታት ከካይድ ከምዝቐነየ ሚለር ጠቒሱ።

ብርክት ዝበላ ኩባንያታት ድማ ብኣግኡ ከምዘዛረበኦ እቲ ኣማኻሪኡ ወሲኹ ሓቢሩ።

"እቲ ፕላት ፎርም ኣዝዩ ገዚፍ እዩ ክኸውን" ድማ ኢሉ፤ ብዓሰርተ ሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝስሕብ ብምእንፋት።

ትራምፕ ንምንታይ እዩ ካብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተኣጊዱ?

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ ዘጥቅዑ ሰልፈኛታት ኣመልኪቱ ብትዊተር ሓበሬታ ድሕሪ ምልጣፉ፡ እየን ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ትዊተርን ዛኣገደኦ።

ንሱ፡ ኣብቲ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ናብ ገዝኦም ክኸዱ ቅድሚ ምንጋሩ፡ "የፍቅረኩም እየ" ኢልዎም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ'ውን ምጥፍፋእ ነይሩ ክብል ጭብጢ ዘይብሉ ክሲ ጽሒፉ ነይሩ።

ትዊተር፡ ሰለስተ ካብቲ ጽሑፋት "ብርቱዕ ጥሕሰት ፖሊሲ መትከል ዜጋታት" ከም ዘለዎ ብምግላጽ ክእለ ከም ዝግባእ ገሊጹ።

እቲ ጽሑፋት እንተዘይተኣልዩ፡ እቲ ናይ ትዊተር ገጽ ናይቲ ፕረዚደንት ንሓዋሩ ክዕጾ ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ።

እቲ ትካል ወሲኹ፡ "ኣብ መጻኢ፡ ምጥሓስ መምርሒታት ትዊተር . . . ንገጽ ትዊተር እቲ ፕረዚደንት ከዕጽዎ ከም ዝኽእል'ውን" ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ብተደጋጋሚ ንመምርሒታት እቲ ትካል ክጥሕስ ይርኣ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፌስቡክ ናይ 24 ሰዓታት እገዳ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ከንብር እንከሎ፤ ዩትዩብ እውን ነቲ ቪድዮኡ ኣሊይዎ።

ፌስቡክ ነቲ ጽሑፍ ዝኣለየሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ "ንተኽእሎ ናይ ጎነጽ ዘጉድል ዘይኮነ ዘብዝሕ ምዃኑ ስለዝኣመንና ኣሊናዮ ኣሎና" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ክልቲኦም ማሕበራዊ ሚድያታት ንሓዋሩ ከይጽሕፍ ኣጊዶምዎ።