እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰላም ብሌን ዓይኒ እያ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2030 ኣብ መላእ ዓለም ከዐዉቶም ካብ ዝመደቦም ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት፡ "ሰላም፣ ፍትሕን ድልዱል ትካላትን" ዝብል መልእኽቲ ሰላም ይርከቦም።
ነዚ ዓንዲ ሑቐ ዝኾኑ ማሕበረ ቑጠባዊ ምዕባለታት ክምዝገቡ፣ መሰላት ድማ ክኽበሩ ምግባር ድማ፡ ዕዮ መንግስታት እተን ሃገራት ክኸዉን ከምዘለዎ ኣሚሙ።
ሰላም፡ ንህዝብታት ዓለም ዘለዎ ዋጋን ትርጉምን ንዘይምዝንጋዕ ድማ፡ እቲ ዉድብ ዓመታዊ 21 መስከረም፡ "ዓለማዊ መዓልቲ ሰላም" ተባሂሉ ክኽበር ወሲኑ።
ይኹን'ምበር፡ እዚ መባእታዊ ኣምር ህልዉናን ዘላቒ ምዕባለን ዝኾነ ሰላም፡ ብዝተፈላለዩ ማሕበረ ቑጠባዊ፣ ፖለቲካዉን ተፈጥሮኣዉን ጸገማት ስለዝጽሎ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤሽያን ካልኦትን ብዙሓት ይመዛበሉ፤ ንህይወትካ ኣስጋኢ ብዝኾነ ጉዕዞ ድማ ይሞቱ ኣለዉ።
"ሰላም ብመሰረቱ ዕረፍቲ'ዩ"
"ሰላም መባእታዊ ኣምር ርዉየት፣ ጥዕናን ቅሳነትን'ዩ" ዝብሉ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝመጽእ ዘሎ ለዉጢ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታት ግና ነቲ ሰላማዊ ዝበሃል ዝነበረ ኩነት ክጸልዉዎ ከምዝጅምሩ ይዛረቡ።
"ብመሰረቱ፡ ሕዚ ዘሎ ሰላም ምስቲ ናይ 19 ክፍለ ዘመን ክወዳደር ከሎ ብሕልፊ ኣብቲ ምዕራብ ሰላም ኣሎ ምባል ይከኣል። ኮይኑ ግና፡ ሕዚ ብዝርአ ዘሎ ቅልዉላዉ ስደተኛታት ንምምካት ዝመጽእ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ጽልዋ፡ እቲ ንነዊሕ ግዘ ዝነበረ ሰላም ብሓላፍነት ንዝመርሑ ዝነበሩ ሰልፍታት ኣዳኺሙ ሓደ 'ፖፕሊስት' ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣምጺኡ ኣሎ" ይብሉ።
እዚ፡ ኣብ ሃገራት ኤዉሮጳ ከይተረፈ ስግኣትን ዘይቅሳነትን፣ ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባት ድማ ዘይምቅድዳው ይፍጠር ኣሎ'ዮም ዝብሉ ፕሮፌሰር ጋይም።
ሰላም፡ ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብና ሃይማኖታዉን ባህላዉን ክብርን መሰረትን ኣለዎ።
ካብዚ ተበጊሶም፡ ዉሽጣዊ ወይ ስነ ልቦናዊ ቅሳነት፡ ነቲ ብሰፊሑ ክህነጽ ዝብሃግ ዓለማዊ ሰላም መሰረት ከምዝኾነ ድማ ይገልጹ መጋቤ ሃይላት መምህር ታምራት ሃይለ።
"ሰላም ብመሰረቱ ዕረፍቲ ማለት'ዩ። ኣብ ዉሽጡ ፍቕሪ፣ ስምምዕ ኣሎ። ሰላም እንተዘይሃልዩ ምእታውን ምውጻእን፡ ከም ልብኻ ምንባር ዝብሃል ነገር የለን" ይብሉ።
ኩሉ ነገር ኣብ ሰላም'ዩ ዘሎ ብምባል ዝገልጹ መምህር ታምራት፡ እዛ ዓለም ኣይኮነን እንዶ ዝተፈላለየ ድሌታት፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ታሪኽን ካልእን ዘለዎም ዝነብሩ ህዝብታት ዓለም፡ እንስሳት'ዉን ሰላም ይደልያ እየን ኢሎም።
"ሰላም፡ ካብ ዉልቀኻ'ዩ ዝጅመር። ሓደ ሰብ ሰላም እንተኾይኑ'ዩ ከባቢኡ፣ ስድርኡን ማሕበረሰቡን ሰላም ክኸዉን ዝኽእል"።
ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ
ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፣ ፖለቲካ ቀቢላት (ቀቢላዊ ፖለቲካ)፣ ንሕንሕ ሓያላት ሃገራት ዝፈጥሮ ጽዕንቶ፣ ጉጅለታት ራዕዲ ዝፍጽሙዎም ገበናት መጭወይትን ምስያፍን፣ ቑጠባዊ ቅልዉላው፣ ግዕዝይናን ካልኦትን፡ ሰላም ኣብ ምዝራግ ልዑል ግደ ኣለዎም።
ኣብ ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዝፈጠርኦ ፖለቲካ ኣብ "ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት" ዝጸንሓ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ና ታሪኸን ይሕድሳ ኣለዋ።
ድልዉነት ምፍጣር ሰላም እዘን ሃገራት፡ ካብቲ፡ ንሰላማዊ ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ሃገርን ብሃንቀዉታ ዘመዓዱ ዝነበረ ህዝበን ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርአ ጎንጽን ስደትን ዝልዉጥ ፖለቲካዊ ዉህደት ክፍጥራ ተስፋ ተነቢሩለን ኣሎ።
ልዕሊ ዝኾነ ድማ፡ ዜጋታተን ዝሓሸ ዕድል ፈጢረን ክርእዩ ልዑል ሃንቀዉታ ኣለዎም።
መጋቤ ሃይላት መምህር ታምራት ሃይለ፡ "ህዝቢ እዘን ሃገራት ናይ ልቡ ክመልኣሉ ዝገበረ እግዝኣብሄር ክምስገን ኣለዎ" ብምባል፡ "እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም፡ ብዙሓት ተፈላልዮም፣ ደቆም በቲኖም ዝኸዱ፣ ገዝኦም ዝተዓጸወ ክተሓዋሱ ብምግባር ጸልሚቱ ዝነበረ ኣብሪሁ ኣሎ" ኢሎም።
"ንዓመታት ተፈላልዮም ዝነበሩ እናነብዑ ክተሓዋወሱ ርኢይና። እዚ ካበይ መጺኡ? ካብ ሰላም! እዚ ኣብ ዘይነበረሉ ግዘ ግና ምብትታን ነይሩ። ስለዝኾነ ኣብ ሰላም ዓብዪ ነገር ኣሎ"።
ሮሆቦት ሰላም ምስ ምኽባር መሰል፣ ክብሪ ደቂ ሰባት፣ ምምሕዳርን ምስማዕ ድምጺ ህዝብን ብምዝማድ ዘብርሁ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ድማ፡ ከም መበገሲ እቲ ዝርአ ዘሎ ለዉጢ መርሓባ ኢልና ክንቕበሎ ይግባእ ይብሉ።
"እቲ መጺኡ ዘሎ ለዉጢ ገና ዕሸል'ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ለዉጢ መጺኡ፡ ግና ቅሳነት ይርአ የለን። ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ክትጎብጠና ትኽእል'ያ ዝብል ዝነበረ ስግኣት ተኣልዩኣሎ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ግና ዝኾነ ዓይነት ለዉጢ የለን። ጌና ኣብ ግብሪ ክረኣዩ እንጽበዮም ብዙሓት ለዉጢታት ኣለዉ" ይብሉ።
ካልእ፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዝግበሩ ዘለዉ ስምምዓት ምትእትታዉ ናይ ደገ ሓይልታት ዝርኣዮ ዘሎ ብምዃኑ፡ እምበርከ እቲ ተበግሶ ሰላም ነባሪ ድዩ? ኢሎም ዝሓቱ ብዙሓት'ዮም።
መንግስታት እዘን ሃገራት ብዛዕባ ዝፈረሙዎም ስምምዓት ዝወሃብ መግለጺ፡ ኣብቲ ሓደ ክንድቲ ዝድለ ዘይምዃኑ፡ ኣብቲ ካልእ ድማ ፈጺሙ ዘይግለጽ ብምዃኑ ስግኣትን ጥርጣረን ይፈጥር ኣሎ።
"ኣብ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እቶም ዝግበሩ ዘለዉ ስምምዓት እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ኣመት'ዉን የብሉን። ኮይኑ ግና፡ እቲ ዝግበር ዉዕላት እንተድኣ ተኻኢሉ ቅድሚ ምፍራሙ ህዝቢ ክካትዐሉ ክዛተየሉ እንተዝኽእል፡ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ምስተፈረመ ህዝቢ ክግለጸሉ ኣለዎ፡ ሕቶታት እንተድኣሃልዩዎ ንክሓትት፣ ንክቃወም ንክድግፍ መሰል ክወሃቦ ኣለዎ" ይብሉ ፕሮፌሰር ጋይም።
"እዚ ሆሆ ኢልካ ምጉዓዝ ኣይጠቐመነናን፡ ብዙሕ ህይወት ኣጥፊኡ፡ ንድሕሪት መሊሱና'ዩ። ቀስ ኢልካ፣ ርግእ ኢልካ፡ ተማኺርካ፡ ተኻቲዕኻ እትወስዶ ስጉምቲ'ዩ ነቲ ሰላም ነባሪ ዝገብሮ" ብምባል ድማ ትኹረትን ህድኣትን ክዉሕድ ከምዘይብሉ የስምርሉ።
ሰላም ንምኽባር መሰላት
እቲ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንዘላቕነቱ ልዑል ጥንቃቐ ከምዘድልዮ ብዙሓት ይዛረቡ።
'መሰል ዜጋታት ምኽባር' ምክእኣል ድማ ኣካል እቲ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንልኡኽ ሰላም ንምፍጻም ኣቓልቦ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ ዘቐመጦ ጉዳይ'ዩ።
"መሰል ዜጋታትኻ ምኽባር እንተዘይኽኢልካ፡ እቲ ዜጋኸ ኣብ ሰላም ክነብር ኣይኽእልን" በሃሊ'ዮም ፕሮፌሰር ጋይም።
ሰኣኖ ሰላም፡ ግርጭትን ዉግእን ብምህላዎም ጥራሕ ዝምዘን ከምዘይኾነ፡ ብዙሓት ይሰማምዑ። ፕሮፌሰር ጋይም'ዉን ነዚ'ዮም ዘስምርሉ።
"እዚኣ ተዛሪበስ ካብ ስርሐይ'ዶ ይስጎግ፤ ክእሰር ድየ? ዝብል ስግኣት እንተድኣሃልዩ፡ ተኣሲርካ'ዉን ናብ ፍርዲ እንተዘይቐሪብካ፡ ዉሽጥኻ ኣብ ቅልዉላው እዩ ዘሎ ማለት'ዩ"።
መጋቤ ሃይላት መምህር ታምራት ሃይለ'ዉን፡ ሓደ ሰብ ዉሽጣዊ ቅሳነት ክህለዎ ከምዝግባእ ብምግላጽ፡ "ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዝተረኸበት፡ ሰላም እንተምሊጣ ከይዳ'ያ። ስለዝኾነ፡ ዝረኸብናዮ ሰላም 'ከም ዓይኒ ብሌን' ክንሕለዎ ይግባእ" ኢሎም።