ክሳብ 80 ሽሕ ብር ዝኽፈለሉ ሕክምና ምትካል ጸጉሪ ርእሲ ኣብ ኢትዮጵያ

ሃይማኖት ሰይፉ ገና ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ’ኳ እንተኾነ ምብራሕ ርእሱ ግን ምቾት ከምዘስኣኖን ነብሰ-ምትእምማኑ ክንክይ ከምዝገበረን ይዛረብ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንበራሓት ርእሲ ከም ፍታሕ ኮይኑ ዝቐረበ ጸጉሪ ናይ ምትካል ኣገልግሎት ከምዘቕስኖ ብምትእምማን ድማ ናብ ሓደ ክሊኒክ ከምዝኸደ ይዝክር።

“ብድሕሪ እቲ ዝተገበረለይ ጸጉሪ ናይ ምትካል ሕክምና ጽጉሪ ርእሰይ ክቦቁል ምስጀመረ ግና ‘ክትውለድ ከለኻ’ውን ክሳብ ግንባርካ ዝበጽሕ ጸጉሪ ኣይነበረካን’ ክትብል ኣላጊጻትለይ። ብዙሕ ነቐፌታታት’ዩ ዝለዓል” ክብል ነቲ ብድሕሪ ጽጉሪ ርእሱ ከምሓድሽ ምብቋሉ ስዒቡ ዝተወሃቦ ርኢቶታት እናዋዘየ ይገልጽ።

ብድሕሪ እቲ ሕክምና ምትካል ጽጉሪ ርእሲ ሕማም ከጋጥሞ ከምዝኽእል ስግኣት ነይርዎ። ምስቲ ነቲ ኣገልግሎት ዝህቦ ትካል ምስተዘራረበ ግን ስግኣቱ ስለዝተወገደ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተርኡ በጺሑ ሕክምና ምምላእ ጸጉሪ ርእሲ ገይሩ።

“ናተይ ጸጉሪ እዮም ካብ ካልእ ቦታ ነቒሎም ኣብቲ ዝበርሐ ዝበርሐ ክፋል ተኺሎምዎ። ቅድሚ እቲ ከይዲ ምትካል ድማ ብዙሕ ምርመራታት ሕክምና ገይረ። ብድሕሪ እቲ ምትካል ጸጉሪ ክትትል ሕክምና ስለዝገበርኩ ዋላ ሓደ ዘጋጠመኒ ጸገም የለን” ክብል ንኹነታቱ የረድእ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሕክምና መጥባሕቲ ፕላስቲክ (ፕላስቲክ ሰርጀሪ) ልዕሊ 15 ዓመታት ዘገልገለ ዶክተር ቴድሮስ መለስ፡ ‘ማርሻ’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ኣገልግሎት ምትካል ጸጉሪ ርእሲ ዝህብ ክሊኒክ ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነቲ ኣግልግሎት እናሃበ ዝመጽአ ዶክተር ቴድሮስ ንብዓሉ’ውን ተጠቃሚ እቲ ሕክምና ከምዝኾነ ይዛረብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ጠለብ ኣገልግሎት ምትካል ጸጉሪ ርእሲ ከምዘሎ ዝሕብር እቲ ዶክተር፡ “ኣነ ናብዚ ሃገር ክመጽእ ከለኹ ‘ኣብ ሃገርናኮ ናይ ኮስሞቲክ መጥባሕቲ ክግበረሉ ዝደልይ ሰብ ኣይርከብን’ ይብሉኒ ነይሮም” ይብል።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ሎሚ’ውን ደፊሮም ከምኡ ዝብሉ ኣለዉ። ግን ከኣ ነቶም ብቐሊሉ ብሕክምና ዝስተኻኸሉ ኣማራጽታት ዝጥቀም ሰብ ኣሎ። ናይ ጽጉሪ ምትካል ኣገልግሎት’ውን ከምኡ እዩ። ጉዳይ ዓቕሚ እምበር ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ጸጉሪ ናይ ምትካል ሕክምና ከምዝጥቀም’የ ዝኣምን” ክብል ቁጽሪ ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ይውስኽ ምህላዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ መስርሕ ምትካእ ጽጉሪ ርእሲ ነዊሕ ጊዜ ከምዝወስድ ብምጥቃስ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ዓመት ሪጋ ክጽበይ ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት፣ ከም ሕማማት ልብን ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ጸገማት ዘለዎም ሓዊሱ ብቕድመ ምርመራ ብዝንጸሩ ኩነታት ተመስሪቱ ነቲ ሕክምና ምትካል ጸጉሪ ርእሲ ብቑዓት ዘይክኾኑ ከምዝኽእሉ ዶክተር ቴድሮስ ይገልጽ።

ብፍላይ ካብ መጀመርታ 20ታት ክሳብ 50ታት ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ተረባሕቲ እቲ ኣገልግሎት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፡ ሓደ ሰብ ግን ካብ ናይ ብዓሉ ጸጉሪ እምበር ካብ ናይ ካልእ ሰብ ተወሲዱ ክትከለሉ ከምዘይክእል ኣነጺሩ።

‘ትሪቢያን’ ኣብ ዝባሃል ክሊኒክ ስፔሻሊስት ሕክምና ቆርበትን ኣማኻሪት ሕክምና ምትካእ ጽጉሪ ርእሲን ዶክተር ቅድስት የኔነህ፡ እቲ ኣገልግሎት ምትካል ጽጉሪ ነቶም ‘ኣሎፔሺያ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጸገም ምርጋፍ ጸጉሪ ዘጋጠሞም ሰባት ዝወሃብ ሕክምና ከምዝኾነ ትዛረብ።

እዚ ከም ቀሊል መጥባሕቲ ዝውሰድ ሕክምና፡ ነቶም ተገልገልቲ ኣብቲ ጽጉሪ ዝትከለሉ ቦታ መደንዘዚ ብምውጋእ ዝፍጽምን ውሱን መድመይቲ ዘኸትል ከምዝኾነን ተረድእ።

እቲ ብፍላይ ኣብ ደቂተባዕትዮ ዝረኣይ ምርጋፍ ጸጉሪ ብሰንኪ ብሆርሞን ዝስዕብ ጉድኣት ከምዝኾነ እትሕብር ዶክተር ቅድስት፡ ብጎኒን ብድሕሪትን ዝርከብ ጸጉሪ ግን በዚ ጸገም ተጠቒዑ ከምዘይረግፍ ትገልጽ።

እቲ ሕክምና ከኣ ኣብቲ ብሆርሞናት ዘይጉዳእ ክፍሊ ካብ ዘሎ ጸጉሪ ብምውሳድ ከምዝካየድ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ነቲ ኣገልግሎት ክንደይ ይኽፈል?

ጸጉሪ ርእሲ ናይ ምትካል ሕክምና ንምግባር ብኢንሹራንስ ዘይኽፈል ወጻኢ እዩ ዝሓትት። እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኣካይዳ’ዩ።

እዚ ድማ ካብ 4,000 ዶላር (ኣብ ቀረባ እዋን ንዘሎ ሸርፊ መሰረት ብምግባር 198 ሽሕ ብር) ክሳብ 15,000 (743 ሽሕ ብር) ወጻኢ ከምዝሓትት መረዳእታታት የመልክቱ።

ካብ ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ቱርኪ በቲ ዝሓሸ ዝበሃል ዋጋ ነቲ ኣገልግሎት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ክሳብ 5,000 ዶላር ክትኸፍል ትጽቢት ይግበር። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሕክምና መጥባሕቲ ምትካል ጸጉሪ ዘፈጽሙ ዶካትር ካብ ቱርኪ ከምዝመጽኡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክሊኒካት ይገልጹ።

ሃይማኖት ግን እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ነቲ ሕክምና ስለዝገበረ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ዝነከየ ዋጋ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኣስታት 70 ሽሕ ብር ጥራሕ እዩ ከፊሉ።

“ዓቕሚ ሃልዩኒ ጸጉረይ ዳግም ክትከል ስለዝገበርኩ ሕጉስ’የ” ይብል።

ማእኸላይ ወጻኢ ካብ 70 ክሳብ 80 ሽሕ ብር ከምዝኾነ ዝዛረብ ዶክተር ቴድሮስ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕተት ዋጋ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር ከሎ ዝተሓተ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ጎናዊ ሳዕቤናት?

ሕክምና ምትካል ጸጉሪ ርእሲ ድሕሪ ምክያድ ከጋጥሙ ከምዝኽእሉ ካብ ሞንጎ ዝዝረበሎም ገሊኦም ‘ጸሩሪ ናብ ውሽጢ ምቡቋል፣ ስንፈተ-ወሲብ፣ መኻንነትን ዝኣመሰሉ’ ይርከብዎም።

ዶክተር ቅድስት ግን “ናይ ሕክምና ፍልጠት ካብ ምንኣስ ዝነቐሉ ስግኣታት” ከምዝኾኑ ብምግላጽ፡ እቲ ሕክምና ኣብ ሆርሞናት ዘይኮነስ ኣብ መጥባሕቲ ዝተመስረተ ከምዝኾነ ተረድእ።

ተጠቀምቲ ቅድሚ ሕክምና ምጅማሮም ነዚ ኣጸቢቖም ክግንዘቡ ከምዝግበር እትዛረብ ዶክተር ቅድስት፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ቁጽሪ ተገልገልቲ እናወሰኸ ምምጽኡ ወሲኻ ሓቢራ።

ነቲ ሕክምና ምትካእ ጽጉሪ ዝገበረ ሰብ በቢወርሑ ክትትል ከምዝግበረሉን ንዕብየት ጸጉሩ ብምርኣይ ዝተፈላለዩ ቅብኣታትን ንጸጉሪ ድጋፍ ዝህቡ መግብታትን ክጥቀም ማዕዳ ይወሃቦ’ዩ።

ዝተተኸለ ጸጉሪ እንተረጊፉ መሊሱ ከምዝቦቁል ዘረድእ ዶክተር ቴድሮስ፡ ዳግም ናይ ምብራሕ ዕድል ኣሎ’ዶ የለን? ኣብ ዝብል ግን ክሳብ ሎሚ ዝረኣዮ ውጽኢት መጽናዕቲ ከምዘየለ ገሊጹልና።

ወሲኹ ድማ እቲ ብሕክምና ምትካል ዝተተክአ ጸጉሪ ማዕረ ምስቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጉሪ ከምዝስይብ ሓቢሩ።

ዶክተር ቅድስት ብወገና ከም መንሽሮን ኤች ኣይቪን ዝበሉ ሕማማት ኣብ ዝህልዉሉ ከምኡ’ውን ሕጽረት ፕሮቲን ኣብ ዝህሉ ግን እቲ ዝተተኸለ ጽጉሪ ክረግፍ ከምዝኽእል ተዛሪባ።

ኣብዚ እዋን ነቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝቐርቡ ጠለባት እናወሰኹ ምምጽኦም ዘዘኻኸረ ዶክተር ቴድሮስ፡ ሰብሞያ ምስልጣን እንተተኻኢሉ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንጎረባብቲ ሃገራት’ውን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝከኣል ጠቒሱ።