እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብራ ክኸብር ዝገብሩ ዘለዉ ሸውዓተ ቀንዲ ምኽንያታት
ኣብዚ እዋን ኣብ ምሉእ ዓለም ልዑል ወሰኽ ሸቐጣት ይረኣይ ብምህላዉ ናብራ እናኸበረ ይመጽእ ኣሎ።
ብደረጃ ዓለም ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ካብ 2008 ንደሓር እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ይግለጽ።
ነዚ ምኽንያት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ነገራት ገሊኦም ዝስዕቡ’ዮም።
1. ወሰኽ ዋጋ ጸዓትን ነዳዲን
ዋጋ ነዳዲ ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣንቆልቊሉ’ኳ እንተነበረ ካብኡ ንደሓር ግን ጠለብ ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ። ኣብዚ ቕነ ድማ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ማእኸላይ ዋጋ ቤንዚን ንሓደ ጋሎን (3.7 ሊትሮ) ክሳብ 3.31 ዶላር ይበጽሕ። ዓሚ ግን 2.38 ዶላር ነይሩ። ኣብ ብሪጣኒያን ሕብረት ኣውሮጳን እውን ተመሳሳሊ ኩነታት’ዩ ዘሎ።
ዋጋ ጋዝ እውን ብምውሳኹ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ናብ ጸገም ክኣትዉ ገይሩ ይርከብ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ብወገን እስያ ዘሎ ጠለብ ብዝለዓለ መጠን ብምውሳኹ’ዩ።
ኣብ ኣውሮጳ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ዛሕሊ’ውን ንጠለብ ጋዝ ክንህር ከም ዝገበሮ ይግለጽ።
2. ሕጽረት ሸቐጣት
ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን መብዛሕቲኦም እቶም መዓልታዊ ዝጥለቡ ሸቐጣት ዋግኦም ሰማይ ዓሪጉ’ሎ። ሰባት ብሰንኪ ዕጽዋ ናብ ሬስቱራንትን ንምዝናይን ስለዘይወጽኡ ኣብ ገዝኦም ኣድላዪ ምምሕያሻትን ምትዕርራያትን ንምግባር ተገዲዶም’ዮም።
ፋብሪካታት ብፍላይ ድማ ኣብ እስያ ዝርከባ፡ መብዛሕቲኤን ብሰንኪ መምርሒታት ለበዳ ኮቪድ ክዕጸዋ ስለዝተገደዳ ንጠለባት ከማልኣ ኣይከኣላን። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ፍርያት ፕላስቲክ፣ ኮንክሬት (ካሻስትሩስ)ን ሓጺንን ሕጽረት ስለዘጋጠመ ልዑል ናህሪ ዋጋ ኣጋጢሙ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ከም ናይክን ኮስትኮን ዝበሉ ቸርቻሮ ድማ ወሰኽ ክገብሩ ተገዲዶም ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ቀረባት ዘሎ ወሰኽ ዋጋ’ዩ።
ንኮምፒተራት፣ ማኻይንን ካልኦት ናይ ገዛ ኣቑሑትን ዝውዕሉ ‘ማይክሮቺፓት’ [ኣዝዮም ነኣሽቱ ኤሌክትሮኒክ ናውቲ] ሕጽረት ቀረብ ስለዘሎ ዋግኦም ወሰኽ ተረኣእይዎም ኣሎ።
3. ናይ መጓዓዓዝያ ወጻእታት
ብደረጃ ዓለም ዝተፈላለዩ ኣቑሑትን ሸቐጣትን ዘጓዓዕዙ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣብዚ እዋን ሰፊሕ ጠለብ ስራሕ ይቐርበሎም ምህላዉ ይግለጽ። በዚ ምኽንያት ከኣ ነጋዶ ሸቐጣቶም ናብ መኻዚኖታቶም ክሳብ ዝበጽሕ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ።
ነጋዶ ንመጓዓዝያ ሸቐጣቶም ዝኽፍልዎ ዋጋ እንተወሰኹ ከኣ ተጠቀምቲ ኣብ ዝዕድግዎ ነገር ወሰኽ ዋጋ ይጽንሖም ኣሎ ማለት’ዩ።
ኣብዚ እዋን ካብ እስያ ናብ ኣውሮጳ እትለኣኽ ሓንቲ 40 ጫማ (12.19 ሜ ንውሓት x 2.438 ሜ ስፍሓት x 2.591 m ቁመት) ኮንቴይነር ክሳብ 17,000 ዶላር ይኽፈለላ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ልዕሊ 10 ዕጽፊ ይበጽሕ። ቅድሚኡ 1500 ዶላር ጥራሕ ነይሩ።
ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ግን ኣብ ዋጋ መጓዓዝያ ቁሩብ ምንካይ ዝተረኣየ’ኳ እንተኾነ ኦሚክሮንን ካልኦት ኣብ ቀጻሊ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ዓሌታት እቱ ቫይረስብ ነቲ ምንካይ ናብ ዝነበሮ ከይመልስዎ ይስጋእ።
4. ወሰኽ መሃያ/ዓስቢ
ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ብዙሓት ሰባት ስራሕ እናገደፉ ክወጽኡ ወይ ስራሕ ክቕይሩ ተገዲዶም’ዮም። ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት ስርሖም ከምዘቋረጹ ክፍሊ ሸቕሊ እታ ሃገር ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት። እዚ ድማ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ፋብሪካታት ከም ዘወርቲ መኪና፣ ኣብ ምድላውን ምዕሻግን መግቢ ዝሰርሑ ሰባት ከምኡ’ውን ናይ ኣብያተ ምግቢ ኣሳሰይቲ ኣብ ምርካብ ተጸጊሞም ኣለዉ።
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከቡ 50 ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ፡ 94 ሚኢታዊት ካብቶም ትካላት ንዝጎደልዎም ሰራሕተኛታት ክትክኡ ኣይከኣሉን።
በዚ ምኽንያት ድማ ኩባንያታት ዝሓሸ ክፍሊት ክኸፍሉን መተባብዒታት ከቕርቡን ዝተገደዱን ኮይኖም፤ ንኣብነት ኣማዞንን ማክዶናልድን ካብ 200 ክሳብ 1000 ዶላር ዝበጽሕ መተባብዒ የቕርቡ።
እዚ ከኣ ኣብ ዘፍርይዎም ፍርያት ወሰኽ ዋጋ ንኽገብሩ የገድዶም።
5. ክሊማዊ ጽልዋ
እቲ ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ኩነታት ኣየር ኣብ ብዙሓት ክፋላት ዓለም ዝቕባበ ንኽህልው ጽልዋ ኣሕዲሩ ይርከብ።
እቶም ብገማግም ሜክሲኮ ዝሓለፉን ንትሕተ-ቅርጺ (መሰረተ-ልምዓት) ነዳዲ ኣሜሪካ ዝሃሰዩን ህቦብላታት ኢዳን ኒኮላስን ንዓለማዊ ቀረብ ነዳዲ ጸሊዮምዎ’ዮም።
ኣብ ኣሜሪካ ቴክሳስ ዝርከቡ ፋብሪካታት ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብናይ ሓጋይ ማዕበል ምስተሃሰዩ ነቲ ኣብ ‘ማይክሮቺፕስ’ ጽልዋ ብምፍጣሩ ንጠለባት ምምላእ ኣይተኽኣለን።
እታ ኣብ ዓለም ብመፍረ ቡን እትፍለጥ ብራዚል ብሰንኪ ዘጋጠማ ሕሱም ድርቂ ናብ ዕዳጋ እተቕርቦ ብምንካዩ ኣብ ዋጋ ዝለዓለ ወሰኽ ተራእዩ’ሎ።
6. ናይ ንግዲ ዕንቅፋታት/መሰናኽላት
ብዝለዓለ ዋጋ ናብ ዓዲ ዝኣትዉ ሸቐጣት እውብ ኣብ ምውሳኽ ዋጋ ብጽሒት ኣለዎም። ብድሕሪ ብረግዚት እቶም ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳ ተእትዎም ዝነበረት ነገራት ክንክዩ ዝገብር ሕጊ ከምዘውጽአት ይፍለጥ።
ኣሜሪካ ድማ ኣብቶም ካብ ቻይና ዝኣትዉ ሸቐጣት ዝኽፈል ቀረጽ ክውስኽ ብምግባራ፡ ነቶም ሸቐጣት ዝዕድጉ ተጠቀምቲ በቲ ወሰኽ ዋጋ ክህሰዩ ገይሩ’ሎ።
ቻይናዊ ኩባንያ ቴሌኮም ህዋዌ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኣሜሪካ ማዕቐብ ምስተገበረሉ ንኣሜሪካውያን ኣቕረብትን ብደረጃ ዓለም ዘለዉ ተጠቀምትን ክጽለዉ ኪኢሉ’ዩ።
7. ምቁራጽ ኣብ እዋን ለበዳ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ንጽልዋ ኮሮናቫይረስ ከቃልሉ ብምሕሳን ንትካላት ንግዲ ዝገብርዎ ዝነበረ ሓገዝ የቋርጽዎ ኣለዉ።
ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ከኣ መንግስታት ሃገራት ዘውጽእዎም ወጻእታት ይውስኹን ዝልቅሕዎ ልቓሕ ይቑለልን ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መጠን ግብሪ ወሰኽ ክህልው ይገብር።