ቦሊቭያ፡ ጸጉሪ ርእሳ ብናዕበኛታት ዝተቖርጸ ከንቲባ ሓንቲ ከተማ

ኣብ ቦሊቭያ፡ ነበርቲ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ተቓውምኦም ንምግላጽ፡ ንከንቲባ ናይታ ከተማ ብምሓዝ ጥራሕ እግራ ኣብ ከተማ ከዙሩዋ ውዒሎም።

እቶም ናዕበኛታት፡ ንፓትሪሽያ ኣርስ፡ ብቀይሕ ቀለም ድሕሪ ምልካዮም፡ ጸጉራ ብሓይሊ ቆሪጾም።

ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተገብረ ኣካታዒ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ናዕብታት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ።

ዛጊት ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

ኣብ ከተማ ቪንቶ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ

ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣውራጃ ኮቻባምባ እትርከብ፡ ቪንቶ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ፡ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ዜጋታት፡ መሰጋገሪ 'ቢንቶ' ይዓጽዉ።

ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕረዚደንት ኢቮ ሞራለስን ተቓወምቱን ኣብ ዝነበረ ግጭት ክልተ ተቓወምቲ ተቐቲሎም ዝብል ወረ ምስ ተነዝሐ፡ እቶም ናዕበኛታት ናብ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣምሪሖም።

ንከንቲባ ፓትሪሽያ ኣርስ ድማ፡ ኒተ ዓጊቶሞ ዝነበሩ ድልድል ንምኽፋት፡ ደገፍቲ ናይቲ ፕረዚደንት ብኣውቶቡሳት ኣምጺኢኪ፡ ነቶም ክልተ ከም ዝቕተሉ ጌርኪ ክብሉ ከሲሶማ።

"ቀታሊት፡ ቀታሊት" እናበሉ ኣብ ዝጭድርሉ ዝነበሩ እዋን ከኣ፡ ገጾም ዝተሸፈነ ሰባት፡ ካብ ቤት ጽሕፈታ ብምውጻእ ብጥራሕ እግራ እናጋፍዑ ናብቲ ድልድል ወሲዶማ።

ኣብኡ ኸኣ፡ ከም ክትምብርከኽ ብምስግዳድ፡ ጸጉሪ ርእሳ ቆረጾም፡ ብቀይሕ ቀለም ለቕሊቖማ። ካብ መዝነታ ምውርዳ ክትፍርም'ውን ኣገዲዶማ።

ኣብ መወዳእትኡ፡ እታ ከንቲባ ንፓሊስ ተረኪባ፡ ናብ ማእከል ጥዕና ተወሲዳ።

ቤት ጽሕፈታ ብሓዊ ከቃጽልዎ እንከለዉ፡ ንመስኮታት ናይቲ ምምሕዳር ድማ ሰባቢሮም።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ፕረዚደንት ሞራለስ ዝተገብረ ግጭት ሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ።

ንሱ፡ እቲ ናዕቢ ብ20 ጥቅምቲ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ካብ መንጐ ዝሞቱ ሰለስተ ሰባት'ዩ።

ፕረዚደንት ሞራለስ ብ10 ሚኢታዊት ብልጫ ድምጺ ከም ዝተዓወተ ድሕሪ ምግላጹ፡ ደገፍቲ ቀንዲ ተቐናቓኒኡ ዝኾነ ካርሎስ ሜሳ፡ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ብምንጻግ ተቓውሞታቶም ከካየዱ ጀሚሮም።

ተዓዘብቲ፡ እቲ ምርጫ ጸገማት ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምግላጾም፡ ነቲ ኩነታት የጻርይዎ'ኳ እንተለዉ፡ እቲ መራሒ ተቓዋሚ ወገን ዝኾነ ካርሎስ ሜሳ ግን ኣይተቐበሎን።

ኢቮ ሞራለስ፡ ኣብ 2006 ኣብ ስልጣን ከም ዝደየበ ይንገር። ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመት'ውን ነታ ሃገር ክመርሓ ትጽቢት ይግበር።