እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ፡ ብርሃን ዓይኑ ዝተመለሰሉ ህጻን
ነባሪ ከተማ መቐለ ዝኾነ አቡበክር ውሃውብረቱ ወለዱ ስለ ዝተፋትሑ ምስ ኣዲኡ'ዩ ዓብዩ። እዚ ንስድርኡ ናይ መጀመርታ ዝኾነ ህጻን፡ ገና ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ'ዩ ዓይኑ ክሓምም ጀሚሩ።
ናይ ዓይኒ አለርጂ ስለ ዘጋጠሞ፡ ብተደጋጋሚ ዓይኑ ይሓሲ ነይሩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ይኹን መጻወቲ ቦታ እንትምለስ፡ ዓይኑ ደም ይኽደን።
ናይዚ ቖልዓ ሕማም ግን ነዲኡ'ውን ቓንዛ፤ ጭንቂ'ዩ ነይሩ። "ኣደይ ኩል ግዘ ዓይና ንብዓት ይቛጽር፣ ትበኪ ነይራ። ኣብ ክንዳኻስ ንዓይ ምኾነ፡ ትብለኒ ነይራ" ይብል ኣቡበከር።
ኣዲኡ፡ ንወዳ ሕክምና ክትረክብ ዘይኣተወቶ ትካል ጥዕና ከም ዘይነበረ ዝዛረብ ኣቡበከር፡ ካብ መዐገሲ ቓንዛን 'እናዓበኻ ምስ ከድካ ክሓድገካ'ዩ' ዝብል ማዕዳ ሓካይምን ብዝሰገረ፡ ዘላቒ ፍታሕ ከም ዘይረኸበት ይዝክር።
በቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ሕክምናዊ ረድኤት፡ ቓንዛ ዓይኑ ዝግ ኣብ ዝብለሉ እናተምሃረ፡ ክብርትዖ እንከሎ ድማ እናቋረጸ 12 ክፍሊ በጺሑ።
ተምሃራይ 10ይ ክፍሊ ምስ ኮነ ግን፡ ዓይኑ ኣዝዩ ከጸግሞ ጀሚሩ፤ 12 ክፍሊ ምስ በጸሐ ድማ ብሰንኪ ሕማም ዓይኑ ትምህርቱ ከቋርጽ ተገዲዱ።
ቀስ እናበለ ድማ፡ ናይታ ሓንቲ ዓይኑ ምርኣይ ሙሉእ ንሙሉእ ጠፊኡ።
"ፈጣሪ፡ ዝሃበና ጸጋ ኩሉ ካብ ብርሃን ዓይኒ ዝበልጽ የለን። ምርኣይ ዓብዪ ነገር ምኻኑ'የ ተረዲአ" ይብል ብርሃን ዓይኑ ዝሰኣነሉ ኣጋጣሚ እንትዝክር።
"ምሸት ኣቐንዚዩኒ ሓስየዮ ደቂሰ። ንጉሆ ክትስእ ከለኹ ግን እታ ሓንቲ ዓይነይ ክትርኢ ኣይከኣለትን። ሽዕኡ ኣእውየ...ስድራይ ሰንቢዶም...ኣነ'ውን ፈሪሐ ፈር ፈር ኢለ" ክብል'ዩ ነታ ኹሉ ነገር ኣጸልሚታ ዘርኣየቶ መዓልቲ ዝገልጻ።
በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሕክምና ምስ ኸደ ግን፡ ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ስድራ ዝኾነ ነገር'ዩ ተነጊሩዎም፤ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገር ክኸይድ ከም ዘለዎ ተሓቢሩዎም።
ንጽባሓይቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ዳግማዊ ሚኒሊክ ምስ ወሰዱዎ ግን፡ ምስግጋር ብሌን ዓይኒ ከም ዝግበረሉ ተነጊሩዎ።
ኣቡበከር፡ እዚ ምስግጋር ብሌን ዓይኒ፡ ካብ ዝሞቱ ሰባት ከም ዝርከብ እንትሰምዕ ድማ ዚያዳ ሰንቢዱ፤ ሓቂ ኣይመሰሎን።
"ብርሃን ዓይነይ ስኢነ ከመይ ገይረ እምቢ ክብል ኢለ'የ እቲ ዝነበረ ኣማራጺ ፈቲነዮ"። ኣቡበከር፡ ካብ ዝሞተ ሰብ ብዝተረኸበ ብሌን ዓይኒ፡ ዳግም ምርኣይ ምኽኣሉ ኣገሪምዎ'ዩ።
"ስድራ እቶም ለገስቲ ኣይፈልጦምን፤ ግን ድማ ንሰብ ዝሓልዩ ጽቡቓት ሰባት ከም ዝኾኑ'የ ዝሓስብ"።
አቡበክር፡ መሓዙቱ "እቲ ዝለገሰልኻ ሰብ ዝርእዮ ዝነበረ ኢኻ እኮ እትርኢ" እናበሉ ከም ዘባጭውሉ እናሰሓቐ ይዛረብ።
ሕልፍ ኢሉ ድማ፡ ብናይ ወዲ ተባዕታይ ወይስ ብናይ ጓል ኣንስተይቲ ብሌን ዓይኒ ኢኻ ትርኢ? እናበሉ ከም ዝሓቱዎ ኣይሓብአን።
አቡበክር፡ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ብርሃኑ ዓይኑ ዝተመለሰሉ ኾይኑ፡ እታ ኻልአይቲ ዓይኑ ሕክምና ንምርካብ ይጽበ ኣሎ።
ተማሂሩ፡ ከምኡ ዝተጸገሙ ሰባት ንክሕግዝ ዶክተር ክኸውን ድማ ደሌቱ እዩ።
ምስግጋር ብሌን ዓይኒ
ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ኣብ ብሌን ዓይኒ ዝፍጠር በሰላ ንዕውረት የቃልዕ። ብተፈጥሮ፣ ብሓደጋ ወይ ኻልእ፡ ዓይኒ ክሓምም ይኽእል። እዚ ብደረጃ ዓለም፡ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም ዓይኒ ይበሃል።
በሰላ ብሌን ዓይኒ ምኻኑ ምስ ተረጋገጸ፡ ብንጹህ ብሌን ዓይኒ ክቕየርን ምስግጋር ብሌን ዓይኒ ክግበር ከም ዝክኣልን ኣካያዲት ስራሕ ባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ለምለም ኣየለ ተረድእ።
እዚ ሕክምና ንምርካብ ናይ ዕድመ ገደብ ከም ዘይብሉ ዝገለጸት ወይዘሮ ለምለም፡ ንህጻናት ልዑል ጥንቃቐ ከም ዝሓትንን ትጽቢት'ውን ከም ዘለዎም ትዛረብ።
እቲ ባንኪ፡ ሰባት ብህይወት እናሃለው ብሌን ዓይኖም ንክልግሱ ቃል የእትዎም። ምስ ሞቱ ድማ ምስ ስድራ መወትቲ ብምዝርራብ፡ እቲ ብሌን ዓይኒ ይለዓል።
ሓደ ሰብ ምሟቱ ምስ ተረጋገጸ፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ሰዓታት ብሌን ዓይኒ ተላዒሉ ነቲ ቤት ጽሕፈት ይወሃብ። ብድሕሪ እዚ፡ ጽሩይ ምኻኑ ተረጋጊጹ፡ እቲ ብሌን ዓይኒ ን14 መዓልታት ጥራሕ'ዩ ዝቕመጥ። ልዕሊኡ እንተጸኒሑ፡ ኣገልግሎት ክህብ ኣይኽእልን።
እዚ ከይዲ ዝሓለፈ ብሌን ዓይኒ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዳግማዊ ሚኒሊክን ቅዱስ ጳውሎስን፣ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር፣ መቐለ ሆስፒታል ኲሓ፣ ዩኒቨርሲቲ ሀዋሳን ጅማን፡ ተዳልዩ ይቕመጥ።
ክሳብ 2018፡ 2112 ኢትዮጵያውያን ብሌን ዓይኒ ከም ዝተሰጋገረሎም ሓበሬታ እቲ ባንኪ የመልክት። ካብቶም ዝልገሱ ብሌን ዓይኒ ግን 80 ሚኢታዊት ዝኾኑ እዮም ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ። ዝተረፈ 20 ሚኢታዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ይኸውን።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ናብ ሰለስተ ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት ብሌን ዓይኖም ለጊሶም።