እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጸጉሪ ርእሲ ጓሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተቖረጸ ወላዲ 1 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ሓቲቱ
ጸጉሪ ርእሲ ቆልዓ 7 ዓመት ጓሉ ብመምህራ ዝተቖረጸ ኣመሪካዊ ኣቦ፤ እቲ ተግባር ብዘይፍቓድ ወለዲ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ንምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርትን ክልተ ሰራሕተኛታትን ከሲሱ።
እቲ ወላዲ 1 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃቦ ሓቲቱ ከምዘሎ'ውን ተገሊጹ።
ጂሚ ሆፍመየር፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ናይታ ሓንፈጽ [ካብ ክልተ ዓሌት ዝተወለደት] ጓሉ ከምዝተጥሓሰ ኣብ ክሱ ኣስፊሩ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ንጓሉ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ከምዘውጽአ ተፈሊጡ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብዘካየዶ ምጽራይ፤ ሓንቲ መምህር ንሕጊ እቲ ቤት ትምህርቲ ብምጥሓስ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወደት ገሊጹ። እንተኾነ፡ እቲ ዝተፈጸመ ተግባር ዝኾነ ኣድልዎ ከምዘይነበሮ ኣነጺሩ።
ሽዑ ድማ ጉዳያ ብመግናሕቲ ጥራሕ ተሰጊሩ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ስርሓ ክትቕጽል ተወሲኑ።
ኣቦ እታ ጓል ንጂሚ ንኣሺየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ጓሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓደ መዓልቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዝኣ ክትምለስ ከላ ፍርቂ ርእሳ ተላጽያ ምንባራ ሓቢሩ።
ነዊሕ ጸጉሪ ርእሲ ጓሉ ጁርኒ ድማ ብሓደ መቐስ ሒዙ ኣብ ውሽጢ ኣውቶብስ ቤት ትምህርቶም ምስኣ ዝነበረ መማህርታት ከምዝተቖረጸ ገሊጹ።
ድሕሪ ክልተ መዓልታት ከኣ በቲ ካልእ ገጽ ተሪፉ ዝነበረ ጸጉሪ ርእሳ ተቖሪጹ ናብ ገዝኣ ተመሊሳ። ጂሚ፡ እዚ'ውን ብኻልእ ተምሃራይ ተፈጺሙ ዝብል ሓሳብ ነይርዎ።
ይኹን’ምበር ነቲ ተግባር መምህራ ከምዝፈጸመቶ ካብ ጓሎ ጁርኒ ይሰምዕ።
በዚ ተግባር ዝሓረቐ ኣቦ ንምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርትን ክልተ ሰራሕተኛታቱን ከሲሱ’ሎ።
ኣብቲ ክሲ ሕገ-መንግስታዊ መሰላት እታ ቆልዓ ምጥሓሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘርኣዊ ተነጽሎ፣ ዓሌታዊ ምፍርራሕ፣ ኮነ ኢልካ ስነልቦናዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝተገበረ ጸቕጢን ጥቕዓትን ዝብሉ ቅሬታታት’ውን ከምዘካተተ ተፈሊጡ።
ንሰራሕተኛታት ብቑዕ ስልጠና ዘይምሃብ፣ ዘይምቁጽጻር፣ ስነምግባር ክሕዙ ዘይምግባርን ዘይምክትታልን መንቀሊ ከምዚኦም ዝበሉ ጥሕሰታት ከምዝኾኑ እቲ ክሲ የመልክት።
ዛጊት ብወገን ተኸሰስቲ ዝተወሃበ ወግዓዊ ምላሽ የለን፤ ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ’ውን ብወግዒ ርእይትኡ ኣይሃበን።