ኮሮናቫይረስ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ባዕላ ቅዳሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣማዕቢላ

ተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ቅዳሕ ሞደርና ዝተብሃለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣማዕቢሎም። እቲ ስራሕ ኣብ ኣፍሪቃ መጠን ክታበት ክብ ከምዘብሎ ተስፋ’ሎ።

ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር እታ ውሑድ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሰደት እያ። ነቲ ክታበት ዘማዕበለ ትካል 'ኣፍሪጀን ባይሎጂክስ' ናይ ክሊኒካዊ ፈተነ ኣብ ወርሒ ሕዳር ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሞደርና ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መሰል ዋንነት ዘማዕበሎ ክታበት ከምዘየገድድ ብምግላጽ ኣብ ኬፕታዉን ዝርከቡ ተመራመርቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ክታበት ከማዕብሉ ኣፍቂድሎም’ዩ።

እቶም ተመራመርቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝተሓገዙ ተገሊጹ።

ሓላፊት ናይቲ ክታበት ዘማዕብል ዘሎ ትካል 'ኣፍሪጀን ባይሎጂክስ' ፔትሮ ተርባለንቼ እቲ ስራሕ ኣውሒዶም’ኳ እንተጀመርዎ ቀልጢፎም ከዕብይዎ ህርፋን ከምዝነበሮም ተዛሪባ።

“ሞደርና ዝኸዶ ተመሳሳሊ መስርሕ ኢና ተኸቲልና” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንሳ ኣስዒባ “ኣብ ትሑትን ማእከላይን ደረጃ ቁጠባ ዝርከባ ሃገራት ብክታበት ዓቕምን ክእለትን ከጥርያ ናይ ዝግበር ዘሎ ዓለማዊ ጻዕርታት ሓደ ኣካል’ዩ” ኢላ።

ፍይዘር ባዮቴክ ዝተብሃለ ትካል’ውን ተመሳሳሊ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ናይ ገዝእ ርእሱ ክታበት ኣማዕቢሉ። እቲ ክታበት ናይ መጀመርታ ኣብ ዓለም ሰባት ክጥቀምሉ ፍቓድ ዝተውሃቦ’ዩ።

እዚ ዓይነት ክታበት ዋህዮታት ደቂ ሰባት ብኸመይ ፕሮቲን ከማዕብሉ ከምዘለዎም ዝምህር’ዩ።

ላዕለዋይ ተመራማሪ እቲ ኩባንያ ዶ/ር ካሪይን ፌኔር እቲ ዕዮ “ኣዝዩ ጠቓሚ” ከምዝኾነ ገሊጹ። “እቲ ፍጻመ ንቐጻሊ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእስና ክታበት ከነፍሪ ዓቕሚ ሂቡና’ዩ” ድማ ኢሉ።

መብዛሕቲኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ሓፈሻዊ ህዝበን ትሕቲ 10 ሚኢታዊት እየን ከቲበን። ሰሜን ኣመሪካ 60 ሚኢታዊት፣ ኣውሮፓ 63 ሚኢታዊት፣ ኤስያ 61 ሚኢታዊት ህዝበን ዝኸተባ ኮይነን ደቡብ ኣፍሪቃ ጥራይ እያ ካብ ጠቕላላ ህዝባ 27 ሚኢታዊት ከቲባ።

እቲ ምስ ትካል ፍይዘር ዝተሓባበር ዘሎ ባዮኤንቴክ ኣብ ኣፍሪቃ ክታበት ዝሰርሕ ፋብሪካ ናይ ምኽፋት ውጥን ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ኣብ ቻይናን ሩስያን ዝማዕበሉ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ንኽስርሑ ኣብ መገዲ ከምዘለዉ ይግለጽ።