ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዘንኳሕኾሐ ናይ ቻይና በርበረ ኣበይ ኣተወ?

እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ እዋን ክረምቲ ከቢሩ ዝፀንሐ ዋጋ በርበረ ዝረጋግዐሉ፣ ሓድሽ ፍርያት ዝሕፈሰሉን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንነዊሕ ግዘ ዘፅንሖም በርበረ ዝዕድግሉን እዋን እዩ።

እዚ እዋን ሓረስታይ፣ ሸመትቲ፣ ነጋዶን ደለልትን ብሓባር ዝረባረብሉ እዋን’ዩ።

ርእሰከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ በርበረ ኣፍርያ ንኢትዮጵያ’ኳ እንተዘይመገበት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝፈረየ በርበረ ተኣኪቡ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝከፋፈለላ እያ። ብሚልየናት ዝቑፀር ገንዘብ ዝንቀሳቐሰሉ ተኽለሃይማኖት ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብር፡ በርበረ እዩ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ “ናይ ቻይና በርበረ” ዝብል ዘይተለመደ ምህርቲ ኣብ መከፋፈልቲ ከምዝኣተወን ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ከምዝጠፍአን ነጋዶ ይዛረቡ።

ነጋዳይ ብርሌው፡ “እቲ በርበረ ካብ ተኽለሃይማኖት ክነምፅኦ ከለና ዝተዓሸገሉ ትርሽዋ ( ካሻ) ‘ሜድ ኢን ቻይና’ (ኣብ ቻይና ዝተሰርሐ) ይብል።

ኣብታ ከተማ መሪ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ በርበረ፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ነጋዶ በርበረ ይርከቡ፤ እንተኾነ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ መደብ ንምድላው “ናይ ቻይና በርበረ” ተባሂሉ፡ ተደልዩ ምርከብ ኣይተኽኣለን።

እቶም ነጋዶ እቲ በርበረ ይሸጡ ከምዝነበሩ’ኳ ክፍለጠሎም ኣይደልዩን፤ ዓማዊሎም ንዘይምስኣን ይብል ብርሌው።

ኣብ ከባቢ ተኽለሃይማኖት ዝርከቡ መከፋፈልቲ በርበረ’ውን ናይዚ ምስክር’ዮም። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ መከፋፈልቲ በርበረ ግና “ሒዝናዮን ርኢናዮን ኣይንፈልጥን” ይብሉ።

ይኹን’ምበር ኣብዲ ዝተብሃለ መከፋፈሊ፡ መብዛሕትኦም መከፋፈልቲ በርበረ ይሕዝዎ ከምዝነበሩን ኣብ ወርሒ ሕዳር ፍርያት በርበረ ስለዝበፅሐን እቲ ዋጋ’ውን ስለዝተረጋግዐን ናይ ቻይና በርበረ ካብ ዕዳጋ ከምዝወፅአ ይዛረብ።

ሕዚ ዋጋ በርበረ ክሳብ 100 ብር ዝነከየ እንትኾን፡ ናይ ሃረር በርበረ ንኪሎ 220 ብር እናተሸጠ ትሑት ዋጋ ሒዙ ይርከብ።

ልዑል ፅርየት ኣለዎ ዝበሃል ናይ ማረቆ በርበረ ድማ፡ ኸቢሩ እንተተብሃለ፡ ንኪሎ 300 ብር ከምዝሽየጥ ኣብዲ ይገልፅ።

በርበረ፡ ኣብ ዓለም ካብ ኮሚደረ ቀፂሉ ሰባት ብብዝሒ ዝምገብዎ ተኽሊ ገደና’ዩ። ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ቬትናማውያን ኣብ ዓለም ቀንዲ ተጠቀምቲ በርበረ ወይ ‘ሬድ ፔፐር’ ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም እዮም።

ህንድን ኣሜሪካን ድማ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ይስርዓ። ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዓለም ኣብ ረብሓ ካብ ዝውዕል በርበረ እቲ 41 ሚእታዊት ንምግብነት የውዕላ።

ኢትዮጵያዊያንኣዝዮም ዝፈትውዎ በርበረ ንምንታይ ይኸብር?

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣርባዕተ ምሁራት ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕቲ፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ካብ ዘፍርይዎ በርበረ 92በ ነጥቢ 4 ሚእታዊት ናብ ዓድጋ ከምዘቕርብዎ ገሊፆም ኔሮም።

እቲ ብ ኣበበ ቢራ፣ ጥጋቡ ዳኘውን ኣስማማው ኣለሙን ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ሓረስቶት ልዕሊ 60 ሚእታዊት ምህርቶም ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ናይ ጃምላ ነጋዶ ከምዝሸጡ የርእይ።

መበቆሉ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ከምዝኾነ ዝግለፅ በርበረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኣብ ክልልላት ኦሮምያ፣ ደቡብን ኣምሓራን ይፈርይ።

ብመሰረት መፅናዕቲ እቶም ሰብሞያ ሕፅረት ምህርቲ ቀንዲ ፀገም እንትኾን፡ በርበረ ንሕማም ተቓላዓይ ምዃኑን ነቲ በርበረ ካብ ምትካል ክሳብ ምእካብ ዝጠልቦ ልዑል ሓይሊ ሰብን ድማ ተወሰኽቲ ብድሆታት ከምዝኾኑ የመልክት።

ካልእ እቲ ቀንዲ ኣብ ዕዳጋ በርበረ ዘሎ ብድሆ፡ ኣብ እዋን ንግዲ ዘለዉ ፀገማት እንትኾኑ፡ እቶም ነዚ መፅናዕቲ ዘዳለዉ ሰባት ዘዘራረብዎም ሓረስቶት፡ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ምስኣን ነቲ ናይ ዕዳጋ ፀገም ብዋናነት ዘጋድድ ከምዝኾነ ይገልፁ።

እኹል መኻዚኖታት ዘይምህላው፣ ሕፅረት ልቓሕ፣ ኣብ ሞንጎ ዓዳግን ሸያጥን ዘሎ ናይ ሓቃዊ ሓበሬታ ክፍተትን ምስ ፅሬት ዝዛመዱ ፀገማትን ተወሰኽቲ ንዋጋ በርበረ ዝፍትኑ ብድሆታት እዮም።

ኣብ ማሕበር ሰብሞያ ቁጠባ ኢትዮጵያ ተመራማርን ኣብ ዘፈር ቁጠባ ኣማኻሪ መንግስትን ኮይኑ ዘገልገለ ሰዒድ ኑሩ (ዶ/ር)፡ ኣብ በርበረን ካልኦት ግዘ ሓልዮም ኣብ ዝፈርዩ ምህርትታትን ንምውሳኽ ዋጋ ዝድርኹ ኣርባዕተ ብድሆታት የቐምጥ።

ሰዒድ ኑሩ፡ እቲ ፈላማይ እኹል ፍርያት ዘይምፍራይ እንትኾን፡ እቲ ካልኣይ ከም በርበረ ንዝኣመሰሉ ምህርትታት ዘድሊ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዘፅንሑ ሜላታት ዘይምጥቃም ከም ፀገም የቐምጦም።

ከም ኮሚደረ ዝኣመሰሉ ካብ በርበረ ንላዕሊ ኣብ ሓፂር ግዘ ዝበላሸዉ ምህርትታት ካብ ዕዳጋ ንከይጠፍኡ ዝገብር ሜላ ከምዘሎ ዝገልፅ እቲ በዓልሞያ፡ እዚ ኣብ በርበረ ንምትግባር ቀሊል ከምዝኾነ ይሕብር።

እቲ ካልእ ፍታሕ ነጋዶ፡ በርበረ ኣብ ዝሓሰረሉ እዋን ክኽዝኑ ምኽኣል’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ነጋዶ ምህርቲ ይኽዝኑ’ዮም ዝብል ብኣሉታ ጥራሕ ክውሰድ የብሉን ይብል እቲ በዓልሞያ።

“ኣብ ወፃኢ ሃገር ኢንቨርተሪ ዝበሃል ኢንቨስትመንት ኣሎ። ሓደ ፍርያት ምስ ዝሓስር ነጋዶ ኣኪቦም ዘፅንሕሉን እቲ ፍርያት ገንዘቦም ሒዙ ንዝፀንሐሉ ግዘ ከም ሽልማት ዝተወሰነ ገንዘብ ወሲኾም፣ እቲ ፍርያት ካብ ዕዳጋ ክጠፍእ እንከሎ ናብ ዕዳጋ ዘቕርብሉ ስርዓት ማለት’ዩ። እዚ ሕሱም ግዘ ተፀብዮም ፍርያት ንዝኽዝኑ ኣይሓውስን። ኣብ ሪል ስቴት ወይ መሰል ምህርትታት ከምዝግበር ምውፋር ከም ማለት እዩ” ብምባል ድማ የብርህ።

እቲ ካልእ ፀገም ኣብ ከም በርበረ ዝበሉ ፍርያታት ዋጋ ዝውስኽ ቁፅሪ ኢንዱስትሪ ውሑድ ምስ ምዃን ዝዛመድ’ዩ።

በርበረ ተመጢኑን ተዳልዩን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ፍርያት ምስ ምዃኑ፡ ዋግኡ ክሓስር ከሎ እንተተዳልዩ፡ እቲ ፍርያት ኣብ ዘይህልወሉ ግዘ ዝተወሰነ ዋጋ ወሲኽካ ምሻጥ ቀንዲ መፍትሒ ክኾን ይኽእል ብምባል እቲ ሳልሳይ ፍታሕ የአንፍት።

ሕፅረት ምህርቲ ምስዘጋጥም ካብ ወፃኢ ሃገር ምእታው ፍታሕ ይኾን’ዶ?

እኹል ሸርፊ ወፃኢ ንዘለዋ ሃገር፡ ሕፅረት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ካብ ሃገራት ወፃኢ ኣታዊ ምግባር ፍታሕ ከምዝኾነ ዝገልፅ ሰዒድ (ዶ/ር)፡ ንከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ግና ብዙሕ ፀገማት ዘስዕብ ስጉምቲ’ዩ ይብል። እንተኾነ ሓደ ወይ ክልተ ግዘ ጥራሕ ብጥንቃቐ ዝውሰድ ስጉምቲ እንተድኣ ኮይኑ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ ይገልፅ።

እቲ በዓል ሞያ ብዛዕባ እቶም ረብሓታት ቅድሚ ምርድኡ፡ ሕፅረት ቀረብ ከም ፀገም ምርኣይ ደው ክብል ከምዘለዎን ከም ዕድል ዕዳጋ ተጌሩ ክረኣይ ከምዘለዎን የብርህ። ናይ ምፍራይ ፀገም ንዘይብላ ሃገር ብፍላይ ድማ ንሕፅረት መፍትሒ ምሃብ፡ ንኣፍረይቲ ዕድል ዕዳጋ’ዩ ብምባል ኣብነት የቕርብ።

“ቅድሚ ዓመታት ባህላዊ ክዳን ካብ ኣውሮጳ ልዕሊ ዝመፅኡ ክዳውንቲ ክባር ምዃኑ ዝተዓዘቡ ቻይናውያን፡ ወሲዶም ብሕሳር ቴክኖሎጂ ሰሪሖም ኣምፅየሞ። እዚ ነቲ ኩሉግዘ ዘይንኽደኖ ናይ በዓል ክዳን’ዩ።` እሞ በብመዓልቱ ንጥቀሞም ምህርትታት ሕፅረት ምስዘጋጥም እዚ ንምምላእ ክንንቀሳቐስ’ዩ ዝግበአና” ብምባል ሰዒድ የረድእ።

ኢትዮጵያ ሕፅረት በርበረ ንምፍታሕ ዘላቒ ክሳብ ዘይኮነ ካብ ወፃኢ ሃገር ምእታዋ ጥቕሚ ከምዘለዎ ይዛረብ። እቲ ቀዳማይ፡ ቴክኖሎጂ ምቕሳም’ዩ። ፍርያት ምግቢ ስለዝኾነ ኣሰራርሕኡ ምርኣይ ዘድሊ እኳ እንተኾነ፡ ሓደ ሓደ ፍርያት ሓደ ወይ ክልተ ግዘ ኣእቲኻ ምፍታን ፀገም ከምዘይብሉ ይገልፅ።

እንተኾነ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት፡ ሕርሻ ስኖም ዝሸረፍሉ እናሃለወ፡ ከም ምህርትታት ኢዱስትሪ፡ ምህርትታት ሕርሻ ካብ ሃገራት ወፃኢ ምእታው ንኣቕረብትን ዓደግትን ንኽሳራ፡ ንመንግስቲ ድማ ንከቢድ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዘቃልዕ ከምዝኾነ እቲ በዓልሞያ ይሕብር።

ኢትዮጵያ፡ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዘለዎም ከም ማሽናት ዝኣመሰሉ’ምበር ምህርቲ ሕርሻ ካብ ወፃኢ ሃገር ምእታዋ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ቅዋም ድማ ኣለዎ።

“ኣቕረብቲ ብዝሓሸ ፅሬትን ብሕሳር ዋጋን ዝፈረየ ምህርቲ ሕርሻ ካብ ወፃኢ ሃገር ምምፃእ ካብ ጭቃን ሓመድን ክገላግሎም ይኽእል። እዚ ሓንሳብ ተተለሚዱ ከቢድ’ዩ። ስንፍና የስዕብ። ኣብ ሱፐርማርኬት ካብ ግብፂ ዝመፅእ ኣርባዕተ ፍረ ኣራንሺ ብብር 280 ይሽየጥ። ዝተዋፅአ ደርሆ፣ እንቋቑሑን ሽጉርትን ካብ ወፃኢ ይኣቱ። ከባቢ ኣየርና ምቹው ክንሱ፡ እዚ ንምንታይ ክኸውን ክኢሉ ኢልካ ምሕታት የድሊ” ይብል እቲ በዓል ሞያ።

ከም መዛዘሚ

ነጋዶ፡ ኣብቲ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ወርሒ ሕዳር በስገዳድ ክሸጥዎ ዝፀንሑ ናይ ቻይና በርበረ ቅረታ ኔርዎም’ዩ። እቲ በርበረ ገና ካብ ትርሽዋ (ካሻ) ክፍታሕ ጀሚሩ “ናይ ኬሚካል ሽታ” ከምዝነበሮን ነቲ በርበረ ዝዓደጉ ዓማዊል’ውን ቅረታ ከምዝነበሮምን ብርሌው ተዛሪቡ።

“ናይ ቻይና በርበረ ንኪሎ ብብር 250 ናይ ዓዲ ውሽጢ በርበረ ድማ ንኪሎ ብር 350 እዩ ዝሽየጥ ኔሩ። እዚ ዓብይ ኣፈላላይ ዋጋ ኔርዎ። ዝዓደጉኒ ዓማዊል፡ እንትጠሓን ሕሩጬ ፅቡቕ ከምዝኾነ ነጊሮምኒ ኔሮም። እቲ ፀገም ኣብ ምግቢ ምስ ኣተወ’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

በዓል ሞያ ቁጠባ ሰዒድ (ዶ/ር) ከምዚኦም ዝበሉ ምህርትታት ሕርሻ ካብ ሃገራት ወፃኢ እንትኣትዉ፡ ሕማም ሒዞም ከይኣትዉ ጥንቃቐ ብምግባር ክፍተን ከምዝግባእ የጠንቕቕ። ሓረስቶት ፃህያይ ‘ቅንጩ’ ኢሎም ዝፅውዕዎን (ብተፈጥሮ ኣብ ዘይነበረሉ ከባቢ ብልዑል ደረጃ ብምልባዕ ንነባር ዝራእቲ ዝፈታተን ፃህያይ) ኣብ ሓደ እዋን ካብ ህንዲ ዝኣተወ ማንጎን ስዒቡ ዝተፈጠረ ናይ ዝራእቲ ሕማም ድማ ከም ኣብነት የልዕል።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቁፅሪ ነጋዳይ ንቁፅፅር ዘይጥዕም’ዩ ዝብል እቲ በዓልሞያ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ዓበይቲ ነጋዶ ስለዘለዉ፡ ምስ መንግስቲ ንምድርዳር ቀሊል ይገብሮ። እዚ ንሓረስታይ’ውን ከምዝሰርሕ ይዛረብ።

ብዙሕ ምህርቲ ብሕሱር ዋጋ ወይ ውሑድ ምህርቲ ብኽባር ዋጋ ብምሻጥ ትርፊ ከምዝርከብ ዝዛረብ እቲ በዓልሞያ፡ ኣናእሽተይ ነጋዶን ሓረስታይን ኣብ ዝርከበሉ ሃገር፡ ምኽባር ዋጋ ትፅቢት ዝግበር’ዩ ይብል።

“ኣብ ዝዓበዩ ሃገራት፡ መንግስቲ ምስ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዝኾኑ ሱፐርማርኬታት’ዩ ዝደራደር። ኣባና ግና 20 ሽሕ ትካላት ንግዲ ዓፂና ዝብል ዜና ንሰምዕ። እዚ ዝያዳ ሕፅረት ዝፈጥር’ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስኣበባ ዝተኸፈተ ሓደ ሱፐርማርኬት ኣሎ። ኣብ ናይ ባዕሉ ገደና ኣራንሺ ብምፍራይ ንሓደ ኪሎ ብብር 30 ይሸይጥ። ኣብ ጥቕኡ ዝርከቡ ኣናእሽተይ ሹቓት ድማ ካብዚ ሱፐርማርኬት ብምዕዳግ፡ ብዕፅፊ ዋጋ ብብር 60 ይሸጡ” ብምባል፡ ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ኣቕረብትን ኣናእሽተይ ሸርሸርትን ዘሎ ኣፈላላይ የረድእ።

ከምኡ’ውን መሓውር ዕዳጋ ኢትዮጵያ ደለልቲ ዝተዳዕነንዎን፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ኣብ ስራሕቲ ፍርያት ምስታፍ፡ ኣብ ማእኸል ብምድላል እናኸሰቡ ምንባር ምምራፆም ካልእ ከቢድ ፀገም እዩ ይብል ሰዒድ (ዶ/ር)።

ከም ምህርቲ ዕምበባ፡ ፍርያት ምግቢ ንዘፍርዩ ዓበይቲ ትካላት’ውን ብምሕጋዝ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ ብምዕዳም ካብኦም ምምሃር ከምዘድሊ ይዛረብ።

“ብሓደ ግዘ 100 ሽምዓ ምብራህ ኣይከኣልን። ካብ ሓደ ሽምዓ ምጅማር ግና ይከኣል ዝብል ሰዒድ (ዶ/ር)፡ ኣፍረይቲ ዕምበባ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ መረፃ ስዒቡ ንዝተፈጠረ ቅልውላው ንምህዳም’ዮም ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም፤ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፍርያት ዕምበባ ፍልፍል ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ከምዝኾነን ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ሰብሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተፀንበርሉን ስግግር ቴክኖሎጂ ዝተገበረሉን ዘፈር ኮይኑ ብምባል፡ ከም ኣብነት የልዕል።

እዚ ኣብ ካልኦት ዘፈራት’ውን ክድገም ኣለዎ ዝብል እቲ በዓልሞያ፡ “ እቲ ፈላማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን መፍትሒ ሓደ’ዩ። ብሕርሻ ዓርስና ምኽኣል” ብምባል፡ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ሕርሻ ብሕታዊ መፍትሒ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊፁ።