እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስን ወራር ኣንበጣ በረኻን፡ ቀጸልቲ ብድሆታት ኢትዮጵያን ኤርትራን
ኣንበጣ ዝኾነ ዓይነት ድምጺ ዘይሰምዕ፣ ኣብ ጸልማት ከይተረፈ ዝበልዕ፣ ቑሪ ዝኽእል እንተዝኸውን ነይሩ፡ ብቐሊሉ ምብራር ኣይምተኽኣለን፡ ይብሉ ኣብ ትግራይ ብተበግስኦም ኣብ መኸተ እቲ ዕስለ ተዋፊሮም ዝነበሩ መናእሰይ።
'ኣንበጣ ዝኾነ ዓይነት ድምጺ ዝሰምዕ ባልዕ ምዃኑ ቐልጢፍና ንክነባርሮ ዓብዪ ዕድል ነይሩ' ክብሉ'ውንብል ተዘክርኦም ይዛረቡ።
ነዚ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ካብ ዝዓረፈሎም ከባቢታት ማእኸላይ ዞባ፣ ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ካልኦትን ንምብራር ኣብ ዝተገብረ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን መናእሰይን ዝርከቡዎ ወፍሪ፡ ካብ መዐሸጊ ዝስተ ማይ ክሳብ ርችት፣ ሳክስፎንን ካልኦት ድምጺ ዘውጽኡ ዘበሉ ከባቢያዊ ናውታት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ተዓዚብና።
ወዲ 87 ዓመት ሻምበል ሃይለኪሮስ ፍስሃ፡ ቅድሚ 61 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝነበረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘስዓቦ ሓደጋ ኣጸቢቖም ይዝክሩዎ።
ዳግም ኣብ ዕድሚኦም ሓደገኛ ዕስለ ኣንበጣ ተኸሲቱ ምርኣይ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ከም ዘተሓሳስቦም ክገልጹ እንከለው፡ ግን ድማ ዘራእቲ ኣብሪሱ 'ዳግማይ ዘመን ኣንበጣ' ከም ዘይብሃል ተስፋ ይገብር ይብሉ።
"እዚ ዘመን [ዘመን ኣንበጣ] እሞ ታይ ኢልካ ክትዝክሮ?" ዝብሉ ሻምበል ሃይለኪሮስ፡ "ቀደም ዘብጽሖ ጉድኣት ሕዚ መዚነ ክገልጾ ኣይክእልን፤ ዓብዪ ሓደጋ እዩ ነይሩ። ዓቕሚ፣ ዕያል ተሃልዩካ ትከላኸሎ እንተዘይሃሊዩካ ድማ ደው ኢልካ እተብልዐሉ ዘመን እዩ ነይሩ" ብማለት ከቢድ እዋን ከም ዝተሓለፈ ይዝክሩ።
ሎሚ ዘበን መናእሰይን ህዝብን ነቲ ዕስለ ኣብ ምክልኻል ዘርኣዮ ንጥፈት ከም ዘግረመሎም ብምግላጽ፡ "ሎሚ ኢና ታሪክ ዝረኣና፤ ቐደም ኣብ ግራትካ ሓደጋ ከይበጽሓካ ምክልኻል እንተዘይኮይኑ፡ ዘይነበረ ኣይጸውን ህዝቢ ተሓባቢሩ ተኸላኺሉ ኣይፈልጥን። ሎሚ ግን ኣንበጣ ከም ናይ ወጻኢ ጸላኢ ህዝቢ ብሙሉኡ ወጺኡ ክሰጎ ምርኣይ ታሪኽ'ዩ" ይብሉ ሻምበል ሃይለኪሮስ።
ኣብ ከባቢ 50ታት ኣብ ኢትዮጵያ ወራር ዕስለ ኣንበጣ እንትኽሰት፡ ሰናይ ዘበን ይብሃል ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ተመራማሪ ሕርሻ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ ካብ ምብራቕ የመን፣ ጂዳ ተበጊሱ ዝተባህለ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዝባጽሐ ዘርኢ መሸላ ሃሰያ ከውርድ ከም ዝርኣዩ ተዘክርኦም ይዛረቡ።
"ርዱእ ብዝኾነ መዐቀኒ ሕዚ ኮይንካ ክትሪኦ ከለኻ ሽዑ ዝነበረ ምህርቲ ኣብሪሱዎ'ዩ። ብፍላይ ጽቡቕ ዘርኢ መሸላ ባጺሑ ሰናይ ዘበን እናተባህለ ከሎ መብዛሕትኡ ኣብ ዝባጽሐሉ እቲ ኣንበጣ ጥዋዕዋዕ ምስ ኣበሎ፡ እቲ ህዝቢ ናብ ጥምየት ተቓሊዑ፤ ልዑል ውሽጣዊ ምዝንባል ምንባሩ ይዝክር" ይብሉ።
ኣብቲ ግዜ፡ ዝተወደበ ህዝብን ኣሰራርሓ ብዘይምንባሩ ሓደጋ እቲ ዕስለ ኣብ ምክልኻል ዝተርኣየ ጥርኑፍ ምንቅስቓስ ብዘይምንባሩ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ክፍጠር ክኢሉ'ዩ።
"ዋላ'ኳ ሰፊሕ ኣይኹን ብባህላዊ መገዲ ጡሽ ገይርካ እቲ ኣንበጣ ንምብራር ፈተነ ይግበር ነይሩ። ካብ ማእከል ዓዲ፣ ሃረርጌ፣ ኣርሲ፣ ባሌ መጺኦም ዝመሃሩ ዝነበሩ ደራሳ ዝበሃሉ ተመሃሮ ብወገኖም ብዝሒ ስለ ዝነበሮም ጻዕዳ ጨርቂ ገይሮም ነቲ ኣንበጣ ካብቲ እኽሊ ዘለዎ ከባቢታት ናብ ጎቦ ክኸይድ ይገብሩ ነይሩ። ግን ሽዑ እቲ ህዝቢ ብዝሒ'ውን ስለ ዘይነበሮ ምቁጽጻር ስለ ዘይተኽኣለ መሸላ ብብዝሒ ተበሊዑ ምንባሩ ይዝክር" ኢሎም።
ሕጂ፡ ወዲብካ ክተንቀሳቕሶ እትኽእል ህዝብን ቴክኖሎጂካዊ ሓገዛትን ብምህላዮም ምስ ስግኣታቱ ብውሑድ ህዝቢ ንጥምየትን ስደትን ክቃልዐሉ ዝኽእል ዕድል ከም ዘሎ እዞም ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ።
"ብመሰረቱ ንቕሓት ናይቲ ህዝቢ ንንበይኑ እዩ። ሎሚ ዘበን እኽሊ በላዒ ከይበልዖ ኢሉ ንህዝቢ ዝሓስብብ መንግስቲ'ውን ንርኢ ኣለና፤ እቲ ቀደም ግን መድሓኒት ዝነጽጋ ነፈርቲ እንተነበራ'ውን መንግስቲ ነይሩ ኢልና ንጸውየሉ ኣይነበረይ። ብጥቕሉሉ ናይ ሎሚ ዘበን ኣንበጣን ናይ ቀደም ኣንበጣን፣ ናይ ሎሚ ዘበን ህዝብን ናይ ቀደም ህዝብን፣ ናይ ሎሚ መንግስትን ናይ ቀደም መንግስትን ፈጺሞም ኣይራኸቡን" ይብሉ ሻምበል ሃይለኪሮስ ፍስሃ።
ዕስለ ኣንበጣ ድሕሪ 61 ዓመት
እዚ ኣብ ልዕሊ ኣእኻልን መሃጋጫ ጥሪትን ዕንወት ዘውርድ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዘይተርኣየ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ብመሰረት መጽናዕቲ ውድብ መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ሓደ ዕስለ ኣንበጣ፡ ናይ ዓመት መግቢ ናይ 2,500 ሰባት ክበልዕ ይኽእል።
ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ዓለም ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ተቖሪኑ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝቕጽል ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ ዝገልጽ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም፡ ብምኽንያት እዚ ሓደ ሚሊዮን ዝጽግዑ ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮም ኣጠንቂቑ።
ክልል ሶማሌ እቲ ኣዝዩ ዝተጸለወ ከባቢ ኮይኑ፡ ኦሮሚያን ድሬዳዋን፣ ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ከምኡ'ውን ክልል ህዝብታት ደቡብ ብዕስለ ኣንበጣ በረኻ ተወሪሮም ከም ዘለው ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።
ኣብዚ እዋን እዚ እቲ በላዕተኛ ባልዕ ኣብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዕንወት ኣብጺሑ ናብ ኬንያ ሰጊሩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ካብቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተራእየ ወራር ዝኸፍአ ክኸውን እንለከሎ ኣብ ኬንያ ግን ቅድሚ ሰብዓ ዓመት እንተዘይኮይኑ ከምዚ ኣይተራእየን።
ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመላኽቶ፡ ኣስታት 200 ሽሕ ሄክታር ተሓራሳይ መመሬት ብምውራር ልዕሊ 356 ሚሊዮን ቶን ዘርኢ መሸላ፣ ዕፉንን ስርናይን ኣብሪሱ'ዩ። ክልላት ኦሮሚያ፣ ሶማሊን ትግራይን እቲ ዝለዓለ ክሳራ ዘጋጠመን ክልላት ምዃነን ይጠቅስ።
ብተወሳኺ 1.3 ሚሊዮን ቶን ዝጽጋዕ መጋሃጫ ብምኽንያት እቲ ዕስለ ኣንበጣ ጉድኣት በጺሑዎ'ዩ።
ተወካሊት ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ፋጡማ ስዒድ፡ "ወራር ኣንበጣ በረኻ ንምክልኻል ጻዕሪ ይግበር'ኳ እንተሃለወ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝጋፍሐሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ ኣብተን ብወራር ኣንበጣ በረኻ ተሃስየን ዘለዋ ክልላት ዝነብሩ ሰባት ምሕጋዝ ከድሊ'ዩ" ኢላ።
ክልቲኦም ኣብ ናብራ እቲ ገባርን ናይ ገጠር ቁጠባን ሰፊሕ ጉድኣት ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ሕዚ ምግማት ይከኣል'ዩ ዝብሉ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፡ ብወፍሪ ንከይትከላኸሎ ድማ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምትሕልላፍ ጸገማት ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ይዛረቡ።
"እቱ ገባር ግን ኣብ ሕርሻ ቦትኡ ምስ ቤተሰቡ ኮይኑ ተረሓሒቑ ክሰርሖ ዝግባእ ነገር ክህሉ'ዩ። በዚ ብዝተወሰነ መልክዑ ሓደግኡ ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና፤ እቲ ጸገም ግን ብሓቂ'ውን ከቢድ እዩ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ ብዙሕ ሳዕቤን ከብጽሕ ከም ዝኽእል ሕብረተሰብ ብኣጋ ክርዳእ ብምግባባር ኣብ ከባቢኡ ክገብሮ ዝኽእል ምህዞ እናምሃዘ እንተከይዱ ክንከላኸለሉ እንኽእል መገዲታት ክህሉ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ይብሉ።
እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ካብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ዝብገስ ምዃኑ ዝገልጽ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም [ፋኦ]፡ እዚ ናይ ሎሚ ዘበን ድማ ብርቱዕን ሰፊሕን ከም ዝኾነ የመልክት።
እንታይ ክግበር ይከኣል?
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተደራቢ ስግኣት ህልውና ሰባት ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ እቲ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ብሓባር ወፊርካ ንምክልኻል ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ዝጠቕሱ ፕሮፌሰር ምትኩ፡ ብኣጋ ግን ሓረስታይ ዘድልዮ ናይ ምህርቲ መሰሰኒ ናውቲ ብግዝኡ ክበጽሖ ምግባር ከድሊ እዩ ይብሉ።
ኮሮናቫይረስ'ውን ቐታል ኣብራስን ምዃኑ፤ ኣንበጣ ዝብሃል ወራሪ እኽልን መጋሃጫን'ውን ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ዓብዪ ጉድኣት ከም ዘብጽሕ ኣንይንጠራጠር፤ ግን እቲ ግዜ ምስቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ዝወዳደር ስለ ዘይኮነ፡ ቅድመ ምድላው ክግበር ኣለዎ" ይብሉ።
ብኢድካ ብምንፋሕን መካይን ብምጥቃምን ወይ'ውን ብነፈርቲ ጌይርካ ኬሚካል ምንጻግ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ዕስለ ኣንበጣ ምቕታል ስለ ዝከኣል፡ ፋኦ ሰብ ሞያ እቲ ዕስለ ንምውጋድ እዚ ሜላ ክጥቀሙ ይምዕድ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ መብዛሕትኡ እቲ ኣንበጣ ዝተኸሰተሉ ከባቢ ብዙሕ ናይ ንህቢ ዕስለ ቖፎታት ስለ ዘለዎ ግን፡ ኩለ መዳያዊ ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ፕሮፌሰር ምትኩ የዘኻኽሩ።
"ብቐጻላይ ብዝተወሰነ መልክዑ ኬሚካል ኣብ ምንጻግ ክህሉ ስለ ዝኽእል ንዘለና ፍርያት መዓር ከይጉዳእ ነቶም ኣናህብ ጸገም ከየምጽእ ጥንቃቐ ብምግባር ኬሚካል እናነጸግካ ክውገድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብኣውርኡ ግን ሓፈሻዊ ናይ ከባቢ ኣየር ለውጢ ስለዘሎ ኣንበጣ'ውን ምስዚ ዝተሓሓዝ ስለ ዝኾነ፡ ናይዚኦም መረዳእታ እናኣከበ ዝምግብ ትካል የድልየና እዩ"።
እቲ ቁውም ነገር ግን ኣንበጣ፣ ኾነ ካልኦት ለበዳታት ከም ዝመጽኡ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ዝእክብን ዝትንትን ትካል ከም ዘድሊ ብምግላጽ፡ ነዚ ዝምልከት ዝወሃቡ ሓበሬታታት ከየስተናዓቕኻ ተኸታቲልካ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምቲ ኣቐዲምካ እንተተወሲዱ ምቁጽጻር ከም ዝከኣል ኣአንፊቶም።