እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር እገዳ ከምዘይትድግፍ ገሊጹ
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ተዘራሪቡ።
"ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊ፡ ዞባዊን ዓለምለኻውን ናይ ሓባር ረብሓታት ዝምልከቱ ጉዳያት ብፍሕሽውን ግሉጽን ኣገባብ ዓᎁቕ ምልውዋጥ ሓሳባት" ከምዘካየዱ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ዋንግ ዪ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ ምሸት'ዩ ናብ ኣስመራ ኣቲዩ።
እቲ ላዕለዋይ ቻይናዊ ብዓል ስልጣን ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሃገሩ "ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር በይናዊ እገዳ ከምዘይትድግፎ" ኣፍሊጡ።
ኤርትራ ብወገና ንመትከላት "ሓንቲ-ቻይና"- ነታ ናይ ባዕላ መንግስትን ምምሕዳርን ዘለዋ ታይዋን ዘጠቓለለት- ከም እተኽብር ደጊማ ኣረጋጊጻ'ላ።
ብመንገዲ'ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ 'ስትራተጂካዊ ሽርክነት'ን ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ቻይናን ዘሎ ናይ ምትሕብባር ውዕላትን ግብራዊ ምትሕግጋዝ ከካይዳ ምስምምዖም'ውን እቲ ብረቡዕ 5 ጥሪ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ጠቒሱ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ህንጻ፡ ዕደና፡ ጥዕናን ትምህርትን ዝበሉ መዳያት ክተሓጋገዛ ከምዝጸንሓ ይግለጽ። ኩባንያታት ህንጻ ቻይና ካብ ፈለማ ናጽነት ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኤርትራ ይሳተፋ ነይረን'የን።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ፡ ሓያሎ ኩባንያት ዕደና ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕደና ዳህሳሳት ይኹን ምውጻእ ማዕድናት ኢድ ከምዘለወን ይንገር።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ መንግስትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ቻይና ዝኾነ ዋንግ ዩ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ዝርከብዎም ላዕለዎት ላዕለዎት ሰበስልጣን ተቐቢሎሞ።
ብኣመሪካ እገዳ ተነቢሩሉ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2021 ነቲ ብ'በልት & ሮድ' (Belt and Road) ዝፍለጥ ናይ ቻይና ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ዝምልከት ሰነድ ምርድዳእ ፈሪሙ።
እቲ ንዓለም ብመሬትን ባሕርን ከራኽብ ትጽቢት ዝግበረሉ ተበግሶ፡ "ንክልቲአን ሃገራትን ህዝብታትን፡ ከምኡ'ውን ንማሕበረሰብ ቻይና-ኣፍሪቃ ዘርብሕ'ዩ" ክብል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ብትዊተር ገሊጹ።
ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምስታፎም፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራን ገዛኢ ውድብ ህግደፍን ትካላቱን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሓላፊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት እገዳ ኣምቢራ ትርከብ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ኣብ ከተማ ዳካር - ሴነጋል ኣብ ዝተኻየደ 8ይ ዋዕላ ሚኒስተራት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሚስተር ዋንግ ዪ ተራኺቡ፡ ''ኣብ ምድንፋዕ ኩሉመዳያዊ ክልተኣዊ ዝምድናን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ክግበር ዝከኣል ምውህሃድን'' ተዘራሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ።
ቻይና ምስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ርክባታ ንምድልዳል ኣበርቲዓ ትሰርሕ ምህላዋ'ዩ ዝግለጽ። ሚኒስተር ዋንግ ዪ ኣብ ወሽጢ ሓደ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ናብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።
ሚኒስተር ዋንግ ዪ ነቲ ናብ ሃገራት ኤርትራ፡ ኬንያን ኮሞሮስን ዝገብሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ትማሊ ሰሉስ ብኤርትራ ጀሚርዎ ኣሎ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ መቀዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብቲ ኣብ ሰኔጋል ዝተኻየድ ፎረም ምትሕብባር ኣፍሪቃን ቻይናን (FOCAC) ተሳቲፉ ምንባሩ ይዝከር ኮይኑ ኣብ 1 ታሕሳስ'ውን ናብ ኢትዮጵያ ብምልጋስ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ተራኺቡ ነይሩ።