እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ መጥባሕቲ ክግበረለን እንከሎ ናይ ምሟት ዕድለን ይውስኽ፡ ንምንታይ?
ብደቂ ተባዕትዮ መጥባሕቲ ዝግበረለን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምሟት ዕድለን ብ 32% ክብ ከምዝብል ሓደ መጽናዕቲ የመላኽት፤ ግና ንምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን?
እቲ መጽናዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ መጥባሕቲ እንተኣካዪደን ንኻልእ ሕማማት ናይ ምቅላዕን ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ተመሊሰን ናብ ሆስፒታል ናይ ምእታው ተኽእሎ ሰፊሕ ምዃኑ'ውን ይነግር።
‘ጃማ ሰርጀሪ’ ኣብ ዝተባሃለ ናይ ሕክምና መጽሄት ንዝወጽአ እቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ክሪስቶፈር ዋሊስ ናይዚ ምኽንያት እንታይ ከም ዝኾነ ርግጸኛ ኣይኮነን።
ነዚ ሕቶ ርጉጽ ዝኾነ ምላሽ እኳ እንተዘይረኸበ እቲ ዶክተርን መሳርሕቱን መጽናዕቶም ይቕጽል ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሕና’ውን ናይዚ ሕቶታት ምላሽ እንተረኸብና ናብ ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት መጥባሕቲ ኣምሪሕና ኔርና። ዝረኸብናዮ ምላሽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ስቓየን ምርዳእ
እቲ መጽናዕቲ ካብ 2007 ክሳዕ 2017 ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ኦንታርዮ ካናዳ ኣብ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ተሓከምቲ እዩ ተኻዪዱ።
ኣብ መንጎ ሓኪምን ተሓከምትን ኣብ ዘሎ ናይ ጾታ ፍልልይ ዝተኻየደ ናይ ፈለማ መጽናዕቲ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
ሓንቲ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ናይ መጥባሕቲ ክኢላ፡ ስቓይ እተን ተሓከምቲ ኣብ ምርዳእ ፍልልይ ከምዘሎ ትገልጽ። እዚ ማለት ደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ደቂ ኣንስትዮ ዝስምዐን ስቓይ ከይርድኡ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ።
ቦስተን ኣብ ዝርከብ ተፍትስ ናይ ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዩሮሎጂስት ዝኾነት ዶክተር ኦኒካ ዊልያምስ በዚ ትሰማማዕ።
“ኣነ ከምዝመስለኒ ደቂ ተባዕትዮ ቅርታታት ደቂ ኣንስትዮ ሸለል ይብሉ እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ተጠንቂቐን ስለዝሓስባ ድሕሪ መጥባሕቲ ዘቕርብኦ ብዛዕባ ቅርታታት ኣይግደሱን እዮም። ነቲ ሻቕሎተን ብዋዛ እዮም ዝሓልፍዎ፤ ስቓየን ሰማዒ ይስእን፤ ሕማመን ይርሳዕ” ትብል ዶክተር ኦኒካ።
ኣብ ኒውዮርክ ኖርዝዌል ዩኒቨርስቲ ክኢላ መጥባሕቲ መትንታት ደም (ቫስኩላር) ዝኾነት ዶክተር ጄኔፈር ስቫን’ውን ነዚ ተረጋግጽ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ እቲ ናይ ሞት ተኽእሎአን ዝውስኽ ደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ንስቓይን ቃንዛን ደቂ ኣንስትዮ ተሓከምቲ ኣነኣኢሶም ስለዝርእዩ እዩ።
ንሓኪም ዘሎ ኣረኣእያ
ዶክተር ናንሲ ባክስተር፡ ኣብ ሆስፒታል ኮሌጅ ቅዱስ ሚኪኤል ቶሮንቶ ክኢላ መጥባሕቲ መዓናጡ (ኮሎሬክታል) እያ።
ንሳ “በዙሓት ሰባት ነቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝስምዐን ስቓይ ካብቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብዝለዓለ ሸለል ናይ ምባል ተርእዮ ኣሎ” ትብል። ግና ካልኦት ምክንያታት’ውን ኣብ ግምት ክኣትው ከምዝግባእ ተዘኻኽር።
“ተሓካሚ ምስ እትርእዪ ከም ክኢላ መጥባሕቲ እንታይ ክትገብሪ የድልየኪ? ናብ ናይ መጥባሕቲ ክፍሊ ንመን ኢኺ ሒዝኪ ክትኣትዊ? ጾታ ናይቶም ናብቲ ክፍሊ ዝኣትው ሓካይም ፍልልይ ከምጽእ ይኽእል እዩ” ትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ።
ንሳ ንሓደ መጥቃዕቲ ብምጥቃስ ክተረድእ ከላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ሓካይም ካብ ደቂተባዕትዮ ሓካይም ብዝለዓለ ህይወት ብዙሓት ተሓከምቲ ከምዘድሓና ትገልጽ።
እንተኾነ ግና ናብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክኢላታት መጥባሕቲ ዘሎ ኣረኣእያ’ውን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ ትብል።
“ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ዕውት ውጽኢት እንተዘየምጺአን ብዙሕ’የን ዝውቀሳ። ንመጥባሕቲ’ውን ከይምረጻ ይኽእላ እየን።
“ደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ግና እንተዘይተሳኽዓሎም’ውን እቲ ውጽኢት ምስ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ ዝተሓሓዝ” ትብል።
ምርድዳእ
ካልእ ከም ምኽንያት ክጥቀስ ዝግብኦ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም “ዝለዓለ ስምዒታውነት፣ ድንጋጸን ምስ ተሓከምቲ ምቅርራብን” ምዃኑ ዶክተር ኦኒካ ትገልጽ።
ኣብ ዩኒቨረስቲ ካንሳስ ክኢላ ሕክምና ኣዕጽምቲ ዝኾነት ዶክተር ኪም ቴምፕልተን ብወገና ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ንደቂ ኣንስትዮ ተሓከምተን ዘዘራርባሉ መገዲ ዓቢይ ለውጢ ከምዘምጽእ ተረድእ።
ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ከምዘመልክትዎ እታ ተሓካሚት ጓል ኣንስተይቲ እቲ ሓኪም ከኣ ወዲ ተባዕታይ እንተኾይኑ ኣብ መንጎ ሓኪምን ተሓካመን ዘሎ ዝርርብ ግሉጽ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ኣብ መንጎ ተሓካምን ሓኪምን ዝርአ ጸገም ናይ ርክብ ናይቲ ሓኪም ጥራይ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ኣብ ኦንታርዮ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተሓከምቲ ድሕሪ መጥባሕቲ ብዛዕባ ዘጋጥመን ጸገማት ንወዲ ተባዕታይ ሓኪም ግሉጻት ኮይነን ከይነግራ ይኽእላ እየን።
በዚ እትሰማማዕ ዶክተር ጄኒፈር “ደቂ ኣንስትዮ ተሓከምቲ ንደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ስለዘይደፍራ ጸገማተን ብግልጺ ከይረዛባ ይኽእላ እየን” ትብል።
“ናይ መጥባሕቲ ክኢላ እየ ዝመስል”
ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘለውሉ ዓውዲ መሕክምና ጥባሕቲ፡ ጾታዊ ኣድልዎ ከምዘሎ ክንገር ጸኒሑ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዓውዲ ሓዲገንኦ ዝወጻ ዘለዋ’ውን ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ 2015 ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም መጥባሕቲ ኣብ ትዊተር #ILookLikeaSurgeon (ናይ መጥባሕቲ ክኢላ እየ ዝመስል) ዝብል ጎስጓስ ኣካዪደን ነይረና።
ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት መጥባሕቲ ነቲ ጎስጓስ ዝጀመራ ዝበዝሕ ግዜ ሰባት “ናይ መጥባሕቲ ክኢላ ኣይትመስልን ኢኺ” ስለዝብልወን፡ ነዚ ኣተሓሳስባ ንምቕያር እዩ ነይሩ።
ዶክተር ኦኒካ “ብዙሓት መሳርሕተይ ከይተረፉ ናይ መጥባሕቲ ክኢላ እያ ኢሎም ኣይግምቱን እዮም።”
“ዝበዝሕ ግዜ ኣነ ተሓጋጋዚት ወይ ጸሓፊት፤ ዕድል እንተጌረ ከኣ ነርስ ጌሮም እዮም ዝቖጽሩኒ” ትብል።
“ሓደ ሓደ ግዜ ንርእሰይ ኣላልየ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ተዘራሪብና፡ ቅድሚ መጥባሕትን ብድሕሪኡን ዘሎ ከይዲ ኣማኺረ ምስ ወዳእኩ፤ ‘መን’ዩ መጥባሕቲ ዝገብረለይ?’ ኢሎም ይሓቱኒ” ኢላ።
ጾታዊ ዘይምምጥጣን
ዶክተር ጄኔፈር ስቫን ቁጽሪ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት መጥባሕቲ ሒደት ምዃኑ እቲ ቀንዲ ጸገም እዩ ትብል።
“ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ብዘይምህላዎም ጥራይ፡ ሰባት ብደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ናይ ምሕካም ዕድሎም ክጸብብ የብሉን።
“ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝሓሸ መጥባሕቲ ዝገብራ እንተኾይነን፡ እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ዓውዲ ክጽምበርኦ ይግባእ” ትብል።
ንኣብነት ኣብ ብሪጣንያ ናብቲ ዓውዲ ክጽምበሩ ካብ ዝደላያ ደቂ ኣንስትዮ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ይበዝሑ።
ነዚ ዓውዲ ተጸምቢሮም በቲ ሞያ ዝቕጽላ ከኣ ብዙሕ ጾታዊ ኣድልዎ ይበጽሐን።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ፈተና ሓሊፈን ነቲ ዓውዲ ከምዝጽምበራ ምግባር ግና ንምርጫ ክቐርብ ከም ዘይግባእ ዶክተር ኦኒካ ትመክር።