ኣመሪካን ጃፓንን፡ ህዝበን እሳተ ገሞራ ዘበገሶ ማዕበል ከይጉዳእ ካብ ገማግም ባሕሪ ክርሕቑ ኣጠንቂቐን

ኣመሪካን ጃፓንን፡ ህዝበን ብሰንኪ ካብ ደቡብ ፓስፊክ ዝተልዓለ እሳተ ገሞራ ዘበገሶ ማዕበል [ሱናሚ] ከይጉዳእ ካብ ካብ ገማግም ባሕሪ ክርሕቑ ኣጠንቂቐን።

ጃፓን ክሳብ ሰለስተ ሜትሮ ዝበጽሕ ዕምቆት ዘለዎ ማዕበል ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ ኣላ።

ዛጊድ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብ1 ነጥቢ 2 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ማዕበል ከምዝተወቕዐ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣመሪካ ብወገና፡ ገማግም ባሕርታት ብሓያል ህቦብላን ማዕበልን ክጥቅዑ ከምዝኽአሉ ኣጠንቂቓ ኣላ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝተኸሰተ ብርቱዕ እሳተ ጎመራ፡ ክሳብ ሓደ ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ ማዕበል ዘስዐበ ኮይኑ፡ ቶንጋ ምስ ዝተብሃለት ግዝኣት ከምዝተጋጨወ ውን ተሓቢሩ።

እዚ ‘ቶንጋ-ሁንጋ-ሃፓይ’ ዝተብሃለ እሳተ ገሞራ ኣብ ደቡብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝተተኮሰ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ኣመሪካ ከቢድ ድምጺ ተሰሚዑ እዩ።

ናይዚ እሳተ ጎሞራ ምትኳስ ስዒቡ፡ ብዙሓት ግዝኣታት ቶንጋ ብሓሙኽሽቲ ዝተሸፈና ኮይነን፡ መስመራት ኤሌክትሪክ፣ መስመራት ስልክን ግላጋሎት ኢንተርኔትን ተቛሪጹ ኣሎ።

እቲ እሳተ ጎመራ ዘብጸሖ ጉድኣት መጠን ዛጊድ ኣይተፈልጠን።

ኣብ ማሕበራዊ መራኺቢታት ዝወጽኡ ምስልታት ቤተ-ክርስቲያንን ካልኦት ዝተፈላለዩ ገዛውትን ብማይ ተውሒጦም ዘርእዩ ኾይኖም፡ ርእሰ ከተማ ኑኩአሎፋ ብሓሙኽሽቲ ከምዝተሸፈነት መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

ብዙሓት ብመኪና ንምህዳም እንትፍትኑ፡ ከቢድ ናይ ትራፊክ ምጭንናቕ ከምዝተፈጥረን፡ እቶም ብማሕበራዊ ሚድያ ዝወጽኡ ምስልታት የመልክቱ።

ነባሪት እታ ከተማ ዝኾነት ሜሬ ታውፋ፡ እቲ ድምጺ እሳተ ጎመራ ዝተሰምዐ ስድራኣ ንድራር ኣብ ዝተቐረብሉ እዋን እንትኸውን፡ ንእሽተይ ሓዋ ኣብቲ ከባቢ ቦምብታት ዝወደቑ መሲልዎ ከምዝነበረ ገሊጻ።

እታ ውልቀ ሰብ፡ "መጀመርታ ንንእሽቶ ሓፍተይ ጎቲተ ናብ ትሕቲ ጠረጴዛ ሓቢአያ። ወለደይን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝነበሩ ሰባት ናብ ትሕቲ ጠረጴዛ ክኣትዩ ዓው ኢለ ተዛሪበ” ክትብል ስተፍ ኮ ንዝ ንዝተብሃለ ናይ ኒውዚላንድ ሚድያ ተዛሪባ።

ንሳ ከምእትብሎ፡ ብድሕሪኡ ናብ ገዛውቶም ቀልጢፉ ማይ ክኣቱ ጀሚሩ።

“በብከባቢኡ ኣውያት ክስማዕ ጀሚሩ፤ ብዙሓት ድማ ህዝቢ ናብ በረኽቲ ቦታታት ክወጽኡ ዓውታ የስምዑ ነይሮም " ክትብል ወሲኻ ገሊፃ።

ካብቲ ዝተተኮሰ እሳተ ጎመራ ዝፈሰሰ ጋዝ፣ ትክን ሓሙኽሽትን ናብ ሰማይ ኣስታት 20 ኪሎሜትሮ ከምዝበጽሐ ቶንጋ ጂኦሎጂካል ሰርቪስ ሓቢሩ።