ውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ ንምቕያር ዝተኻየደ ሕጋዊ ፈተነ ፈሺሉ

ንውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ 2020 ንምቕያር ብደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ፈተነ ፈሺሉ።

ኣብ ቴክሳስ ብኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ሎዊ ጎመርት ንዝቐረበ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ነቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከይቅበሎ ዝጠልብ ጥርዓን ዝረኣየ ሓደ ዳኛ ነጺግዎ።

ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን 20 ጥሪ ስልጣን ክርከብ ትጽቢት ይግበር። ትራምፕ ግና ጌና ስዕረቱ ኣይተቐበለን ኣሎ።

ኣባል ባይቶን ሪፓብሊካንን ጎመርት፡ ንቴለቪዥን ኒውስ ማክስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ብይን ይግባይ ክብል ምዃኑ ተዛሪቡ።

መሓዙት ፕረዚደንት ትራምፕ ዝኾኑ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ነቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ጆ ባይደን ዝተዓወተሉ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ቤት ፍርዲ ክብድሁ ፈቲኖም እዮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ዓወት ባይደን፡ ኣብቲ ምርጫ ስርቂ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ብርክት ዝበለ ጭብጥታት ዘይብሉ ጠቐነታት ክዝርግሕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብቲ ምርጫ ጆ ባይደን 306 ናይ ኤለክቶራል ኮሌጅ ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ትራምፕ ግና 232 እዩ ረኺቡ።

ኣመሪካ እትኽተሎ ኣገባብ ናይ ኤለክቶራል ኮሌጅ ድምጺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ዝወሃብ ዝተወሰነ ነጥቢ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብታ ግዝኣት ዝተዓወተ ተወዳዳሪ ንብምልኡ ድምጺ እታ ግዝኣት ከም ዝወስድ ዝገብር እዩ። እቲ ዝበዝሐ ናይ ኤለክቶራል ድምጺ ዘዋህለለ ተወዳዳሪ ድማ ተዓዋቲ እቲ ምርጫ ይኸውን።

ጥርዓን ኣባል ኮንግረስ ጎመርት፡ ባይቶ ኣመሪካ 6 ጥሪ ነቲ ናይ ኤለክቶራል ኮሌጅ ድምጺ ምስ ኣጽደቖ፡ ንገለ ካብቲ ድምጽታት ምክትል ፕረዚደንት ፐንስ ክነጽጎ ዘኽእል እዩ ነይሩ።

እቲ ምክትል ፕረዚደንት ነቲ ብባይቶ ዝግበር ጽምብል ምጽዳቕን ምእዋጅን ድምጺ ይመርሖ።