ስነ ጥበባዊ ክሪስ ብራውን ንሓንቲ ጓል 'ብምዕማጹ' 20 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካዊ ስነ ጥበባዊ ክሪስ ብራዉን ንሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ እጸፋረስ ብምሃብን ብተግባር ጾታዊ ዓመጽን ክሲ ዝተመስረተሉ ኮይኑ 20 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ።
ድምጻዊ ክሪስ ብራዉን ዝተኸሰሰሉ ገበን ቅድሚ ሓደ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ማያሚ ፍሎሪዳ ኣብ ሓንቲ መዛነይት ጀልባ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ጸብጻብ ዝሰርሐ ‘ሬድዮ ዋን ኒውስቢት’ ካብ ማናጀራት ክሪስ ብራዉን ርእይቶ ንምርካብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዛጊድ ኣይሰመረን’ሎ።
ክሪስ ብራዉን ኣብ ኢንስታግራም ምላሽ ንምሃብ ዝፈተነ ኮይኑ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ሓድሽ ናይ ሙዚቃ ኣልበም ክለቅቕ ምስ ምዃኑ ተጎዛጕዙ ዝመጽአ ከምዝኾነ ኣተንቢሁ።
“እዚ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ነገር ኩላትኩም ተስተውዕልዎ ከምእትህልዉ ተስፋ እገብር። ኩሉሻብ ሓድሽ ሙዚቃ ወይ ከዓ ፕሮጀክት ከንቅል እንከለኹ” ዘጋጥም ነገር ከምዝኾነ ዘመላኽት ጽሑፍ ጠቂዑ።
እቲ ክሲ ክሳብ ሕጂ መንነቱ ብዘይተፈልጠ ሙዚቀኛን በዓል ሞያ ትልሂትን ከምዝኸነ ዝተገለጸ ኮይኑ ኣብ ሕጋዊ ሰነዳት ግን “ጄን ዶ” ብዝብል ሽም ይጥቀስ።
ክሪስ ብራዉን ዝቐረበሉ ክስታት ሓሙሽተ ኮይኑ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ሕጊ ጸረ ጾታዊ መጥቃዕቲ ምጥሓስ፣ ኮነ ኢልካ ስምዒት ምዝባዕ፣ ብዕሽሽታ ስምዒት ሰብ ምዝባዕን ናይ ሓሶት ማእሰርትን ዝብሉ እዮም።
ከሳሲት “ንህይወታን ስርሓን ከምእትፈርሕ” ዘለዋ ስግኣት ኣብቲ ሰነድ ጽሒፋ።
ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መዘናግዒ ጃልባ ብናይ ሙዚቀኛ ራፕን ኣፍራዩን ዲዲ ተዓዲማ ከምዝኸደት’ውን ገሊጻ።
ኣብቲ ኒውስቢት ርእየዮ ዝበሎ ናይ ክሲ ሰነድ እታ ሰበይቲ ናብቲ ጃልባ ምስከደት ክሪስ ብራዉን መስተ ክትሰቲ ከምዝዓደማን “ሃንደበታውን ክገልጾ ብዘይክእልን ኣእምሮይ ተለዋዊጡ” ክትብል ገሊጻቶ።
ካብኡ ንድሓር “ዓዊነ፣ ኣካላዊ ዘይምርግጋዕን ሓውሲ ድቃስ ናብ ዝመስል ኩነታት ኣትየ” ዝበለት ኮይና ክሪስ ብራዉን ዕርቃና ኣውጺኡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺምሉ ናብ ዝተብሃለ መደቀሲ ክፍሊ ከምዝተወሰደት ኣብሪሃ።
እቲ ሰነድ: ክሪስ ብራዉን ንጽባሒቱ ረኺቡ ከኒና መከላኸሊ ሃንደበታዊ ጥንሲ ንኽትወስድ ከምዝነገራን ይሕብር። ኒውስቢት ንፕሮድዩሰር ዲዲን ተወከልቱን ረኺቡ ርእይትኦም’ኳ እንተሓተተ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይረኸበን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







