እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘይተመጣጠነ መግቢ ተመጊቦም ዝዓበዩ ብ20 ሴንቲ ሜትር ዝሓጸሩ’ዮም - መጽናዕቲ
ዘይተመጣተነ መግቢ በሊዖም ዝዓበዩ ህጻናት ምስቶም ጽቡቕ ዝበልዑ መዛንኦም ብምንጽጻር ኣብ ቁመቶም ብ20 ሴንቲ ሜትር ከም ዝሓጽሩ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ 2019 ደቂ 19 ዓመት እቶም ዝነውሑ ኣብ ሆላንድ (183.8 ሴንቲ ሜትር)፡ ተመሳሳሊ ዕድመ ዘለዎም እቶም ዝሓጸሩ ከኣ ኣብ ቲሞር ላስተ (160.1 ሴንቲ ሜትር) ከም ዝርከቡ የብርህ።
እዚ ኣብ ላንሰት ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዝርከቡ ህጻናትን ኮተቴን ኣብ ቁመቶምን ሚዛኖምን መጽናዕቲ ብምክያድ ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ምውሳኽ ቁመት ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ከረጋግጹ ክኢሎም።
እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ካብ 1985 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብ 5 ክሳብ 19 ዝዕድሚኦም ልዕሊ 65 ሚልዮን ህጻናትን ኮተቴን መጽናዕቲ ኣካይዱሎም።
በቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ማእከላይን ኣውሮጳ (ብዓል ሆላድን ሞንቴነግሮን ዝርከበአን ሃገራት) ዝርከቡ ህጻናት እቶም ዝነውሑ እዮም።
ብኣንጻሩ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቅን ኤስያ፣ ላቲን ኣሜሪካን ምብራቅ ኣፍሪቃን ዝርከቡ ከኣ ብማእከላይ ገምጋም እቶም ዝሓጸሩ እዮም።
እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ
- ኣብ ላኦስ ዝነብር ወዲ 19 ዓመት ቁመቱ ምስ ወዲ 13 ዓመት ሆላንዳዊ ማዕረ እዩ (162.8 ሴንቲ ሜተር)
- ኣብ ጓቲማላ፡ ባንግላድሽ፡ ኔፓልን ቲሞር ለስተን እትነብር ጓል 19 ዓመት፡ ምስታ ኣብ ሆልንድ እትነብር ጓል 13 ዓመት ብቁመት ማዕረ እየን (152 ሴንቲ ሜተር)
- ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ደቂ 19 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ 178.2 ሴንቲ ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 163.9 ሴንቲ ሜትር ማእከላይ ቁመት ኣለዎም።
- ምስ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ብምንጽጻር ኣብ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ሕጂ ዘለዉ ህጻናትን ኮተቴን ቁመቶም ዝነውሐ እዩ።
- ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ናይ 1985 ዝነበሩ ህጻናት ብምንጽጻር ኣብዞም ሕጂ ህጻናትን ኮተቴን ዘለዉ ዝኾነ ወሰኽ ናይ ቁመት የለን ወይ’ውን ምስ ናይ 1985 ዝነበሩ ህጻናትን ኮተቴን ብምንጽጻር ዝሓጸሩ’ዮም።
እቲ መጽናዕቲ ካልእከ እንታይ ኢሉ?
እቲ መጽናዕቲ ንቁመትን ክብደትን ብምንጽጻር ኩነታት ጥዕና ግምት ዘውህብ BMI እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ኣካቲትዎ’ዩ።
እቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ ጉጅለ ዝዓበየ BMI ዘለዎም ህጻናት እቶም ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ደሴታት፡ ማእከላይ ኤስያ፡ ኣመሪካን ኒውዝላድን ዝነብሩ ህጻንት ኮይኖም ከም ዝጸንሕዎም የነጽር።
ብኣንጻሩ ደቂ 19 ዓመት ኮይኖም ዝተሓተ BMI ዘለዎም ከኣ ኣብ ደቡብ ኤስያ ዝርከብ ሃገራት ዝነብሩ’ዮም ይብል እቲ መጽናዕቲ።
እቶም ምናዕቲ ዘካየዱ ጉጅለ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝለዓለን ዝተሓተን BMI ዘለዎም ናይ 25 ኪሎ ግራም ፍልልይ ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ገለ ሃገራት ደቂ 5 ዓመት ህጻናት BMI ናቶም ኣብ ጽቡቕ ጸኒሑ ደቂ 19 ዓመት ምስ በጽሑ ልዕሊ ሚዛን ከምዝኾኑ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከምዘርኢ ይገልጹ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ወለዲ ንደቆም ናብ ዕድመ ኮተቴ ምስ ብጽሑ ኣብ ኣመጋግብኦም ስለዘይከታተልዎም ከምውጽኢቱ ዝሰዓበ መኳኑ ይገልጹ።