እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ክልል ዓፋር ሓይልታት ትግራይ ናብ ግዝኣተይ ጥሒሶም ኣትዮም ክብል ከሲሱ
ሰብመዚ መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ትግራይ ወሰን እቲ ክልል ብምጥሓስ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም፡፡
ንመግለጺ እቲ ክልል ብምጥቃስ ፋና ብሮድካስቲን ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታ ትግራይ ‘‘ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዞባ ኪልበቲ ረሱ’’ ዝጀመርዎ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሮም ቀጺሎምሉ ኢሉ፡፡
‘‘ሎሚ መዓልቲ እኳ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ኪልበቲ ረሱ ጥሒሱ ብምእታው ብወገን ኣብዓላ፣ መጋሌን በራሕለን ብኸቢድ ብረት ዝተሓገዘ ኵናት ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ጉድኣት ኣብጹሑ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ክሲ ብዘይሻራዊ ወገን ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን፤ ብወገን ሓይልታት ትግራይ እውን ብዛዕባ እቲ ክሲ ዝተውሃበ መግለጺ የለን፡፡
እንተኾነ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ብትዊተር ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ኣብዓላ ቅድሚ ገለ መዓቲታት ዝጀመረ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎን ሓይልታት ዓፋርን መላፍንቶም ወታሃደራት ኤርትራን ዝጀመርዎ ከምዝኾነን ገሊጹ፡፡
‘‘. . .እቲ ኣብ ኣብዓላ ኣሎ ዝተባህለ ጎንጺ ሓይልታት ዓፋርን ኤርትራውያን መሻርኽቶምን ዝጀመርዎ እዩ፤ ሕዚ እውን ይቕጽል ኣሎ’’ ኢሉ፡፡
ብወገን ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዛዕባ'ቲ ህወሓት ዘቕረብዎ ክሲ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።
ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ውድብ ምግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ንምእታው ካብ ሰመራ ከምዝተበገሳ ተገሊጹሎም ከምዝነበረ ዝሓበረ ኣቶ ጌታቸው፡ እንተኾነ ጉዕዞ እተን ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተገበረ ዕጽዋ ክኸፍታ ዝተባህላ 27 መካይን ከምዝተዓናቐፈን ‘‘ መንግስቲ እቲ ክልል ፍቓድ ኣይሃበንን፤ ኣብ ኣብዓላ እውን ጎንጺ ነይሩ’’ ዝብል ምኽንያት ከምዝተውሃቦምን ገሊጹ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ሒዞምዎ ካብ ዝነበሩ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምስሓቦም፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ መጥቃዕቲ ፈጺሙለይ ብዝብል ክካሰሱ ተሰሚዖም እዮም፡፡
እቲ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ከብቅዕ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ርኡይ ተስፋ ከምዝተረኸቦኳ ይግለጽ እንተሃለወ፡ ኣብ ባይታ ግን ዛጊድ ጎንጽን ደብዳባት ነፈርትን ደው ኣይበለን፡
እቲ ጎንጺ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው
እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ዝጸንሐ ሓድሕድ ኲናት፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ምንጪ ሞት፣ ጥምየትን ምፍንቓልን ኮይኑ እዩ፡፡
አብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒት ሓካይም ህይወት ናይ ምድሓን ግቡኦም ክዋጽኡ ከምዘይከኣሉን መዓልቲ ዝሓለፎ መድሓኒት ክጥቀሙ ከምዝተገደዱን ዝገለጸ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ኣዴታት ኣብ ገዛ ክወልዳ ከምዝተገደዳን ሰባት ብሕጽረት መድሓኒት ይጉድኡ ከምዘለዉን ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጸሙ ደብዳባት ነፈርትን ድሮንን ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2022 ካብ ዝኣቱ ናብዚ ኣስታት 108 ሰባት ከምዝተቐተሉን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ይዝከር፡፡
ነዞም መጥቃዕቲታት ኣየር ስዒቡ ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ደው ከምዘበሉ ገሊጾም ነይሮም፡፡
ሓይልታት ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ መንገዲታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይዓጹን ይኸልክልን ከምዘሎ እዮም ዝገልጹ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሓይልታት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝሓልፈሉ ከባቢ ጎንጺ ብምልዓል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክተዓናቐፍ ገይሮም ኢሉ ይኸስስ፡፡
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናብ ትግራይ መሰረታዊ ቀረባት መድሃኒትን ምግብን ንምብጻሕ በረራታት ከቀላጥፍ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ እቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ፍልልያቶም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ናብ ዘተ ሰላም ክመጹ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ተስፋ ከምዝተረኸቦ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ፡፡
እንተኾነ ኣብ መዋሰኒ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ እውን ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ ጎንጺ ሐዚ እውን ቀጺሉ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡