ብሰንኪ ቁመቱ ህይወት ከቢድዎ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ነጋዎ ጂማ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ከተማ መቂ ዝነብር ነጋዎ ጂማ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ፡ እቲ ልዕሊ ዝተለመደ ቁመቱ ንህይወቱ ከምዘኽበዶ ይዛረብ።

ነዚ ብኣብነት ከረድእ ከሎ ድማ ዓቐኑ ጫማን ክዳውንትን ክረክብ ከምዝተጸገመን ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀም ከምዝኸበዶን ይገልጽ። ቁጽሪ ጫምኡ 54 እዩ።

“ንባዕለይ ኣብ ዝኽእለሉ ዕድመ’ኳ እንተሃለኹ ብሰንኪ ቁመተይ ስራሕ ብምስኣነይ ግን ካብ ኢድ ሰብ እናተጸበኹ ክነብር ተገዲደ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብ 1998 ኣ.ግ ትምህርቲ ዝጀመረ ነጋዎ “ሽዑ ትምህርቲ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ቁመተይ ክንድዚ ዘለወኽዎ ነዊሕ ኣይነበረን” ክብል ይዝክር።

ኣስዒቡ ድማ “ቁመተይ ካብ 2005 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ንደሓር’ዩ ክውስኽ ዝጀመረ። ካብቲ ዓመት ንደሓር ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ዓመታት ብዝለዓለ ናህሪ ክውስኽ ጀሚሩ” ይብል።

ኣብዚ እዋን 2.25 ሜትሮ ዝበጽሐ ኮይኑ ዕድሚኡ ብዝወሰኸ ቁጽሪ ድማ ቁመቱ ይብርኽ።

“ቁመተይ ካብ ናይ መሓዙተይ ከምዝነውሕ ምስተገንዘብኩ መዓልታዊ ክልካዕ ጀሚረ። ቁመተይ ሕዚ’ውን እናወሰኸ’ዩ” ክብል ድማ የረድእ።

ሰባት እንታይ ይብሉ?

“ቁመተይ ዝተፈለየ እናኾነ ምስከደ ሰባት ክጥምቱኒ ጀሚሮም። በዚ ምኽንያት ንዝተወሰነ ዓመታት ይሓፍር ነይረ። ሰባት ብዛዕባይ ዝዛረብዎ ዘረባ ከኣ ናብ ደገ ወጺኤ ምስ መሓዙተይ ከይጻወት ገይሩኒ” ብምባል ካብ ሰባት ርሒቑ ጊዚኡ ከሕልፍ ይመርጽ ምንባሩ ይዛረብ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፎ እዋን ተመሳሳሊ ከምዝነበረን ብሰንኪ ሕማም ትምህርቱ ካብ 8ይ ክፍሊ ንደሓር ከቋርጾ ከምዝተገደደን ይገልጽ።

ተመሃሪ ኮይኑ ኣብ ርእሱ ጽኪ ስለዝወጽኦ ብሰንኪ’ቲ ሕማም ክስድር እውን ተጸጊሙ ነይሩ።

ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝተገበረሉ ሕክምና ዛዚሙ ምስወጸአ ግን ነፍሰ-ምትእምማኑ እናወሰኸ ምምጽኡን ዝስምዖ ዝነበረ ሕፍረት ከምዝተወገደን ይዛረብ።

ነጋዎ “ሰባት ካብ ዝተኣከቡሉ ቦታታት ንነብሰይ ምርሓቕን ምሕፋርን ገዲፈዮ ኣለኹ። ሓራቕነተይን ቁጡዕነተይን ተሪፉ ኣብዚ እዋን ህዱእ ኮይነ'ለኹ” ክብል ንኹነታቱ የረድእ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ ብሓገዝ ቤተሰቡ እዩ ዝናበር። “ክዳን ብልክዐይ ከስፍይ እንተኸኣልኩ’ኳ ጫማ ግን ብዓቐነይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክረክብ ኣይከኣልኩን” ይብል።

ክዳን ከስፍይ ኮነ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀም ብሰንኪ ግዝፊ ሰብነቱ ዕጽፊ ክኸፍል ከምዝግደድ’ዩ ዝዛረብ።

“ክዳን ከስፍይ ከለኹ ዕጽፊ እየ ዝኸፍል። ጫማ ክረክብ ስለዘይክእል ብዙሕ ገንዘብ እናኸፈልኩ ካብ ደገ ዘምጽእ። ናብ መኪና ክድይብ ከለኹ ድማ ናይ ክልተ ሰብ ቦታ ስለዝሕዝ ዕጽፊ ክኸፍል እሕተት” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ጫማን ክዳንን ዝህብዎ ሰባት ከምዘለዉ’ውን ሓቢሩ።

ነጋ - ነዊሕ ኢትዮጵያዊ?

“ነዊሕ ቁመት ዘለዎም ሰባት ርእየ እየ። ካባይ ዝበልጽ ግን ክሳብ ሕዚ ኣይረኣኹን። ኣብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዝበሃል ሰብ ኣስራት ይበሃል ከምዝነበረ ሰሚዐ ኣለኹ።

ዝገበሮ ቃለ-መሕትት’ውን ሪኤዮ እየ። ሽዑ ቁመቱ 2.22 ከምዝኾነ እዩ ተዛሪቡ። ናተይ ግን 2.25 እዩ” ዝብል ነጋዎ ሕዚ’ውን ብራኸ ቁመቱ ይውስኽ ከምዘሎ ይገልጽ።

ቀንዲ ዕላምኡ ብትምህርቱ ክቕጽል ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ካብቲ ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ 8ይ ክፍሊ ብምሸታዊ መርሃ-ግብሪ ከምዝቐጸለሉ ተዛሪቡ።

“ጎናጎኒ ትምህርተይ ተፈላጥነት ረኺበ ምስ ባህልን ቱሪዝምን ክሰርሕ ድልየት ኣለኒ። ሰባት ቁመተይ ተጠቒመ መወዓውዒታት (መላለዪታት) ክሰርሕ የተባብዑኒ’ዮም። ክሳብ ሎሚ ዘዘራረበኒ’ኳ እንተዘይሃለወ ነቲ ዕድል እንተዝረኽብ ግን ምተሓጎስኩ” ይብል።

ሓሙሽተ ኣሓትን ኣርባዕተ ኣሕዋትን ከምዘለውዎ ብምሕባር ድማ ናታቶም ቁመት ግን ነዊሕ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

“. . . ኣብ ቤተሰብና ነዊሕ ዝበሃል ሰብ የለን” ይብል።