እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣየርላንድ: ክፍሊት ጡረታ ንምርካብ ‘ጥዑይ ብምምሳል ኣስከሬን ናብ ቤት ፖስታ ዝወሰዱ’ ሰባት ብፖሊስ ይድለዩ
ኣብ ኣየርላንድ ክለተ ሰባት ንናይ ሓደ ዝሞተ ሰብ ናይ ክፍሊት ጡረታ ንምርካብ ነቲ ኣስከሬን ናብ ቤት ፖስታ ከምዝወሰዱ ዝገልጽ ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ፖሊስ መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣይሪሽ ታየምስ ክልተ ሰባት እቲ ምውት ብህይወት ከምዘሎ ብምምሳል ነቲ ኣስከሬኑ ኣብ ካርሎ ካውንቲ ናብ ዝርከብ ቤት ፖስታ እዮም ወሲዶምዎ።
ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፖስታ ግና ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሕቶ ምሰብዝሑሎም ነቲ ኣስከሬን ሓዲጎምዎ ሃዲሞም። ፖሊስ ኣየርላንድ ብዛዕባ ኣማውታ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሰብ ይምርምር ምህላው ሓቢሩ።
ኣፈኛ ፖሊስ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ እኳ እንተዘይኮነ፡ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብቲ ቤት ፖስታ ብዛዕባ ዝተፈጠረ ኩነታት ሓጺር መግለጺ እዩ ኣውጺኡ።
ኣብቲ መግለጺ ካብ ቢሮ ቴክኒክ ፖሊስ ኣየርላንድን ካብ ቤትጽሕፈት ፓቶሎጂ እታ ግዝኣትን ሓገዝ ሓቲቱ ምህላው ሓቢሩ። “ውጽኢት እቲ መርመራ እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ከርእየና እዩ” ኢሉ።
እቶም ነቲ ኣስከሬን “ደሓን ከምዘሎ ብምምሳል” ናብቲ ቤት ፖስታ ዝኸዱ ሰባት ብሰራሕተኛ እቲ ትካል ሕቶ ምስ በዝሖም፡ ደርብዮምዎ እዮም ሃዲሞም።
ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ፖስታ ነቲ ዝወደቐ ሰብ ቅርብ ኢሎም ምስረኣይዎ፡ ብዕድመ ናይ ዝደፍአ ሰብ ኣስከሬን ምዃኑ ተረዲኦም።
እቲ ኣስከሬን ናብቲ ቤት ፖስታ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ሓደ ሰብ ናብቲ ትካል ደዊሉ “ኣብ ክንዲ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ጡረታ ክወስድ ከምዝደሊ” ነጊሩ ምንባሩ ማእከን ዜና ኣርቲኢ ጸብጺቡ። እንተኾነ ግና እቲ በዓል ጡረታ ብኣካል እንተዘይቀሪቡ እቲ ገንዘብ ክወሃቦ ከምዘይክእል እዩ ተነጊርዎ።
ሽዑ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዮም ክልተ ሰባት ንሓደ 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣብቲ ቤት ፖስታ “ዝወደቐ” ሰብ ሒዞም መጺኦም። እቲ ሰብኣይ ናብቲ ቤት ፖስታ ቅድሚ ምምጽኡ ሞይቱ እንተነይሩ ንምርግጋጽ መርመራ ይካየድ ምህላው ማእከን ዜና ኣርቲኢ ሓቢሩ።