እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ኢህወዴግ ናጻ ዕዳጋ ኮነ ናጻ ፖለቲካ ኣየካየደን" ጸደቀ ይሁኔ (ኢንጂነር )
ናይ ፍሊንት ስቶን ኢንጂነሪንግ መስራትን በዓል ኣክስዮንን እዩ። ኣብዚ ዓመት ኣብ ከተማ ደሴ፡ ብ 29 ሚልዮን ብር ወጻኢ ዘስረሖን ብወላዲኡ ዝሰየሞን ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ስርሑ ጀሚሩ'ሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 'ሾተል' ብዝብል ርእሲ ዘሐተማ መጽሓፍ ናብ ኣንበብቲ በጺሓ እያ፡ ጸደቀ ይሁኔ ወልዱ (ኢንጂነር)።
ብዛዕባ እታ መጽሓፍን ሞይኡን ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይሩ ኣሎ
ትኹረት እታ መጽሓፍ እንታይ እዩ?
ጸደቀ ይሁኔ፡- ኣብ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን ዘተኮረ ኮይኑ፡ እቲ ትልሚ ብኽልተ ገጽ ከምዝበልሐ ካራ እዩ፤ ብኣገባብ እንተዳኣ ዘይተታሒዙ፡ ብሓደ ገጽ ጠቓሚ ብኻሊእ ገጽ ድማ ጎዳኢ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።
ወሰንቲ እዮም ዝበልኩዎም ከም ልምዓት ከተማ፣ ኮንስትራክሽን፣ ንግዲ፣ ትራንስፖርትን ፋይናንስን ዝበሉ ዓውድታት ኣብታ መጽሓፍ ብዝግባእ ክድህሳስ ፈቲነ እየ።
ሐዚ ኣብቲ ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎሜሽንን ኢና ዘለና። እዚ ካልኣይ ትልሚ መጽናዕቲ ክግበረሉ ኣለዎ ኢልካክትጽሕፍ ዝተበገስካ መዓስ እዩ?
ጸደቀ ይሁኔ፡- ፈለማ፡ ብመልክዕ በራሪ ወረቐት ገይረ ሓሳበይ ከካፍል እየ ሓሲበ ነይረ። ብዛዕባ ልምዓት ከተማ፣ ኮንስትራክሽን፣ ንግዲ፣ ትራንስፖርትን ፋይናንስን ክንመያየጥ ንዓበይቲ ሰበስልጣናት ብኢሜይል ሓቲተዮም፡ ብዙሕ ነቲ ሓሳብ ኣይተቐበሉዎን።
ብዙሕ ኣይተረደኣንን፡ ዳሕራይ ሓደ ሰብ ነቶም ካልኦት ዓውድታት ውን ሓውሶም ምስ በለኒ፡ ሕርሻን ኢንዱስትርን እውን ወሲኸ ልኢኸሎም።
ኣብዚ ከይዲ እናሃለና እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መጺኡ። ድሕሪኡ ናይቲ ትልሚ ዕብየትን ትራንፎርሜሽንን ዝካይደሎም ህዝባዊ መድረኻት ክካየዱ ጀሚሮም።
እንተኾነ እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታትን፡ እቶም ኣመራርሓ ዝርድኡሉ መገድን ክጠዓዓመለይ ኣይከኣለን።
እቲ ህዝቢ መረረቱ ይገልጽ፡ ንሳቶም ነቲ መፍትሒ ናይ ምፍላይ ዓቕሞም ትሒቱ ተሰሚዑኒ። መሊሰ ንፋና ብሮድካስቲንግን ብሄራዊ ኮሚሽን ፕላንን፡ ሓንቲ ንእስ ዝበለት መድረኽ ነዳሉ ኢለዮም፡ ቅሩብ ሓገዝ ገይረ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ሓንቲ ንእስ ዝበለት መድረኽ ኣዳሊና።
ኣብቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሓሳባት እንትርኢ ብዙሕ ሰብ ኣይተረደኦን። ስለዚ እዚ ነገር አዐርየ እንተረኣኹዎ ይሓይሽ፤ ቁሩብ ብቐሊሉ ምግንዛብ ዝከኣሉ ነገራት ጽሒፈ ብመልክዕ መጽሓፍ እንተስፈርክዎ፡ ኣብዚ ናይ ለውጢ እዋን ብዙሕ ሰብ ተረዲእዎ ነቲ ናይ ለውጢ ኣመራርሓ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ኢለ ሓሲበ ጀሚረዮ።
ነዊሕ እኳ እንተነበረ ንሕትመት ብዝጥዕም ብ 500 ገጽ ኣሰናዲአዮ።
መስመር ወያናይ ዲሞክራሲ ኢህወዴግ፡ ግደፈታት ኣለዉዎ። ብናጽነትን ማዕርነትን ዝኣምን ውድብ፡ ናጽነትን ማዕርነትን ግን ኣየምጸአን። ናጻ ዕዳጋን ናጻ ፖለቲካን ዋና ኣዕማደይ እዮም ኢሉ ዝተበገሰ ውድብ፡ ነጻ ዕዳጋን ነጻ ፖለቲካን ኣየካየደን።
ገና ኣብ 1997 ዓ.ም እቲ ናይ ፖለቲካ ናጽነት ቅልቅል ምስ በለ፡ ሰምቢዱ ዓጽይዎ። እቲ ፖለቲካ ምስተዓጸወ፡ ነቲ ናጻ ዕዳጋ ዝቆጻጸሩ ሓይሊታት መጺኦም ከምዘይነበረ ገይሮምዎ።
ነዚኦም እየ ብመረዳእታ ኣሰንየ ምስ ክልሰ ሓሳባት ብምዝማድ ክሪኦም ፈቲነ።
ንኣብነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ታይዋን ብኣድናቖት እዩ ዝዛረብ። ኮይኑ ግና ብመንጽር ስፍሓትን በዝሒ ነበርትን እንትረአ፡ ካብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዝበልጽ ኢኮኖሚ የብላን። እዚ ናይ ታይዋን ኣካይዳ ኣብዚ ብዝሓነት ዘለዎ ሃገር፡ ክትትግብሮ እንተፈቲንካ ምስ ዲሞክራሲ ኣይኸይድን። ምንኣሳ ጥራይ ከይኮነስ መራሕታ ነቶም ነበርቲ እታ ደሴት ከም ካልኣይ ዜጋ ኣጨኒቆም እዮም ኣዕብዮምዋ። ከምኡ ተጨቍኑ ክዓቢ ዝደሊ ኢትዮጵያዊ የለን።
ቅድሚ 19 ዓመት መለስ ዜናዊ፡ ዲሞክራሲን ነጻ ዕዳጋን ኣማራጺ ዘይኮነስ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ኢሉ ጽሒፉ እዩ። መገድን ሽቶን እዩ ኢሉ እዩ ዝጅምር። ንኹሉ ዘሳተፍ ቅልጡፍ ዕብየት፡ ካብ ልመናን ተጽዕኖ ፖሊሲን ኢሉ ዘቐመጠ ውድብ ዳሓር ግን ናይ ኩሉ መጻወቲ ኮይኑ። ሕዚ 'ውን ምምላስ ይከኣል እዩ። ዝተጽሓፈ ስለዝኾነ፡ ንዕኡ ተኸቲልካ ምኻድ ይከኣል እዩ። ናይ ሰባት ሓሳብ ገጣጢመ እየ ጽሒፈዮ፤ ናይ ባዕለይ ሓሳብ የብሉን።
ብናትካ ሓሳብ ትልሚ ዕብትን ትራንስፎርሜሽንን ናብ መሬት ወሪዱ ድዩ? ዕዉት ዶ ነይሩ?
ጸደቀ ይሁኔ፦ኣብቲ ናይ መጀመሪያ ሓሙሽተ ዓመት መለስ ብህይወት ስለዝነበረ፡ ጽቡቕ እዩ ከይዱ። ብፍላይ ክሳብ 97 ዓ.ም ዝነበረ ነጻ ኣካይዳ፡ ኣብ ምቕናስ ድኽነት ቅድሚ ዝተቐመጠሉ ግዘ ኣብ ምፍጻም ዝነበረ ኣካይዳ ደጊምካ ምምጻእ ይከኣል ነይሩ። ከምኡ ምግባር ግን ኣይተኽኣለን።
ከምዝመስለኒ ድሕሪ 2002፡ ኣብ ጂቲፒ 2 ዝበለጸ ናጻ ፖለቲካን ኢኮኖምን ንምኽያድ ተሓሲቡ፡ ግን ይትረፍ ኣብ ደገ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ባዕሉ 'ውን ነጻ ዲሞክራሲ ጠፊኡ። ኣብቲ ዲሞክራሲ ዝጠፍአሉ እዋን ድማ፡ ሓያላት ዝኮኑ ሰባት ከምዝመስሎም መሪሖምዎ።
ንህዚ ዘይኮነስ ኩሉ ነንባዕሉ ጠጠው ዝበለ ስለዝነበረ፡ መወዳእትኡ ከምቲ እንሪኦ ዘለና ታሪኽ ክኸውን ክኢሉ። ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ፡ ካባይ ብዝሓሸ ዝፈልጥዎ ሰባት ሓደ መዓልቲ ምጽሓፎም ኣይተርፍን።
ሐዚ ግን፡ እንታይ እዩ ተተሊሙ ነይሩ? ናበይ ኢና ክንከይድ? እንተኢልና፡ ቴስዓ ምኢታዊት ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ሕብረተሰብ፡ 41 ምኢታዊት ንባዕሉ ስራሕ ዝፈጠረ እዩ። 39 ምኢታዊት ኣብ ሕርሻ፣ 11 ምኢታዊት ብውልቀን ኣብ መንግስቲ ተቖጺሩን ዝሰርሕ እዩ።
ብዙሕ ግዘ ነቲ 89 ምኢታዊት ህዝቢ ስራሕ ከይሰራሕና ኣብቲ 11 ምኢታዊት ኢና ንከራኸር ዘለና። ኣብቲ መጽሓፍ ዝርዝር ነገራት ተቐሚጡ እዩ። ብዙሕ ግድፈታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ናይ ዕላማ ስሕተት ከምዘይብሉ ግን የረጋግጽ እየ። እቲ ጂቲፒ ተመሊሱ ኣብ መስመር ክኣቱ ኣለዎ።
መንግስቲ ገለገለ ንብረታት ህዝቢ ናብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ንምትሕልላፍ እናተንቀሳቐሰ እዩ። ኣብዚ ስጉምቲ እዚ እንታይ መርገጺ ኣለካ?
ጸደቀ ይሁኔ፦ ልምዓት ኣማራጺ ኣይኮነን። ልምዓታዊ ዘይኮነ መንግስቲ የለን። እቲ ሕቶ መን የልምዕ እዩ። መንግስቲ ዶ የልምዕ ወይስ እቲ ናይ ውልቀ ዘርፊ። ኣብዚ ድማ ዘከራኽር የብሉን። መንግስቲ ከልምዕ ኣይኽእልን። መንግስቲ መሰረተ ልምዓት እዩ ዘልምዕ፡ እቲ ዝተረፈ እቲ ናይ ውልቀ ዘርፊ የልመዖ።
ገንዘብ ዝፈልጥን፤ ንገንዘብ ዝቐውምን ናይ ውልቀ ዘርፊ እዩ። ሃፍቲ ህዝቢ (ስቴት ካፒታል) ድማ መንግስቲ ይቆጻጸሮ። መንግስቲ ካፒታል ኣይሃልዎ እንተኢልና ድማ ሓሽከር ናይ ካልኦት ሃገራት ይኹን ከም ማለት እዩ።ከምዙ ይኹን ዝብል ድማ የለን። በቲ ሐዚ ዘሎ ደረጃ ንቕሓት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ስልጣን ይወርድ።
ዲሞክራሲ ኣብ ዘይማዕበለሉ ሃገር ክልተ መገዲታት ጥራሕ እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ተሳተፍቲ እቲ ኢኮኖሚ፡ ድንበር ተሳጋሪ ኣብ ዝኾነ ናይ ኮንትሮባንድ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ይኣትዉ እሞ መንግስቲ ይንዕቕዎ። ገንዘብ እንትስእን ይወድቕ። እቲ ካልኣይ ኣብቲ ኢኮኖሚ ዘይተሳተፉ ሰባት ይዕምጹ እሞ፡ ሕዚ'ውን የፍርስዎ።
ዲሞክራሲ እንተዝምዕብል ግን መንግስቲ ብመረጻ ጥራሕ እኡ ካብ ስልጣን ዝወርድ። ሕዚ ግን ዲሞክራሲ ስለዘይማዕበለ፡ ዲሞክራሲ ኣብ ምምዕባል ክንሰርሕ ኣለና።
ስለዚ መጀመርያ መንግስቲ እንታይ ክሸይጥ፡ እንታይ ክገድፍ ዘይኮነስ ከመይ ዲሞክራሲ የማዕብል ዝብል ክኾን ኣለዎ። ንሱ ዘይገበርካ ቴሌን መብራህቲ ሃይልን ምሽያጥ ዝበሃል ኣየኽይድን። እዞም ግልጋሎታት ምስ ቀበሌ፣ ወረዳን ከተማን ዝተኣሳሰሩ እዮም። ኩነታት ዕዳጋ ከየረጋጋዕኻ ቴሌ እትሸጠሉ መገዲ እንታይ እዩ? ናይ ገንዘብ፣ ኢኮኖሚ ይኹን ፖለቲካ ትርጉም ኣይህብን።
ምስ ዝነበሩ ዕግርግራት ተተሓሒዙ እቲ ናይ ኮንስትራክሽን ዓውዲ ምዝሕሓል ይረኣዮ እዩ ይበሃል፤ ኣብቲ ዓውዲ ከምዝተዋፈረ ሰብ እቲ ኩነታት ከመይ ትግምግሞ?
ጸደቀ ይሁኔ፦ እቲ ዓውዲ ብኽልተ መገዲ እየ ዝሪኦ። ሓደ ክራይ (ሬንት) እዩ። ከም መሐብኢ እዩ። ኣብ ናይ መንግስቲ በጀት ጽግዕተኛ ስለዝኾና፡ ካብቲ ሓደ መንጢለ ከመይ ናብቲ ካሊእ የምጸኦ ኣብ ዝብል ክርክር ኢና ዘለና።
እቲ ካልኣይ ግን እቲ በዓል ሃብቲ ዝምዝምዞ እንታይ እዩ? በዓል ሃፍቲ ማለት መዝማዚ ማለት እዩ። እንተዘይ መዝሚዝካ ገንዘብ ኣይተዋህልልን( ሰሓቕ...)። ጉልበት እዩ ዝምዝመዝ። እቲ ዝምዝመዝ ጉልበት ድማ ብበዝሒ ኣብ ገጠር እዩ ዘሎ። እቲ ካብ ገጠር ዝመጸ መፍረዪ ሓይሊ እዩ፡ ኣብ ኮንስትራክሽን ዘሎ።
ንድሕነት ሰራሕተኛታት ከይተጨነቕና ካብ ህንጻ እናጽደፍና፣ ሚስማር እናወገኦ፣ ካብ ዝግበኦ ንታሕቲ እናከፈልናዮ ኢና እነትርፍ ዘለና። ስለዚ እዚ ካብ ሓረስታይ ዝተመዝመዘ ገንዘብ፣ ብናይ መንግስቲ በጀት ጽግዕተኛ ዝኾነ ዓውዲ ከመይ ነስተኻኽሎ ዝብል ናይ መጀመሪያ ሕቶ ክኸውን ኣለዎ።
ዝኾነ መንግስቲ እንተመጸ፡ እዚ እንተዘይአዐርዩ፣ መንግስቲ ኣብ ግዝኢት መሰረተ ልምዓት ዘሎ ጉሕለት እንተዘይአዐርዩ ናይ መደብ ለውጢ ኣይመጽእን።
ሎሚ ሎሚ ካልኦት ዓይነት ጉሕለታት 'ውን ናብቲ ዓውዲ እናመጸ እዩ።
ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ኣጋጢሙ ምስተብሃለ ዋጋ ብረት ብ 300 ምኢታዊ ወሲኹ እዩ። ብኪሎ 18 ብር ዝነበረ፡ 54 ብር ኣትዩ። ብሄራዊ ባንኪ ዘውጽኦ ሓበሬታ እንትርኢ፡ ብር ግቡእ ዘይኮነ ተመን ከምዝተውሃቦ የርእየና።
ናብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ምእታው ዝደልዩ መናእሰይ እንታይ ትመክር?
ጸደቀ ይሁኔ፦ከምዝመስለኒ ኣብዝኾነ ሃገር ኮንስትራክሽን፡ ብቐሊሉ ናይ ስርቂ ደኒ ክኸውን ዝኽእል ዓውዲ እዩ። እቲ ግዝኢት መሰረተ ልምዓት ዓብዪ ስለዝኾነ፡ ብዙሓት ነጋርተ ብቐሊሉ ኣይፍለጥን። ሓደ ኣቕሓ መኣዲ ቤት ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ወይ ሓሙሽተ ምኢቲ ዶላር ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ መንጎ ናይቲ ሓደ ዋጋ ነቲ ሓደ ሂብካ፡ ዋና ፍልፍል ከስቢ እዩ።
እቲ ካሊእ ከስቢ መርከቢ ድማ ብናይቲ ሸቃላይ ጉድኣት ምትራፍ እዩ። እዚኦም ክስተኻኸሉ ኣለዎም። ሓደሽቲ ናብ ዕዳጋ ዝኣትዉ መናእሰይ፡ ቅንዕነኦም እንተይጠፍአ፡ ሃገራዊ ተልእኾኦም ከሐይሉ ክንገብር ኣለና። እዚ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዝሰርሕ እዩ። ዓውዲ ኮንስትራክሽን ድማ፡ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ትርፊ የርክብ እዩ ኢለ ይኣምን። ኣነ ብኸምኡ እየ ኣብዚ በጺሐ። ሕማቕ ዘይኮንኩ ቀርየ ዘይኮነስ፡ እታ ሕማቕ መገዲ ቀዲመ ስለዝገደፍኩዋ እያ።