እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጓል ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ዝጨወየ ሰብኣይ ን18 መዓልታት ኣብ ገዝኡ ዓጽዩዋ ተረኺቡ
ሓደ ኣውስትራልያዊ፡ ክልዮ ስሚዝ ንዝተባሃለት ጓል ኣርባዕተ ዓመት ቀልዓ ጨውዩ ን18 መዓልታት ኣብ ገዝኡ ከምዝዓጸዋ ኣሚኑ።
ክልዮ ምስ ስድራአ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ምዝንናይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ተሰዊራ ጸኒሓ።
ናይታ ቖልዓ ምጥፋእ ህዝባዊ ቁጥዐ ፈጢሩ ዝነበረ ኾይኑ፡ ፖሊስ ገዛ ገዛ ከይተረፈ ሓያል ኣለሻ ከካይድ ቀንዩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ፖሊስ እታ ቖልዓ ካርናርቮን ኣብ ዝተብሃለ መንበሪ እንዳ ሓደ ሰብኣይ ተዓጽያ ረኺብዋ።
ወዲ 36 ዓመት ተረንስ ዳረል ኬሊ፡ ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ዝተኻየደ መጋባእያ ቆልዓ ብምስራቕ ገበነኛ ኾይኑ ተረኺቡ’ሎ።
እንተኾነ፡ እቲ ነዊሕ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ ከምዝወስድ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ጉዳይ እቲ ሰብኣይ ቀልጢፉ ብምእማኑ ክሓጽር ከምዝኸኣለ ጸባጻባት መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር የመልክቱ።
ፖሊስ ኣብ ሕዳር ነታ ቆልዓ ኣብ ገዛ እቲ ውልቀሰብ ምስረኸባ፡ ኬሊ ሽዑ ንሽዑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ።
እታ ቆልዓ ፖሊስ ብዘካየዶ ኣለሻ ኣብቲ ገዛ ተሓቢኣ ኣብ ዝተረኽበትሉ እዋን፡ ክምስ እናበለት ምስ ፖሊስ ክትዘራረብ ትርአ።
ኣባላት ስድራኣ ጸኒሖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ‘ጓልና ስለዝተረኽበት ኣዚና ነመስግን’ ክብሉ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊጾም።