ጉጃራት፡ ክልተ ሻብ ዝተጨውየ ህንዳዊ ህጻን

ኣብ ህንዲ ኣብ እትርከብ ምዕራባዊት ግዝኣት ጉጃራት፡ ብመዓልታዊ ደሞዝ ካብ ዝነባበሩ ሰራሕተኛታት ዝተወልደ ወዲ ክልተ መዓልቲ ህጻን ሓንሳእ ዘይኰነስ ክልተ ሻብ ተጨውዩ ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጉጃራቲ ባሃርጋቫ ፓርከር፡ ስለ ምንታይ ከምኡ ከም ዘጋጠመ ነቲ ዛንታ ኣድልዩዎ ኣሎ።

እታ ውላዳ ኣብ ሓደ ወርሒ ክልተ ሳዕ ዝተሰርቃ ኣብ ከተማ ጉጃራት እትነብር ጓል 25 ዓመት ሜና ዋዲ ዝስማ ኣደ፡ "ንወደይ ካብዛ ዓይነይ ኣይክውሎን እየ" ትብል።

ስቓይ ሜና፡ ኣብ ሆስፒታል ቖልዓ ተገላጊላ ብሓደ ሚያዝያ ምስ ውላዳ ንገዝኣ ምስ ተመልሰት እዩ ዝጅምር።

ኣብቲ ዝሓረሰትሉ ሆስፒታል እትሰርሕ ነርስ ምዃና ዝገለጸት ሓንቲ ሰበይቲ ንገዛኣ መጺኣ ውላዳ ኣገዳሲ ክታበት ስለዘድልዮ ተተሓሒዘን ንሆስፒታል ክኸዳ ሓተተታ።

ሜና ከኣ ብገርሃ "ሕራይ" ኢላ ውላዳ ከተኽትብ ምስታ ነርስ ምዃና ዝነገረታ ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል ከደት።

ኣብቲ ሆስፒታል ምስ በጽሓ "በሊ ኣብዚ ጽንሒ ኣስኢለዮ ክምለስ እየ" ኢላ ነታ ኣደ ኮፍ ኣቢላታ ከደት።

ከምቲ ዝበለቶ ግን ቀልጢፋ ኣይተመልሰትን።

እታ ነርስ ምስ ደንጎየት ሜና ተረቢሻ ክትሓታትት ጀሚራ።

ደሃይ ወዳ ምስ ሰኣነት ከኣ ተጠሊዓ አእውያ። ሽዑ እቶም ሓለውቲ ጸጥታ እንታይ ከም ዝኾነት ሓቲቶምዋ።

እቲ ዘጋጠማ ነጊራቶም - ሽዑ ንፖሊስ ተደዊሉሎም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ዕቤትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ህንዲ ልዕሊ 43,000 ቖልዑ ተጨውዮም ተሰሪቖም ጠፊኦም።

ኣብታ ሜና እንተንበረላ ጉጃራት ከኣ ዓመታዊ ኣስታት 3,500 ህጻናት ከም ዝጠፍኡ ሰነዳት ይሕብሩ።

ተሓለቕቲ መሰላት ህጻናት፡ ብዙሓት ድኻታት ስድራ ቤታት ናብ ፖሊስ ስለ ዘየመልክቱ እቲ ቑጽሪ ናይ ዝጠፍኡ ህጻናት ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።

ሜናን በዓል ቤታ ካኑን ግን ጉዳዮም ቀልጢፎም እዮም ንፖሊስ ሓቢሮም።

ምድላይ እቲ ዝተጨውየ ህጻን

"ሜና ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ዋላ ሓንቲ ትፈልጦ ነገር ኣይነበራን። ስማ ኣይትፈልጥ እንታይ ከም እትመስል እውን ክትገልጻ ኣይከኣለትን" ይብል ነቲ ጉዳይ መርመራ ዝመርሐ ኢንስፔክተር ፖሊስ ኤችፓይ ዛላ።

ስለዚ ኢንስፔክተር ዛላን ጋንታኡን መጽናዕቶም ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝነበረ ሲሲቲቪ ካሜራ እዮም ጀሚሮም።

ኣብቲ ዝተመዝገበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ሓንቲ ኣብ ጀለብያኣ ቖልዓ ዝሓብአት እትመስል ሰበይቲ ካብቲ ቀንዲ ቀጽሪ ክትወጽእ እንከላ ርእዮም ተኸታቲሎምዋ።

ንኣስታት 500 ዝዀኑ መራሕቲ ኣናእሽቱ ሰባት ዘጓዓዕዛ ማካይን ሓታቲቶም ንዝረኸቡዎ ሓበሬታ ከላግብዎ ጽዒሮም።

ኣብ መወዳእታ እታ ቖልዓ ዝሓዘት እትመስል ሰበይቲ ኣብ ራክሻ (ሰለስተ እግራ ንእሽቶ ታክሲ) ተሰቒላ ናብ ሓደ ዓዲ ከም ዝኸደትን ቖልዓ ከም ዝነበራን ፈሊጦም፤ ናብቲ ከይዳቶ ዝተባህለ ዓዲ ከኣ ስዒቦምዋ።

ኣብቲ እታ ሰበይቲ ተራእያትሉ ዝተባህለ ዓዲ ዝርከብ ናይ ፖሊስ ሲሲቲቪ ፈቲሾም።

ንእግረ መገዶም ንሰብ ዱኳናት እናሓተቱ ብእግሪ ካብ ቚሸት ናብ ቊሸት ምስ ፈታተሹ ሓደ ቅያር ክዳንን ኣድራሻ ዘለዎ መንነትን ረኺቦም።

ተስፋ ስለ ዝረኸቡ ናብቲ ኣብ ወረቐት መንነት ዝረኸቡዎ ኣድራሻ ምስ ከዱ ሓንቲ ኣደ ቖልዓ ረኸቡ፤ እቲ ቆልዓ ግን ናይ ሜና ኣይነበረን።

ኣብ ህንዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸሞንተ ደቒቕ ሓደ ቘልዓ ይጠፍእ።

እንተኾነ እታ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ክዳውንታን መንነታን ሰሪቑ ምስ ካልእ ሰበይቲ ከም ዝኾብለለን እቲ ምሳኣ ዝነበረ ቖልዓ ከኣ ንካልእ ሰብ ተመርዕያ ከም ዝወለደቶ ሓቢራቶም።

ፖሊስ፡ ነቲ መንነተይ ሰሪቑ ኮብሊሉ ዝበልዎ በዓል ቤታ ክረኽቡ ተፍትሽ ጀሚሮም።

ኣብ መወዳእታ ንዑኡን ነታ ቖልዓ ሜና ዝሰረቐት ሰበይትን ረኺቦምዎም። ናይ ዲኤንኤ መርመራ ምስ ተኻየደ ከኣ እቲ ህጻን ናይ ሜና ምዃኑ ተረጋጊጹ።

እቶም ሰብ ሓዳር ብስርቂ ህጻን ተኣሲሮም፤ እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሑ ብዋሕስ ተፈቲሖም።

እታ ሰበይቲ ንቘልዓ ሜና ጨውያ ንሰብኣያ ቖልዓ ከም ዝወለደትሉ ብሓሶት ኽትእምኖ ፈቲና ተባሂላ ተኸሲሳ።

እቲ ሰብኣይ ግን ብዛዕብኡ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይፈለጠን ነቲ ህጻን ውላዱ ከም ዝመሰሎን ንፖሊስ ሓቢሩ።

እታ ሰበይቲ ከኣ ምውት ቖልዓ ምስ ወለደት ንበዓል ቤታ ከተእምን ብምድላይ ነቲ ቖልዓ ከም ዝሰረቐቶን ንክዳውንቲ ቀዳመይቲ ሰበይቱን መንነታን ወሲዳ ኣብ ሓደ ዑና ከም ዝደርበየቶን ሓቢራ።

ደፓክ ቪያስ ዝተባህለ ፖሊስ፡ እቲ ዛንታ ኣብ ህንዲ ዘይንቡር ኣይኮነን ይብል።

ሓደ ሓደ ስድራ-ቤት ኣወዳት ጥራሕ ክወልዱ ስለ ዝደልዩ በቲ ጸቕጢ ዝተደረኻ ኣንስቲ ንሰብኡተን ከሐጉዳ ካብ ድኻታት ስድራ ቤታት ቈልዑ ከም ዝጨውዩን ከም ዝገዝኡን ይሕብር።

ካልኣይ ናይ ጭውያ ፈተነ

ሜናን ካኑን ቘልዓኦም ተመሊሱሎም ሕጉስ ህይወት ጀሚሮም፤ ግንከ ሓጐሶም ነዊሕ ኣይጸንሐን ።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ ናይቲ ፍጻሜ ብ9 ሰነ፡ እንደገና ንኻልኣይ ግዜ ይጠፍእ። ሜና ንውላዳ ኣብ ትሕቲ ኦም ኣደቂሳ ገለ ነገር ክትኣራሪ ፍንትት ምስ በለት ኣብ ዝገደፈቶ ኣይጸንሓን።

ንሳን ሰብኣያን ተቐላጢፎም ናብ መደበር ፖሊስ ከይዶም ምስ ኣመልከቱ እቶም ፖሊስ ተገሪሞም።

ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ናይ ሲሲቲቪ ስእልታት ምስ ፈታተሹ ከኣ፡ እቲ ቖልዓ ጠፊኡዎ ኣብ ዝተባህለ ከባብን እዋንን ሓደ ሰብ ኣብ ድሕሪ ብሽክለታ ቘልዓ ኣብ ዝጸዓነ ጥርጡር ወደቑ።

ፖሊስ ናብቲ ዝጠርጠሩዎ ሰብ ምስ ከዱ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብታ ዕለት ዓርኩ እምበር ንሱ ኣብታ ብሽክለታ ከም ዘይነበረ ሓበሮም።

ናብቲ ዝነበረሉ ዝነበረ ራጃስታን ዝተባህለ ቦታ ከይዶም ነታ ገዛ ከቢቦም ምስ ፈተሹዎ እቲ ቘልዓ ኣብኡ ጸኒሑዎም።

ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ውላድ ስለ ዘይነበሮም ነቲ ቘልዓ ከም ዝጨወዩዎ ተዛሪቦም ክሳብ ሕጂ ከኣ ተኣሲሮም ኣለው።

እቲ ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ ሜና ኣብ ህንጻ ይዓዪ ነይሮም። ዓርኩ ቘልዓ ምስ ወለደ ሓደ መዓልቲ ንክሰርቆ ውዲት ኣለመ።

ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከኣ ሜና እንደገና ምስ ወዳ ዳግማይ ተራኸበት።

ብድሕሪኡ እቶም ፖሊስ ህላዌ እቲ ህጻን ንምርግጋጽ ህያባት ሒዞም ኣዘውቲሮም ናብታ ስድራ ይኸዱ ኣለዉ።

"ፖሊስ ንውላድና ካባና ንላዕሊ ኣፍቂሮምዎ ኣለው" ትብል ሜና።

"ሕጂ ግን ንወደይ ካብዛ ቅድሚ ዓይነይ ክፈልዮ ኣይደልን እየ" ብምባል ፖሊስ ንዝገበሩዎ ጻዕርን ተገዳስነትን ተድንቕ።