እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ መርገጺ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዘተ ሰላም እንታይ እዩ?
ድሕሪ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝገበሮ ጉዕዞ፡ እቲ ኣስታት 15 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ከብቅዕ ተስፋ ከምዝተረኸቦ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ገሊጹ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ብስልኪ ምስተዘራረበ እዩ "ዝጭበጥ ጻዕርታት" ይግበር ከምዘሎ ምስምዑ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢትዮጵያ ዝምልከት ኣብ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ርኡይ ፍልልያት ከምዘሎን እዚ ድማ መፍትሒ ንምምጻእ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮን ብምግላጽ፡ ሐዚ ግና ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፣ ህወሓት፥ ኦባሳንጆ፣ ኡህሩን ካልኦት መራሕትን ከምዝተዘራረበን ሰላም ናብ ዝወርደሉ "ዕድል" ቀሪብና ኣለና ኢሉ ከምዝኣምንን ገሊጹ።
ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምውጸኦም ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዘራሪቡ ነይሩ።
ዕላማ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ዘተ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ተወካሊ ናይቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ብህወሓት ዝምራሕ "መንግስቲ ክልል ትግራይ" ዝኾነ ኣምባሳደር ፍሳሃ ኣስገዶም "ንሕና ማሕበረሰብ ዓለም ዝበለና ኩሉ ስለዘገበርና፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ እውን ዝተፈላለዩ ምልክታት ይወጹ ስለዘለዉ፡ ምናልባት ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ቅዋምኩም እንታይ ዝተፈለየ ነገር ኣሎ? እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ? ዝብል ሕቶታት ሒዞም መጺኦም። ሕዚ እውን ድሉዋት ብምዃንና፡ ጽቡቕ ዝርርብ ገይሮም ከይዶም" ኢሉ።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ርኡይ ቅሩብነት ከምዘይተርኣየ እዩ ኣምባሳደር ፍሳሃ ዝገልጽ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ነበር ዝርከቡዎም ፖለቲካዊ እሱራት ምፍትሑ ስዒቡ ፡ እታ ሃገር ናብ ዕርቀ ሰላም ክትኣቱ ከምእትኽእል ተስፋ ዝሃበ እኳ እንተኾነ፡ ሐዚ እውን ግን ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዘዋስን ከባቢታትን ምዕራብ ትግራይን ጎንጺ ቀጺሉ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
እዚ ሓድሽ ዓመተ ፈረንጂ 2022 ካብ ዝኣቱ ናብዚ ጥራሕ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣየርን ድሮንን ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ። ይኹን እምበር ንሰላም ዝግበር ጻዕሪ ሐዚ እውን ቀጺሉ ኣሎ።
እቲ ሓድሕድ ኩናት ብዘተ መዕለቢ ክረክብ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት እተካይድ ዘላ ኣመሪካ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ሓላፊት ኣፍሪቃ ሞሊ ፊንን ንኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ተኪኡ ኣብ ቀረባ ግዘ ዝተሾመ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዴቪድ ሳተርፊልድን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለዉ።
ኣብ ቀረባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እውን እቲ ጎንጺ ብቕልጡፍ ደው ክብልን ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍታሕን ከምዝሓተተ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ ነይሩ።
መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ንምዝርራብ እንታይ እዮም ዝደልዩ?
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ዝርከቡዎም ሓይልታት ብፍላይ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጹ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን መገዲታት መጓዓዝያን ክኽፈቱ፣ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ብናጻ ኣካል ክጻረዩ ዝብሉን ካልኦት ቅድመ ኩነታትን ኣቐሚጦም ምንባሮም ይዝከር።
እቲ ኩናት ተጠናኺሩ ክሳብ ዝቐጸለሉ ዝሓለፈ ወርሒ ሓይልታት ትግራይ ንገዚፍ ከባቢታት ኣምሓራን ገለ ክፋል ዓፋርን ተቖጻጺሮም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና ንሰላም ዕድል ንምሃብ ብዝብል ናብ ትግራይ ከምዝተመለሱ ገሊጾም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብሓይሊ ደፊኡ ነቶም ከባቢታት ከምዝተቖጻጸሮም እዩ ዝገልጽ።
ኣብዚ እዋን "መንግስቲ ትግራይ" እቲ ጎንጺ ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ ድሉው ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣምባሳደር ፍሳሃ "ንሕና እንብል ዘለና ሰብኣዊ ሓገዝ ጥራሕ ይፈቐድ እምበር ካልእ ናብ ጠረጴዛ ሒዝና ክንመጽእ ኢና እዩ። ከምቲ ንሕና ኣዊጅናዮ ዘለና ናይ ኣብዪ ኣሕመድ መንግስቲ ብሰላማዊ ፍታሕ ክውደኦ እየ ኢሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንማሕበረሰብ ዓለምን ይንገር" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ንምዝርራብ ድሉው ብዛዕባ ምዃኑ ዝሃቦ ዕላዊ መግለጺ የለን። ኣብ ወርሒ ሕዳር ግና ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ " ሰላም ክወርድ ህወሓት ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ይውጻእ" ኢሉ ነይሩ።
ንሱ፡ ብተወሳኺ ህወሓት ንመንግስቲ ፌደራል ሕጋዊ ኣፍልጦ ክህብን ዝፍጽሞም መጥቃዕቲታት ደው ከብልን ዝብሉ ክልተ ነጥቢታት እውን ኣቐሚጡ ነይሩ።
ናብ ሰላምን ሃገራዊ ዕርቅን ዝወስድ ዘተ ንምክያድ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ስብሓት ነጋን ፕረዘዲደንት ትግራይ ነበር ኣባይ ወልዱን ካብ ህወሓት፣ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ካብ ኦፌኮ፣ እስክንድር ነጋን ስንታየሁ ቸኮልን ካብ ባልደራስን ዝርከቡዎም ፖለቲካዊ እሱራት ክሶም ክቋረጽ ብምግባር ፈቲሕዎም።
ዋላኳ መራሕቲ ትግራይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ሰይሩ ንምእታው ተደጋጋሚ ፈነተ ይገብር ምህላዉ እንተኸሰሱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ከምዘየእቱ ምግላጹ ኣመሪካ ሓዊሱ ብዙሓት ንሰላም ዝሕግዝ ስጉምቲ ከምዝኾነ ብምግላጽ ንኢዶምዎ።
ተወካሊ ህወሓት ኣምባሳደር ፍሳሃ ኣስገዶም ግና ምፍታሕ እሱራት ምስቲ ጉዳይ ከምዘይራኸብን ኩናት እውን እንተኾነ ደው ከምዘይበለን እዩ ዝገልጽ።
"እስረኛታት ክፈትሕ እየ፤ ናብ ሃገራዊ መድረኽ ዕርቀ ሰላም ከምጸኦም እየ' ኢሉ ንፈተውቱን ምዕራባውያንን ክነግር፡ ኣብቲ ዝነገሮም 'ናይ ተጋሩ ኣይነበረን። ዝኾኑ ተጋሩ እውን እንተዘይሃልዮም ማሕበረሰብ ዓለም ሐዚ እውን ብጥርጣረ ክርእየካ እዩ ስለዝበልዎ'፡ ሽዱሽተ ሰባት ብዕድመን ሕማምን፡ ብሰብኣውነት ኣውጺእናዮም ኣለና ኢሉ።"
ካልኦት ሰልፊታት ብዘዕባ እቲ ዘተ ሰላም እንታይ ይብሉ?
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ጎንጺ ፖለቲካዊ መፍትሒ ከምዘድልዮ ብዙሓት ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ምስ ቅትለት ፍሉጥ ሙዚቀኛ ቋንቋ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ዝተልዓለ ህይወት ብዙሓት ዝበለዐ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣባላት ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ዝኾኑ ፖለቲከኛታት በቀለ ገርባን ጃዋር መሓመድን ምስተፈትሑ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ብሰላማዊ ድርድር ክፍታሕ ጸዊዖም እዮም።
ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ሓያሎ ኣሉታዊ ለውጥታት ከምዝተኸሰቱ ብምጥቃስ ድማ፡ እቶም ክስተታት ንደሞክራስያዊ ምስግጋር ዝነበረ ተስፋ ምጽልማቶም ጥራይ ከይኣክል፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኲናት ሓድሕድ ሸሚሞማ ኣለዉ ክብሉ ነቒፎም።
ብኣንጻሩ እቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈተሐ ፕረዚደንት ሰለፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ እስክንድር ነጋ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ምእዛዙ ክነቅፍ ተሰሚዑ።
እቲ ጎንጺ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው
እቲ ካብ ዝጅመር 15 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኩናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብታ ኣብ ዕጽዋ ዘላ ክልል ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ እዩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ረዲኤት ከቋርጾ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።
ብዓርቢ 14 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ወግእ ኣገዳሲ ረዲኤትን መሳለጥያታትን ናብቲ ከባቢታት ከሕልፍ ከምዘይክኣለ ሓቢሩ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ ነይሩ።
ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብወገኑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒት ረድኤት ሕክምና ምሃብ ጠጠው ዝብለሉ ብርኪ ተበጺሑ ከምዘሎን ኣብ ትግራይ ሕሙማት መዓልቱ ዝሓለፎ መድሃኒት ክወስዱ ከምዝተገደዱን ገሊጹ ነይሩ።