እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንወላዲኣ ይመውት ከምዘሎ ክትነግሮ ዝተገደደት ፍራንሴስካ በሲ
ኣብ 2019 ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ናይ ምስማዕ ጸገም ዝነበሮ (ጽሙም) ኣቶ በሲ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ዓራት ምስ ሓዘ ጓሉ ፍራንሴስካ ንስድራኣ ክትሕግዝ ኩሉ ነገር ገዲፋ። ንምዃኑ ደቆም ንጽሙማን ስድራ ቤቶም ክትርጉሙሎም ግቡእ ድዩ? ንሕጽረት ሞያውያን ተርጎምቲ ብሕውነታዊ መገዲ ዝግበር ሓገዝ ከም በለጽ'ዶ ይረአ ይኸውን?
ፍራንሴስካ በሲ፡ እቲ ዶክተር ዘሰንብድ ዜና ሒዙ ክመጽእ እንከሎ፡ ኣብ ጎኒ ሽማግለ ኣቡኣ ዝደቀሰላ ዓራት ኔራ።
እቲ ከቢድ ጽመት ዘለዎ ወላዲኣ ኣብ ሆስፒታል ካብ ዝድቅስ ወርሒ ገይሩ ነይሩ። ፍራንሴስካ ነተን ነርስታት ንወላዲኣ ኣስተርጓሚ ክቕርቡሉ እኳ እንተሓተተት ንክልተ ሰዓት ጥራሕ እዮም፡ ሓገዝ ኣግልግሎት ትርጉም ምልክት ቋንቋ ብሪጣንያ (BSL) ረኺበናሉ።
"ኣቦይ ጥዑይ እንከሎ ናይቶም ዘዛርብዎ ሰባት ከንፈር ብምንባብ ኣጸቢቑ ይርዳእ ኔሩ" ትብል ፍራንሴስካ፡ "ኣብዚ እዋን ግን ተጻጊሙ እውን እዩ ዝርኢ። ኣብ ድሕሪ ዓራቱ ንምልክት ናይ እዝኒ ስእሊ ኣቐሚጦምሉ ነይሮም። ካብኡ [እቶም ኣገልገልቲ ሕክምና] ኣብ ጥቕኡ ቀሪቦም ይጭድሩ ስለዝነበሩ እቲ ተግባር የሰምብዶን የፍርሖን ነይሩ" ትብል።
ስለዝኾነ እታ ጓል 42 ዓመት ፍራንሴስካ ከምቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፡ ክሰምዑ ዘይክእሉ ጽሙማን ንወላዲኣ ክትትርጉመሉ ምስኡ ናብ ሆስፒታል ኣተወት። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ዘሰንብድ ዜና መርድእ ሰጋእ ከይበለት ንኣቡኣ ተርጎመትሉ።
"ሰጋእ ዝበልኩሉ ግዜ ኣይነበረን" ትብል፡ " ነጊረዮ…ኹሉ ተርጕመሉ…."
"ይመውት ከምዝነበረ ክነግሮ ኔሩኒ! …..ኣቦይ ትመውት ኣለኻ…..!" ኢለዮ።
ፍራንሴስካ ኣብ 1980ታት ሞባይልን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን [ቴክስትን] ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ ካብ ክልተ ጽሙማን (ናይ ምስማዕ ጸገም ዝነበሮም) ስድራ፡ ክትሰምዕ እትኽእል ቘልዓ ተወሊዳ። ገና ጓል ሸውዓተ ዓመት ህፃን እንከላ ድማ ብምልክት ቋንቋ ጽሙማን ክትትርጉም ጀሚራ።
"ፈላሚ ቋንቋይ ምልክት ቋንቋ ብሪጣንያ (BSL) እዩ። እቲ ዝዓበየ ጽቡቕ ነገረይ ድማ ነቲ ቋንቋይ እፈትዎ እየ" ትብል።
ፍራንሴስካ ገና ብንእስነታ'ያ ብዙሕ ሓላፍነት ተሰኪማ። ስድርኣ ነቲ ንሕና ከም ውሁብ ንእንወስዶ ንጥፈታት ንምፍጻም፡ እንትርፎ ኣብ ናታ ሓገዝ ምምርኳስ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣይነበሮም።
ፍራንሴስካ፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ህጻን እንከላ ንስድርኣ ወኪላ ስልኪ ትድውል ኔራ፤ ጓል ሸሞንተ ዓመት ምስ ኮነት ድማ ምስ ባንኪ ዝዛመዱ ጉዳያት ተፈፅም ኔራ።
"ኩሉ ግዜ ተጽዕኖ ዝገብሩለይ ዘለው ኮይኑ ይስመዖም ነይሩ፤ ንዓይ ግን ቀሊል'ዩ ኔሩ። ዓቕመ ሄዋን ዝበጻሕኩን ፍልይትን ኣገዳሲትን ሰብ ምዃነይ ይስመዓኒ ኔሩ" ትብል።
ፍራንሴስካ ነቲ ኣብ ቁልዕነታ ዝሓለፈቶ እዋን ንድሕሪት ምልስ ኢላ ክትሓስቦ እንከላ፡ ንስድርኣ ብዘይምቁራፅ ክትሕግዝ ዘሕለፈቶ ግዜ ከቢድ ከምዝነበረ ትገልጽ።
"ባዕለይ ሓላፍነት ስለእተሰከምኩ ኩሉ ሳዕ ኣብ ስልኪ እየ። ደረተይ ስለዘይፈልጥ ከም ቆልዓ እዝን እዝን ክገብር የብለይን ክብል ኣይኽእልን" ትብል።
ውላድ ጽሙማን ስድራ ኮይንካ ምዕባይ ከቢድ እዩ። ወዲ 31 ዓመት ተቐማጢ ግላስጎው ኮሜድያን ረይ ብራድሸው፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ብዝገብሮ ዝነበረ ምልክት ብምዝራብ ሕዚ ከም ስሩዕ ስርሑ ስለዘማዕበሎ ናይ ጽሙማን ኮመዲ የቕርብ።
ብራድሸው፡ "ቘልዓ እንከለኹ ብናይ ጽሙማን ምልክት እናተዛረብኩ ብኢደይ እንድሕር ምሒለ፡ ወለደይ ናብ ክሽነ ወሲዶም ብሳሙና ይሓፅቡኒ ኔሮም" ክብል ይዋዘ።
ኣቀራርባ ረይ ሰሓቢ እዩ። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላትን ዕዳጋታትን ተርጓሚ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ሓገዙ የበርክት። ኣተርጎምቲ ኣብ ዘይህልውሉ ኩነታት፡ ኣባላት ስድራ ዝትርጉሙሉ ግዜ ኣሎ።
ሓደ እዋን ወለዱ ናይ ትምህርቱ ውጽኢት ንምፍላጥ ናብ ቤት ትምህርቱ ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ፡ ተርጓሚ ስለዘይተረኽበ: ረይ ነቲ ዘረባ ከምዝደለዮ እናኣጠዓዓመ ንወለዱ ከምዝተርጎመሎም ይዝክር።
ይኹን'ምበር ረይ ብራድሸው፡ ኣባላት ስድራቤት ብዛዕባ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ንዝበጽሐ ክሕከም ዘይኽእልን ሞት ከሰዕብ ዝኽእልን ሕማም ንስድራቤቶም ክትርጉሙሎም ግቡእ ከምዘይዝኾነ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሀርዮት-ዋት ክኢላ ምልክት ቋንቋን ርክብን ፕሮፌሰር ጀሚና ነፒየር፡ ቘልዑ ምስማዕ ንዝተስኣኖም (ጽሙማን) ስድርኦም ክሰምዑ ምኽኣሎም፡ ስነ-ቋንቋዊ ተውህቦ ምዃኑ ትገልጽ። እንተኾነ፡ ገና ካብ ቁልዐነቶም ብዙሕ ስነ ልቦናውን ስምዒታውን ክእለታት ብምስናቕ ነቲ ረቒቕ ናይ ዓበይቲ ዘረባ ይትርጉሙን ዝተመሳቐለ ፀገማት ይፈትሑን።
ከም ፍራንሴስካን ረይን፡ ፕሮፌሰር ነፒየር እውን ምስ ጽሙማን ስድራ እያ ዓብያ።
ይኹን'ምበር፡ ነፒየር ንጽሙማን ስድራ ምትርጓምን፡ ከም ጉድለት ኣካላት ተቖጺሮም ንዝወሃቡ ርኢቶታትን ሓሳባትን ኣትሪራ እያ ትቃወሞም። እኳድኣስ ከም ባህላዊ መንነት ርኢና ክነኽብሮ እዩ ዘለና ዝብል ኣቕዋም ኣለዋ።
ግና ከም ካብ ቤት መግቢ ፒሳ ኣብ ምቕባልን ከምቲ ንፍራንሴስካ ኣብ ሆስፒታል ዘጋጠማ ንኣቡኣ በዳሂ [ናይ ሞት መርድእ] ምትርጓምን ይፈላለ'ዩ ትብል፡ ፕሮፌሰር ጀሚና ነፒየር።
"ቆልዑ ዘይዓቕሞም ምዃኑ ይርድኡ'ዮም። ተጽዕኖ ክንፈጥረሎም ኣብ ከቢድ ስምዒታዊ ሓደጋታት ምሽካሎም ግን ትኽክል ኣይኮነን" ትብል እታ ክኢላ።
ጓል 30 ዓመት ፒርል ክሊንተን'ውን ሂወት ዝቕይር ሕክምናዊ መርድእ ክትነግር ግድን ኔሩ። ጓል 12 ዓመት እንከላ ኣቡኣ ምስ ሞተ ነዲኣ ከተርድኣ ተገዲዳ። ጓል 28 ዓመት ምስ ኮነት ግን በቲ ኩነታት ክትመውት ደልያ ከምዝነበረት፡ ንዓባያ ነጊራታ።
ሕክምናዊ ሓበሬታት ንምትርጓም ከቢድ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሕማቕ ዜና (መርድእ) ምንጋር'ውን፡ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ፅልዋ ክህልዎ ስለዝኽእል ሕዚ ፒርል፡ ኣባላት ስድራ ኣብ ሕክምናዊ ጉዳያት ንቀረበኦም ከየተርጉሙ ጎስጓስ ተካይድ ኣላ።
"ቅጥዒ ጥርዓን ምምላእ ካብ ዝጅምር ብዙሕ ታሪኻት'የ ሰሚዐ። ሕዚ'ውን ይፍፀም'ዩ ዘሎ" ከኣ ትብል።
ኣዋጅ (ሕጊ) መዓርነት 2010፡ ምስማዕ ዝተስኣኖም ሰባት (ጽሙማን) ኣብ ሆስፒታል ኣተርጎምቲ ክረኽቡ ግድን ከምዝኾነ ይድንግግ፤ ኣብ ባይታ ግና ብብቕዓት ኣይትግበርን። ኩሉ ሳዕ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ጸቕጢ ኣለዎም፣ ኣዝማድ (ስድራ) ክትርጉሙ ምግዳዶም'ውን ጸገም ከምዘለዎ ኣይፈልጡን።
ፍራንሴስካ፡ "ብፍፁም ናቶም ጉድለት ኣይኮነን። ኣዝዮም ብስራሕ ዝተፀመዱ'ዮም፤ ንሓንሳብ ብከመይ ከምዝሰርሕዎ ኣይፈልጡን እዮም" ትብል።
ኣደ ፍራንሴስካ ምስማዕ ካብ እትስእን ግዜ ቁልዕነታ ክሳብ ሕጂ ዓለም ኣዝያ ተወንጪፋ'ያ። ብ1952 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን፡ ኣደ ፍራንሴስካ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ህፃን እንከላ ናብ አሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ተላእከት። ፍራንሴስካ፡ ወላዲታ ናብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተለኣኸትሉ ዕላማ ክትገልፅ እንከላ፡ ምስማዕ ዝተስኣኖም ሰባት "ኣብቲ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ብግቡእ ክሰርሑ" ዝዓለመ ኔሩ ትብል።
እንተኾነ ኣደይ ብሕርቃን ፈኽ ፈኽ እያ ኢላ ብምባል፡ ነቲ ወላዲታ ኣብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠማ ዘፍርሕ ኣተሓሕዛ ትገልፆ።
ፍራንሴስካ፡ "ብመሰረቱ ንኣደይ ሓደ ዝጓነጽ እሱር ወይ ፀገም ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝኽደኖ ክዳንን ጓንትን ብምልባስ፡ ንመሓውራ ምስቲ ትድቅሰሉ ዓራት ኣላጊቦም ኣሲሮማ። ካልእ ግዜ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ መፅለሊ ዓጽዮማ" ብምባል፡ ነቲ ወላዲታ ዘሕለፈቶ ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ትገልፆ።
"ሕሰቦ እሞ፡ ህፃን ቆልዓ ኮይንካ፡ ንመሓዛኻ ከተዛርብ ብምፍታንካን ምልክት ቋንቋ ስለዝተጠቐምካን ብኸምዚ ክትቕፃዕ። ክትሰምዕ ዘይትኽእልን ስድራኻ ድማ ኣብ ጥቓኻ ዘየለዉን!"
ፍራንሴስካ፡ ወላዲታ በላሕ ጓልኣንስተይቲ ከምዝነበረት እያ ትሕብር፤ ግና ኣብ 16 ዓመታ ብዘይገለ ብቕዓት መረጋገፂ እያ ትምህርቲ ኣቋሪፃ። እቲ ኣብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠማ ሕሱም ኣተሓሕዛ ንጥዕና ኣእምሮ ኣዲኣ ኣዝዩ ከምዝፀለዎን ንከይትበስል ከምዝደረታን ትገልፅ።
"ከምዚ ተመሳሳሊ ሕሰም ዘጋጠሞ ምስማዕ ዝተሳእኖ ወለዶ ኣሎ" ትብል ፍራንሴስካ።
ሎሚ'ውን ኣብ ጽሙማን ብዙሕ ምብስጫው'ዩ ዘሎ። ኣክቲቪስትን ምስማዕ ዝተስኣና ኣደን ሩቤና ኦረንዠብ-ታሪክ፡ ኣብ ሓደ ትካል ባቡር ኣማኻሪት ተበጻሕነት ኮይና ትቑፀር እሞ፡ በቲ ቤት ፅሕፈት መሸጢ ትኬት መስኮት ከንፈሮም እንናቀሳቐሱ ብምልክት ንዝዛረቡ ምስማዕ ዝተስኣኖም ሰባት (lip-readers) ኣንፀባራቒ ምዃኑ ተማኽሮም። ብቐሊሉ ክዕረ ዝኽእል ወይ ድማ ብዘይንፀባርቕ መስትያት ክትካእ ዝኽእል'ዩ፤ ግና ዋላ ሓደ ኣየዐረይዎን።
እዚ ንሩቤና ዘቖጠዐ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምንሻው'ዩ ኔሩ፤ ጓል 12 ዓመት ጓላ ናይ ባቡር ትኬት ክትዕድግ መጺኣ ኔራ እንተትኸውን'ከ?
ብኻልእ ወገን ድማ ብዙሓት እወንታውያን ለውጥታት'ውን ኣለዉ'ዮም። ምስማዕ ዝተስኣኖ ኮይንካ ምዕባይ ኣፈላላይ ይፈጥር ኣሎ'ዩ። ምስማዕ ዝተስኣኖም ወለዲ ዝሐሸ ዕድል ትምህርቲ፣ ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎም። እዚ ማለት ኣብ ደቆም ጽግዕተኛ ዝኾንሉ ዕድል ትሑት'ዩ።
ኣብ ጉዳይ ምስማዕ ናይ ዝተስኣኖም ስድራ ውላድ ዝኾኑ ቆልዑ ዝሰርሑ ትካላት (CODAs) ኣለዉ'ዮም። እዞም ትካላት ሰባት ተሞክርኦም ዝለዋወጥሉ፣ ውርሻታቶም ዘኽብርሉን ኣብ ሚድያ ንዘሎ ናይ ውክልና ታሪኻዊ ሕፅረት ዝብድህሉን'ዩ።
ፍራንሴስካ ዕድመ ልክዓ ንወለዳ ንምትርጓም ዝተሰከመቶ ሓላፍነት፡ ንሂወታ ስለዝለወጦ ኣብ ተሌቬዥን ብምልክት ቋንቋ ብምትርጓም ወናኒት ዕዉት ሞያ ኮይና።
ግና፡ እቲ ሓደ እዋን ኣብ ጎኒ ዓራት እቲ ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰ ወላዲኣ ኮይና ተርጓሚት ምልክት ቋንቋ ዝኾነትሉን፡ ኣቦኣ ይመውት ከምዘሎ ክተርድኦ ሓላፍነት ዝተሰከመትላን ኣጋጣሚ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣዝያ ከባድ ኔራ።
"ኣብ ሂወተይ ብዙሓት ከበድቲ ነገራት ሰሪሐ እየ። ንኣቦይ ይመውት ከምዘሎ ከርድኦ ግን እቲ ዝኸበደ ኔሩ" ትብል።