ኢትዮጵያ ካብ ዋንጫ አፍሪካ 2021 ዝተሰናበተት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና

ተጻወትቲ ኢትዮጵያዊ ሱራፌልን ቡርኪናፋሳዊ ኣዳማ ጉይራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገብረ ናይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ምድብ ናይ መወዳእታ ጸዋታ ምስ ቡርክናፋሶ ተጻዊታ ማዕረ እንተወጸት'ኳ፡ ካብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ፈላመይቲ ተሰናባቲት ኮይና።

ተጻዋቲ ቡርኪና ፋሶ ሲሪል ባያላ ኣብ መበል 25 ደቒቓ ካብ ማእኸል መይዳ ዝተሻመያ ኩዕሶ ፈላመይቲ ሽቶ ኣቑጺሩ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ድማ ስቲቭ ያጎ ኩዕሶ ብኢዱ ብምትንካፉ ንኢትዮጵያ ፍጹም ቅላዕ ተዋሂብዎ ነይሩ።

ነቲ ፍጹም ቅላዕ ጌታነህ ከበደ ወቒዑ ነጥቢ ዘቑጸረ ኾይኑ፤ እቲ ጸዋታ ሓደ ንሓደ ማዕረ ክኸውን ክኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ እዛ ነጥቢ ካብ'ቲ ምድባ ንዝኾነ ጋንታ ዘይሰዓረት ኢትዮጵያ ንክትሓልፍ እኹል ኣይነበረን።

በዚ ምኽንያት ድማ ኢትዮጵያ ካብ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ተሰናባቲት እንትትኸውን እንከላ፡ ቡርኪና ፋሶ ካልኣይቲ ኮይና ናብ ቀጻላይ ዙር ጸዋታ ሓሊፋ ኣላ።

ቡርኪና ፋሶ ኣብ መጻኢ ሰንበት ኣብ ዙር 16 ምስ ምድብ ሲ ሞሮኮ፣ ጋና ወይ ድማ ጋቦን ክትገጥም እያ።

ቡርኪናፋሶን ኬፕ ቨርድን ኣብቲ ምድብ ብ 4 ነጥብን ተመሳሳሊ ናይ ሸቶ ፍልልይን እኳ ጸዋተአን እንተዛዘማ ንሓድሕደን ኣብ ዝገበርኦ ግጥም ቡርኪና ፋሶ ስዒራ ብምንባራ ካልኣይቲ ኮይና ናብ ግጥም ዝቕጽል ዙር ሓሊፋ።

ካሜሮን ምስታ ሳልሳይቲ ዝወጸት ኬፕ ቨርድ ተራኺበን ብማዕረ ውጽኢት ዝተፈላለያ ኾይነን፡ ናይቲ ምድብ ኣውራ ኾይና ሓሊፋ ኣላ።

ኢትዮጵያ እንታይ እዩ ዘድልያ ነይሩ?

ዋልያታት ናብ ቀጻሊ ዙር ንክሓልፉ ካብ ሒሳባዊ ቁጽሪ ዝዘለለ ተኣምር የድልዮም ዝብሉ ርእይቶታት ክወሃቡ ቀንዮም።

ኢትዮጵያ ናብ ቀጻላይ ዙር ክትሓልፍ ትማሊ ኣብ ካሜሮን ባፎሳማ ኣብ ዝተኻየደ ጸዋታ ክትስዕር ግድን ነይሩ።

ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ዝሓለፈ ጸዋታ ዘይተሳተፈ ተጻዋቲ ኣስተን ቪላ በርትራንድ ትራኦሬ ናብ ሜዳ እንተተመለሰ'ኳ፡ ቡርኪና ፋሶ ኣብቲ ጸዋታ ክንድዚ ዝኣክል ዘስግእ ጋንታ ኣይነበረን።

ሓላዊ ልዳት ቡርኪና ፋሶ ዝነበረ ሄርቬ ኮፊ ብኮቪድ ምትሓዙ ስዒቡ ኣብ ክንድኡ ዝኣተወ ፋሪድ፡ ጌታነህን ካልኦት መሓዙቱን ንዝፈተንወን ኩዓሳሱ ከሕዊ ተራእዩ እዩ።

ኣብ ናይ መጀመርታ ፍርቂ ጸዋታ፡ ጌታነህ ከበደ ናብ ጎል ዝፈተነን ክልተ ሽቶ ክኾና ዝኽእላ ኩዓሳሱ ብምድሓን ሓላፍነቱ ተዋጺኡ እዩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ቡርኪና ፋሶ ማዕረ ክትከውን ዝገበራ ሽቶ ዝረኸበት ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ኮይኑ እቲ ዳኛ ተንቃሳቓሲ ምስሊ ቴክኖሎጂ [ቪኤአር] ሪእዩ ፍጹም ቕጽዓት ምስ ሃበ እዩ።

ጌታነህ ከበደ ዝወቕዓ ፍጹም ላዕ፡ ኣብ 2021 ዋንጫ ኣፍሪቃ ንዋልያ ካልአይቲ ዕውትቲ ሽቶ ኮይና ክትምዝገብ ገይሩ እዩ።

ዋልያታት ተወሳኺ ሽቶ ንምርካብ ናብ ጎል ዳጋጊሞም እንተፈተኑ'ኳ፡ ሽቶ ክቐንዖም ኣይከኣለን።

ኢትዮጵያ ናብ ቀጻሊ ዙር ክትሓልፍ ተወሳኸቲ ሽቶታት ክተቑጽር ትግደድ ነይራ።