ዕውትቲ 3 ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ምዃና ዝነግር ኢመይል ኣብ መአከቢ ዘይጠቅም ትሕዝቶታት ዝረኸበት ኣሜሪካዊት

ላውራ ስፒርስ ዓቢይ ቼክ ሒዛ

ምንጪ ስእሊ, Michigan Lottery

መግለጺ ስእሊ, ላውራ ስፒርስ፡ ደጊም ን 'ስፓም ፎልደር' ኣጸቢቓ ክትፍትሾ ምዃና ተዛሪባ

ሓንቲ ኣሜሪካዊት ነቲ 3 ሚልዮን ዶላር ሎተሪ ከም ዝተዓወተት ዝነግር ኢመይል፡ ጥቕሚ ዘይብሉ ትሕዝቶታት ኣብ ዝውህለሉ 'ስፓም ፎልደር' ከም ዝረኸበቶ ተዛሪባ።

ጓል 55 ዓመት ላውራ ስፒርስ ነቲ ብ 'ሜጋ ሚልየንስ' ዝፍለጥ ሎተሪ ብኦንላይን እያ ዓዲጋቶ።

"ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ካብ ሓንቲ መሓዛይ ዝተላእኸትኒ ኢመይል ይእልሽ ነይረ፤ ነቲ 'ስፓም ፎልደር' ከኣ ክርእዮ ነይሩኒ" ኢላ ንኣካየድቲ እቲ ሎተሪ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ።

ኣስዒባ'ውን "ሽዑ ኣብቲ ሎተሪ ከምዝተዓወትኩ ዝነግር ኢመይል ርእየ" ኢላ።

"ነቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ኣይኣመንክዎን፡ ስለዚ ንሓቀኛነት እቲ ኢመይል ንምርግጋጽ ነቲ ናይ ሎተሪ ኣካውንተይ ከፊተዮ" ድሕሪ ምባል፡ ምዕዋታ ከም ዘሰንበዳ ተዛሪባ።

ሕጂ፡ ካብ ስርሓ ገለ ዓመታት ኣቐዲማ ጥሮታ ናይ ምውጻእ ሓሳብ ከምዘለዋን ኢመይላታ ብቕርበት ክትከታተል ምዃናን ገሊጻ።

ንሳ ወሲኻ "ምናልባት ካልእ ተመሳሳሊ ሎተሪ እንተተዓወትኩ ስለዘይፍለጥ፡ ደጊም ካብ 'ሚሺጋን ሎተሪ' ዝመጽእ ኢመይል ናብ ስፓም ፎልደር ከምዘይኣቱ ጌረዮ ኣለኹ" ኢላ።

እቲ ክልተ ዶላር ዝዋግኡ ሎተሪ ሜጋ ሚልየንስ ኣብ 45 ክፍለ-ግዝኣታት ኣሜሪካ ይሽየጥ።

ኣብ 2018 ሓደ ውልቀሰብ 1.6 ቢልዮን ዶላር ብምዕዋቱ ኣብ ሎተሪ 'ሜጋ ሚልየንስ' ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ።