ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ኤርትራ፡ 'ስማዊ' ጉድኣት ጥራይ'ዩ ኣውሪዱ ክብሉ፡ ሰብመዚ ተዛሪቦም

ኤርትራ ብወራር ኣንበጣ ዝወረደ ጉድኣት ምስቲ ብደረጃ ሃገር ዝለምዐ ዘራእቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ 'ኣዝዩ ስማዊ ምዃኑ' ተገሊጹ።

ካብ ኢትዮጵያ ዝሰግር ወራር ኣንበጣ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ዞባታት እታ ሃገር ከም ዝተርኣየን፡ ንምቁጽጻሩ ሓያል ስራሕ ይስራሕ ብምህላው ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየሎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምግላጹ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ገሊጸን።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ቀጻሊ ወራራት ኣንበጣ ካብ ኢትዮጵያ ይኣትው ከም ዘሎን እቲ መኸተ ኣብ መላእ ሃገር ይቕጽል ምህላውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ዛጊት ልዕሊ 30 ሽሕ ሄክታር በቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገረን፡ ኣብታ ሃገር ዝጸፈየን ኣንበጣ ዝተወረረ መሬት፡ መድሃኒት ከም ዝተነጸጎን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተወን ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም፡ ንኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

"ዝመጸና ወራር ኣዝዩ ከቢድ እዩ፤ ብቐትሪ ጸልማት ክፈጥር ዝኽእል ኣዝዩ ከበድቲ ዕሰለታት እዩ ዝመጽእ ዘሎ" ብምባል፡ ነዚ ንምብዳህ ከቢድ ስራሓት ይካየድ ምህላው፡ ኣቶ ቴድሮስ ተዛሪቡ።

ናይ መጀመርታ ዕስለ ኣንበጣ ጥቅምቲ 15 ብከባቢ ሰንዓፈ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰገረ ዝገልጽ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ቡቕሊ ኣቶ ሓጎስ ሃይለ ብወገኑ፡ ኪንዮ እቲ ንምክልኻል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ህዝቢ ኣቐዲሙ እኽሉ ክእክብ ተሓቢርዎ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ጉድኣት ንእሽቶ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣቶ ሓጎስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ዞባ ካብቲ ዝተዘርአ ሓደጋ ዝበጽሖ ዘራእቲ ብሚእታዊ ክረአ እንከሎ፡ ትሕቲ 0.38% እዩ ብምባል ሒደት ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ ቡቕሊ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣስራት ሃይለ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝተዘርአ 29 ሽሕ ሄክታር ኣብ 6320 ሄክታር ብኣንበጣ ተወሪሩ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ጉድኣት ዝበጽሖ ትሕቲ 5 ሄክታር ምዃኑ ንኤሪቲቪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

ኣብቲ ናይ ምክልኻል ስራሓት፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ሞያውያን ሕርሻ፡ ህዝብን ምምሕዳራትን ብምውህሃድ ይዕመም ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ዘራእትን መገሃጫን ከቢድ ጉድኣት ብምውራዱ፡ ውሕስነት መግቢ ሓደጋ ከምዘንጸላለዎ ሕቡራት ሃገራት ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።