እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ‘ፈጠራ’ ክብል ነጺጉ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ ማእሰርትን ምንክልባትን ይገጥሞም ኣሎ ንዝብል ጸብጻብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ነጺጉ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እዚ ክሲ ሂዩማን ራይትስ ዎች “ፈጠራ’ዩ” ኢሉ።
“ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ድርሰታት ኣለውዎ” ዝበለ እቲ ኣምባሳደር እዚ ጸብጻብ “ሓደ ካብ’ቶም ድርሰታት እዩ” ኢሉ።
ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ቅድሚ ክልተ መዓልትታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝተመለሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣሲሮም ከምዘጋፍዕዎም ገሊጹ እዩ።
እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት እቶም ተመለስቲ ስደተኛታት ማእሰርቲ፣ ምንክልባት ከምዝተገበረን ዝርከብሉ ቦታ ከምዘይፍለጥን ብምምልካት፡ መንግስቲ ስዑዲ ነቶም ስደተኛታት ዝሕዘሉ ኣሰቃቒ ኩነታት ከመሓይሽን ናብ ኢትዮጵያ ምስጓግ ደው ከብልን ሓቲቱ።
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጸብጻብ እቲ ትካል “ኣካል እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ እዩ” ኢሉ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች እቶም ካብ ስዑዲ ዝተመለሱ ተጋሩ ዝገጠሞም ምንክልባት ብዝምልከት ካብኣታቶም ን23 ከምዘዘራረበ ብምጥቃስ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ሰመራ ዓፋር፣ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሾኔ፣ ኣብ ኦሮምያ ጂማ ኣብ ዝርከቡ መጽንሒ ቦታታት ተታሒዞም ምጽንሖም ከምዝሓበሩ ገሊጹ።
እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻቡ ከምዘመልከቶ ነቲ ጉዳይ ብምጥቃስ ምላሽ ንምርካብ ንመሪሕነት ኮምሽር ስግኣት ሓደጋ፣ ንፌደራል ፖሊስ፣ ዋሽንግተን ንዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብን ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ ብደብዳበ ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ከምዘይረኸበ ኣረዲኡ።
ብዛዕባ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓተተ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ “ብከባቢ፣ ብመንነት ዝተፈለየን ዝተጎድአን ሰብ ኣይነበረን። ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሓ’ውን ኣይነበረን” ክብል ነጺግዎ።
እቲ 14 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ተጋዲዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ምንክልባትን ማእሰርትን የጋጥሞም ምህላዉ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻባቶም ኣስፊሮም እዮም።
ቅድሚ ሕጂ፡ መንግስቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ኣብ ቀይዲ ዝኣትው ሰባት ብመንነቶም ዘይኮነ ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለታት ርክብ ከምዘለዎም ተጠርጢሮም እዮም ምባሉ ይዝከር።