እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ቤትፍርዲ ስዑዲ ዓረብ ንፈለማ እዋን መንነት ጾታዊ ጥቕዓት ዝፈጸመ ሰብ ክቃላዕ ኣዚዙ
ቤትፍርዲ ስዑዲ ዓረብ፡ በጾታዊ ጥቕዓት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሰብ ንህዝቢ ክቃላዕን ክዋረድን ንፈለማ እዋን ኣዚዙ።
ያስር ኣል-ኣራዊ ንሓንቲ ሰበይቲ ጽዩፍ ዘረባ ብምዝራቡ እዩ ብቤትፍርዲ መዲና ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
ንሸሞንተ ኣዋርሕ ማእሰርትን ናይ 1,330 ዶላር ገንዘባዊ መቕጻዕትን ከኣ ተበዪንዎ።
እቲ ጸረ-ጥቕዓት ሕጊ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተመሓየሸ ክኸውን እንከሎ፤ ስማት በደልቲ ብክሳርኦም ኣብ ጋዜጣታታት እቲ ከባቢ ክሕተም ዘፍቅድ እዩ ኮይኑ።
ደያኑ "ንኽብደት እቲ ገበንን ኣብ ሕብረተሰብ ንዝፈጥሮ ጽልዋን" ብምፍታሽ ከምኡ ምግባር ዘድልይ እንተኾይኑ ይውስኑ።
እቲ ምምሕያሽ ናይ ሕጊ ብብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተቐባልነት ክረክብ እንከሎ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ "ንነዊሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ" ክብል እዩ ገሊጽዎ።
እቲ ኣብ 2018 ተግባራዊ ዝኾነ ሕጊ ዛጊት ክሳዕ ክልተ ዓመት ማእሰርትን ክሳዕ 27,000 ዶላር ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ኣብ ልዕሊ እቶም ብጾታዊ ጥቕዓት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ኣስዒቡ ኣሎ። እቶም ደጊሞም ዝበደሉ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርትን ክሳዕ 80,000 ዶላር መቕጻዕትን ይብየነሎም ኣሎ።
ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ግና፡ ሰብ መዚ፡ ጾታዊ ጥቕዓት ደው ንምባል ጌና እኹል ጻዕርታት ይገብሩ ከም ዘየለው እየን ዝዛረባ።
ኣብ ቀረባ እዋን ርእይቶኣ ንቢቢሲ ዘካፈለት ሓንቲ ስዑዳዊት ብዛዕባ ጾታዊ ጥቕዓት ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝወሃብ ርእይቶታት ዝበዝሕ ግዜ ነተን ደቀንስትዮ ዝወቅስን ነተን ግዳያት ከም በደለኛታት ዝቀጽዕን እዩ ኢላ።