መገሻ ሱዳናዊ ጀነራል ሓምዳን 'ሄመቲ' ዳጋሎ ናብ ኢትዮጵያ እንታይ ትርጉም ይህብ?

ምኽትል ፕረዚደንትን ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሱዳን ሌፍተናንት ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሓመቲ] ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምግያሽ ቀዳማይ ሚንስትር ምስ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ተራኺቡ።

ጀነራል ዳጋሎ ኣብታ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቅልውላው ዘላ ሱዳን ካብ ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ቀጺሉ ቁልፊ ሰብ ኮይኑ፡ ብዘሰለፎ ወተሃደራዊ ሓይሊ’ውን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ወሳኒ ግደ ኣለዎ።

ሓሚቲ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ፡ ብመንጽር እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝሓርፈፈ ፖለቲካዊ ርክብ ክረኣይ ከሎ ሃንደበታዊን ዘይልሙድን’ዩ ነይሩ።

ኣብ ኢድ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ዝነበረን ክልትኤን ሃገራት ብይግባኣኒ ክዘራረባሉ ዝጸንሓን ኣብ ከባቢ ዶባተን ዝርከብ መሬት፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሱዳን ምእታዉ ስዒቡ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ሓርፊፉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣልበሺር ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ነቲ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ ክንፊን ሲቪል ፖለቲከኛታትን ዝተፈጠረ ዘይምስናይን ወጥሪን ንምህዳእ ኢትዮጵያ ዓብዪ እጃም ከምዝነበራ ይዝረብ።

በዚ ምኽንያት ከኣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ካብን ናብን ካርቱም-ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሱ፡ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ብተደጋጋሚ ይዘራረቡ ነይሮም።

ብድሕሪ እቲ ብጉዳይ ዶብ ዘጋጠመ ዘይምስናይ ግን ርክበን ካብ ምዝሕሓሉ ሰጊሩ ንሓድሕደን ክካሰሳ ጸኒሔን’የን።

እዚ ሎሚ ብጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝተኻየደ ምብጻሕ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሱዳን ዝተገበረ ፈላማይ ዑደት እዩ።

ጻንሒት ምስ ቀንዲ ሰበስልጣን

ዳጋሎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስኣተወ ንዝተቐበልዎ ሰበስልጣን ብምርኣይ፡ እቲ ምብጻሕ ብወገን ኢትዮጵያ ኣቕሊልካ ዝተረኣየ ከምዘይነበረ ምግንዛብ ይከኣል።

ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይን ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕነተን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህን ነቲ ጀነራል ከምዝተቐበልዎ ይፍለጥ።

ብድሕሪኡ ከኣ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ከምዝተራኸቡ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሔን ኣለዋ።

እዚ ከኣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ወተሃደራውን ጉዳያት ድሕነትን ዘድሃበ ዝርርብ ከምዘካየዳ የመልክት።

ወኪል ዜና ሱዳን፡ ጀነራል ዳጋሎ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ከምኡ’ውን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝያዳ ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ሓቢሩ።

ሚንስተር ሰራዊት ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ብምሕባር “ተቐራሪብና ክንሰርሕ ከምዝግባእ ኣብ ምርድዳእ በጺሕናለና” ኢሉ።

ምዝሕሓል ወጥሪ

ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዘሎ ዘይምርድዳእ ሓደ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ’ዩ። እቲ ግድብ ኣብ ዝህነጸሉ ዘሎን ምስ ሱዳን ብዶብ ዝራኸብን ክልል ቤኒሻንጉል ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ተደራቢ ጭንቀት ኢትዮጵያ ኮይኑ ይርከብ።

ካብ ሱዳን ዶብ ጥሒሶም ናብቲ ክልል ከምዝኣትዉ ዝዝረበሎም ዕጡቓት መጥቃዕቲ እናፈጸሙ ምኽንያት ሞትን ምፍንቓልን ብዙሓት ነበርቲ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ፡ ዝበዝሕ ክፋል እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ዕማም (‘ኮማንድ ፖስት’) ክጸንሕ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ።

ቅድሚ ሰሙናት ካብ ሱዳን ግዝኣት ብሉናይል ዝመጽኡ ልኡኻት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን ክልል ቤኒሻንጉል ከምዝተዘራረቡሉን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑን ይግለጽ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዝተፈጠረ ምትፍናን ስዒቡ ንአዋርሕ ተዓጽዩ ዝነበረ ዋና መንገዲ ጋላባት-መተማ’ውን ኣብ ቀረባ ከምዝተኸፈተ ይዝከር።

ኣብቲ ሕቶ ይግባኣኒ ዝለዓለሉ መሬት ኣልፋሽቃ ብዝምልከት ግን ዛጊድ ዝተረኣየ ለውጢ የለን።

ሱዳን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ሰራዊታ ብምልኣኽ ነቲ ኣካታዓይ ዝነበረ መሬት ምስተቖጻጸረቶ ወጥሪ ከምዝፈጠረ ይዝከር።

ሰራዊት ሱዳን ብኢትዮጵያውያን ንዝውነኑ ሰፋሕቲ ናይ ሰሊጥ ሕርሻን ዓበይቲ መኽዘናትን ብምቁጽጻር ነቶም ሓረስቶት ክወጽኡ ከምዝገበርዎም ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሰራዊቶም ንሕጋዊ መሬቶም ከምዘምለሰን ድሕሪ ሕዚ ዝቕየር ነገር ከምዘይህልውን ኣፍሊጦም ነይሮም።

ብወገን ክልቲኤን ሃገራት ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ከምዘይብለን’የን ዝገልጻ። ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ብኮሚሽን ዶብ ኣቢሉ ክፍታሕ ክትሓትት ምጽንሓ ይግለጽ።

ሱዳን ብወገን ኢትዮጵያ ዘለዉ ሚሊሻታት ክልተ ጊዜ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ነበርቲ ጉድኣት ከምዘብጽሑ ትኸስስ። ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ከምዝፈጸምዎ ብዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ወተሃደራት ከምዝተቐተልዋ’ውን ሓቢራ’ላ።

ንኽልቲኤን ሃገራት ናብ ዘዳብው ከባቢ ዝኣትዉ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝፍጽሙ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ናይ ጸጥታ ሓይልታቱ ስጉምቱ ከምዝወስዱ ሓቢሩ ነይሩ።

ምምሕያሽ ርክባት

ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ ሚንስተር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ፣ ምስ ኢታማዦር ሹምን ሓላፊ ሕነትን ተራኺቦም ብዛዕባ ዝገበርዎ ዝርርባት ዝተወሃበ ዝርዝራዊ መግለጺ የለን።

እንተኾነ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን ካብ ምዝርራቦም ብተወሳኺ፡ ንኽልቲኤን ሃገራት ናብ ምስሕሓብ ኣብ ዘእትዉ ጉዳያት እውን ከምዝተዘራረቡ ይግመት።

እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቐዑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብድሕሪ ምዝዛሙ፡ ካብ ቀጻሊ ቆላሕታ ሰራዊትን ድሕነትን ኢትዮጵያ እቲ ሓደ ምስ ሱዳን ዘሎ ምስሕሓብ ዶብ ምዃኑ ኣይተርፍን።

ኣብዚ እዋን ሰራዊት ትግራይ ናብ ድሕሪት ምንስሓቡ ስዒቡ ናብ ሰላማዊ ድርድር ንምምጻእ ዝግበሩ ጻዕሪታት ተጠናኺሮም ይቕጽሉ ምህላዎም ይዝረብ።

ነታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ዘላ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብህዝባዊ ተቓውሞታት ተወጢሩ ኣብ ዝርከበሉ እዚ እዋን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብዘተ መዕለቢ ክግበረሉ ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ዘሎ ይመስል።

ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ሓገዝ ክትገብር ዝጠልብ ድልየት ብወገን ሰበስልጣን ሱዳን ክህልው ይኽእል ዝብል ግምት'ውን ኣሎ።

ዑደት ልኡኻት ኣሜሪካ

ነቲ ኣብ ሱዳን ዝጓሃሃር ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ስዒቡ፤ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ከምዝመዘዘት ይፍለጥ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ ጄፍሪ ፌልትማን ተኪኡ ስርሑ ዝጀመረ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ፡ ኣብ ፈላማይ መገሽኡ ናብ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን በጺሑ ነይሩ።

ንሱ ምስ ኣብ ቤት ዕዮ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓጋዚት ጉዳያት ኣፍሪቃ ንዝኾነት ሞሊ ፊ ኣኸቲሉ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ናብ ሱዳን ከይዱ ምስ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ እታ ሃገር ከምዝተዛተየ ይዝረብ። ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ክህልውን መስርሕ ስግግር መንግስትን ብዝምልከት ድማ ተዛራሪቦም።

ብዛዕባ መገሻ እቶም ልኡኻት ዝርዝር መብርሂ’ኳ እንተዘይተወሃበ፡ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን እውን ከምዝዘተዩ ግን ይዝረብ።

ቀጥታዊ ርክብ ይሃለዎ ኣይሃልዎ እንተዘይተፈለጠ’ውን፡ ሌፍተናንት ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ኣካይዱ ዘሎ ግን ብድሕሪ እቲ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝገብርዎ ዑደት’ዩ።