እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ቅልውላው ቀረብ መድሃኒት ምህላው ኣፍሊጡ
ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒት ረድኤት ሕክምና ምሃብ ጠጠው ዝብለሉ ብርኪ ተበጺሑ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።
ብሰንኪ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ዘስዓቦ ሕጽረት መድሓኒት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ረድኤት ሕክምና ምግባር ናብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ከምዝተበጽሐ ዝገለጸ እቲ ማሕበር፡ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰባት ብህይወት ናይ ምንባር ዕድሎም "ይምህምን ኣሎ" ኢሉ።
ነቶም ኣዝዮም ንሕማም ዝተቓልዑ ኣብ ምርዳእ ኣትኲሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለጸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዘይምርግጋዕን፡ መድሓኒት ኮነ ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ ስለዘይተኽኣለ፡ "ሰራሕተኛታቱ ረድኤት ክህብሉ ናብ ዘይክእልሉ ዓቕሚ ወሪዶም" ክብል ሓቢሩ።
ኣተሓባባሪ ንጥፈታት ጥዕና ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣፖሎ ባራ፡ "ኣብ ትግራይ ንሓደ ግዜ ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ከም በዓል ጓንትን መሳርሒ መጥባሕትን ሓጺብካ ደጋጊምካ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓደገኛ እዩ" ዝበለት ኮይና፡ ኣብ ገለ እዋን ሓካይም ጨው ከም መሕጸቢ ቍስሊ ዝጥቀምሉ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጻ።
"ሕሙማት መዓልቱ ዝሓለፎ መድሓኒት ይወስዱ ኣለዉ። ናይ ኦክሲጅን መተንፈሲ መሳርሕታት ዳርጋ የለን። ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ማእከላት ሕክምና እቲ መሰረታዊ ክታበት ምሃብ ጠጠው ኣቢለን ኣለዋ" ኢላ።
ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንጥፈታት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝከታተል ሚቻ ዊዲኪንድ ብወገኑ፡ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ገለ ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ተዓጽየን ኣለዋ" ኢሉ።
ኣብ'ቲ ክልል፡ ነፈሰ ጹራት ኣብ ገዘእን ዝሓርሳሉ ኩነታት ከምዘሎ፡ ሕዱር ሕማም ዝነበሮም በብመዓልቱ ሕይወቶም ይስእኑ ከምዘለዉ'ውን ወሲኹ ተዛሪቡ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ትካሉ ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ፡ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ: ሰብሞያ ሕክምና፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰኣን ቀረብ ኣፋውስ ህፃናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ንቢቢሲን ተዛሪቦም ነይሮም።
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶምን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበርዎ ዕፅዋ: ኣፋውስን መሳርሕታት ሕክምናን ክበፅሖም ከምዘይከኣለ እቶም ዶካትር ገሊፆም።
ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ለገሰ ቱሉ ግና ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ የለን ኢሉ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ህወሓት'ዩ" ከምዝበለ ድማ ሮይተርስ ምፅብፃቡ ይዝከር።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ዝቐተለ ደብዳብ ነፈርቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ትካላት ረድኤት ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቋረፁ ምግላፆም ዝዝከር እዩ::
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም መጥቃዕታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ እኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ንዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ክገብር ከምዝጸንሐ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ካብ ዝውላዕ 14 ኣወርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።
ነቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ከካይዱ ምንሖም ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ዛጊድ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣይተኻእለን ዘሎ።
ሕዚ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ብፍላይ መዋስንቲ ክልላት ኣምሓራ: ትግራይን ዓፈርን ውግኣት ይካየድ ምህላዉ ይንገር።
ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።