ኩዕሶ እግሪ፡ ውድድራት ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ንመሸጣ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድድር ፕሪምየርሊግ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ክሽየጥ ምዃኑ ነቲ ሊግ ዘመሓድር ሼር ኩባኒያ ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ስያመ ናይቲ ሊግ እውን ንምሻጥ ሓሲቡ'ሎ።
ንምዃኑ እቲ ሊግ ክሽየጥ'ዩ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት'ዩ?

ኣካያዲ ስራሕ ሼር ካምፓኒ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ኣይተ ክፍሌ ሰይፈ፡ ክልተ ቀንዲ ነገራት ንመሸጣ ከም ዝተዳለዉን ጨረታ ከም ዝወጽአን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ፡ ኣብቲ ሊግ ዝካየዱ ውድድራት ብቀጥታ ቴሌቪዥን ከመሓላልፉ ዝደልዩ ዓለምለኸን ሃገራውን ትካላት ነቲ መሰል ፈነወ ንምግዛእ ንኽወዳደሩ ዝቐረበ ጻውዒት እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ ሼር ካምፓኒ ፕሪምየርሊግ ዝጽውዓሉ ስያመ ንመሸጣ ቀሪቡ ኣሎ ኢሉ።
ነዚ መፈጸሚ ዝኸውን ሰነድ ይዳሎ ከም ዘሎ ብምዝኽኻር ድማ እዚ ዝተሓሰበሉ ምኽንያት ንረብሓ ጋንታታት ብምሕሳብ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
"እተን ጋንታታት ንነብሰን ኪኢለን ካብ ናይ መንግስቲ ድጎማ ክናገፋ ንምግባር እዩ ተሓሲቡ ዘሎ" ኢሉ።
ካብተን ኣብቲ ሊግ ዝሳተፋ 16 ጋንታታት እተን ክልተ ጥራይ ንነብሰን ኪኢለን ከም ዝንቀሳቐሳ ብምሕባር እተን ካልኦት መብዛሕቲኤን ናይ ከተማታት ጋንታታት ምዃነን ሓቢሩ።
"ስለዚ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ብምኽንያት መሃያን ጸገማት ምሕደራን ስለ ዘጋጠሞ ነዚኦም ንምፍታሕ ካብቲ ዝርከብ ኣታዊ መሸጣ ዝበዝሐ ሚኢታዊት ነተን ጋንታታት ክውዕል እዩ" ኢሉ እቲ ኣካያዲ ስራሕ።
ነዚ መፈጸሚ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ እተን 16 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዘተ ምስ ተኻየደ እቲ መሸጣ ከም ዝፍጸም ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።
"ተስፋና ኣብ ዓለምለኻዊ ትካላት ቴሌቪዥን'ዩ"
ኣብ ኢትዮጵያ ጣብያታት ቴሌቪዥን ብኽፍሊት እናገዛእካ ምርኣይ ዝተለመደ ኣይኮነን።
እዚ ኣብ ዘይኮነሉ ኩነታት ደኣ ነቲ ውድድር ብቴሌቪዥን ንምፍናው ዝወዳደሩ ትካላት እንታይ ኣታዊ ተስፋ ብምግባር'ዮም ክገዝእዎ?
ኣብ ናይ መወዓውዒ ወይ መወልቲ ገንዘብ ጥራይ ድዮም ክተኣማመኑ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን'ዩ።
ኣካያዲ ስራሕ ሼር ካምፓኒ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ኣይተ ክፍሌ እዚ ጉዳይ ነቶም ዝወዳደሩ ትካላት ዝምልከት ከም ዝኾነ ይዛረብ።
"ንሕና ብዙሕ ትጽቢት ጌርና ዘለና ኣብ ዓለምለኻዊ ትካላት ፈነወ ቴሌቪዥን እዩ። ግን ከኣ ናይ ውሽጢ ዓዲ ትካላት'ውን ክወዳደሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዋና ነገር ግን በዓልቶም ዘቕርብዎ ፕሮፖዛል እዩ ዝውስኖ" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ " 'ክንድዚ ኣታዊ ክንረክብ ኢና፤ ነዓኹም ድማ ክንድዚ ክንህበኩም ኢና' ብዝብል ኣዳልዮም'ዮም ክቐርቡ። ሽዑ እቲ ዝሓሸ ይምረጽ። ብጣዕሚ ብዙሕ ክፋል ማሕበረሰብ ነቶም ግጥማት ይርኢ እዩ" ክብል ገሊጹ።
ንኣብነት ቡና ምስ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝግበር ጸዋታ ኣብ ዝህሉ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ካብ 50 ክሳብ 60 ሽሕ ሰብ ኣብ ስታድየም ተረኺቡ ከምዝርእይ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ይዛረብ።
"ስለዚ እቶም ትካላት'ዮም ካብዚ እንታይ ክንረክብ ንኽእል ኢሎም ትልሚ ብምድላው ውጥኖም ዘቕርቡ። ብኸመይ ገንዘብ ይረኽቡ ዝብል ብናታቶም ፍልጠትን ብቕዓትን'ዩ ዝውሰን" ክብል ሓቢሩ።
ቅድሚ ሕዚ ግጥማት ፕሪምየርሊግ ዝተሸጡሉ ኣጋጣሚ ብዘይምንባሩ ብሰንኪ ሕጽረት ተሞክሮ ጸገማት ክህልዉ ስለዝኽእሉ ዝሓሸ ፍልጠት ምስ ዘለዎም ሰብ ሞያ ብምርኻብ ይስራሕ ከምዘሎ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ንቢቢሲ ገሊጹ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







