ኩዕሶ እግሪ፡ ሓሙሽተ ወሰንቲ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

ምንጪ ስእሊ, STAFFORD ONDEGO
ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ንመጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስ ኒጀር ናይ በጺሕካ መልሲ ግትም ክትገብር እያ።
ነዚ ጸዋታ ካብ ዝተጸውዑ 36 ተጻወትቲ፡ እቶም ‘ወሰንቲ’ ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ተጻወትቲ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ነቲ ጸዋታ፡ ብጠቕላላ 41 ተጻወትቲ እዮም ተጸዊዖም ነይሮም። እቶም ሓሙሽተ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ’ታ ሃገራዊት ጋንታ ክሕወሱ ኣይከኣሉን።
ነቶም ንሃገራዊት ጋንታ ክጻወቱ ዝመጹ 36 ድማ፡ ምርመራ ኮሮናቫረስ ዝተገበረሎም ኮይኑ፡ ብድሕሪ’ዚ እዮም እቶም 5 ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተፈሊጡ።
ምስቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ተጻወትቲ ርክብ ንዝነበሮም ሰባት ንምፍላይ ይስራሕ ምህላዉ ድማ እቲ ፌዴሬሽን ገሊጹ’ሎ።
እቶም ሓሙሽተ ተጻወትቲ፡ ኣብ ሆቴል ንርእሶም ወሺቦም ክጸንሑ ዝተገበሩ ኮይኖም፡ ልምምድ እናገበሩ ቀልጢፎም ክሓውዩ ይጽዕር ምህላዉ እቲ ፌዴሬሽን ይገልጽ።
ውጽኢት ምርመራ ናይቶም ሓሙሽተ ተጻወትቲ ምስተሰምዐ፡ ኣብ ኣባላት ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ስንባደ ፈጢሩ እኳ እንተነበረ፡ ብሰብሞያ ማዕዳ ከምዝተውሃቦም ተሓቢሩ።
ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ እቶም ተጻወትቲ ን 14 መዓልታት ንርእሶም ኣግሊሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓውዮም ናብ ልምምድ ክምለሱ ተስፋ ሒዙ’ሎ።
ኢትዮጵያን ኒጀርን ዝገብረኦ ጸወታ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ 30 ጥቅምት 2013 እዩ ክካየድ።




![ቤት-ጽሕፈት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ [ካፍ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/11A15/production/_110931227_18f87a45-31fc-48d1-bd24-a76d04ea7481.jpg.webp)

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







