ካልኣይ ማዕበል ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ስግኣት ይፈጥር

ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ ንመነባብሮ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ከምዘሎ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

እቲ ውድብ ከምዝበሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ካልኣይ ማዕበል ዕስለ ክራባሕ ምቹእ ኩነታት ተፈጢሩ'ሉ። ኬንያ'ውን ካብቲ ሓደጋ ናጻ ከምዘይኮነት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ክልቲኡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ምርባሕ'ውን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ስዑዲ ዓረብን የመንን ሓድሽ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ድሮ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ፡ ን70 ዓመታት ዘይተራእየ ምዃኑ ይንገር።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ተደጋጋሚ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ከጋጥመን ጸኒሑ'ሎ።

"ኣብ ኬንያ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝኾነ እዋን ከጋጥም ይኽእል'ዩ፡ ሕጂ'ውን ክረአ ይኽእል'ዩ" ክብል ላዕለዋይ ተኸታታሊ ወራር ኣንበጣ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ኪዝ ክረስማን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝራኣናዮ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ምኽንያቱ፡ ስፍሓት ናይቲ ዝራባሓሉ ዘሎ ቦታ ክሳብ 350 000 ትርቢዒት ኪሎሜትር ዝኸውን'ዩ።"

ካብ ጥሪ ክሳብ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ መጋሃጫን ዘራእትን ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዶም'ዮም።

"ብሰንኪ እቲ ዕስለ፡ ዝበዝሐ መጋሃጫታትናን ኣትክልትናን ሲኢንና ኢና። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብቐሊል ዘይግመት ቁጽሪ ጥሪት ከሲርና ኣለና" ይብል ኣብ ዞባ ኖርዝ ሆር፡ ኬንያ ዝነብር ብጉስነት ዝመሓደር ጎንጆባ ጉዮ።

"ብሰንኪ ወራር ኣንበጣ 14 ኣጣል፡ ኣርባዕተ ኣሓን ክልተ ኣግማልን ከሲረ ኣለኹ። ሕጂ ኸኣ ተመሳሳሊ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከየጋጥመና ፈሪሕና ኣለና።"

ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ፋኦ፡ ከምዝብሎ፡ ሃገራት እቲ ዞባ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ዝለዓለ ምድላዋት ገይረን ኣለዋ።

ምንጻግ ጸረ-ኣንበጣ መድሃኒት ብነፈርትን ኣብ ባይታን ዘካተተ፡ ልዑል ምክትታልን ድልውነትን ከምዘሎን፡ ኣብ 10 ሃገራት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን 'ኤከር' መሬት ጸረባልዕ ከምዝተነጽገሉ ጸብጻባት ይገልጹ።

እቲ ብሕጂ ዝመጽእ ዕስለ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝዓበየ እንተኾይኑ ግን ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ከይከውን ስግኣት ኣሎ።

ምቹእ ኩነታት ኣየርን ዘይምርግጋእን

ኪኢላታት ከምዝብልዎ፡ ካብ መስከረም ክሳብ ሕዳር ኣብ ማእከላይ ክፋል ሶማልያን ምብራቓዊ ክፋል ኢትዮጵያን ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝናብ ሃሪሙ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ባይታ ቆጽለመጽሊ ከብቁልን ከጨብጭብን ኪኢሉ'ሎ።

"እዚ ኸኣ፡ ኣንበጣ ክራባሕ ምቹእ ባይታ ፈጢሩ'ሎ" ዝበለ ክረስማን፡ እቶም ከባቢታት ቀንዲ መራብሒ ምዃኖም ይገልጽ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣንበጣ ካብ ንጽል ናብ ጉጅለ ክሰጋገሩ ይኽእሉ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ናብ ዕስለ ክዓብዩ ይኽእሉ።

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገምን፡ ግጭትን ኣብቲ ክህሉ ዝግብኦ ምድላዋትን ናይ ምክልኻል ንጥፈታትን ጽልዋ ከምዝህልዎ ይግመት።

ሶማልያ፡ ንዊሕ እዋን ምርግጋእ ዝተሓረማ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ኲናት እትርከብ የመን ብወገና፡ እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣጋጢምዋ ዘላ ሃገር'ያ።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ወታሃደራዊ ግጭት፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተወድአ ጸብጻባት ይገልጹ።

ስለዚ እዚ ኣቐዲሙ'ውን ብሕዱር ድኸነት ክሳቐ ዝጸንሐ ዞባ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ዘይምርግጋእን ኣብ ሓደ እዋን ከአንግድ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።