እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ብዓል ልደት ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ጸዊዑ
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ብዓል ልደት ምሕረት ብምግባር ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕ ኣመሪካ ጸዊዓ።
መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ዝብዓል ናይ ግእዝ ልደትን፡ ይቕረ ምባል ኣብ እምነታት ክርስትና እስላምን ዘለዎ ዓቢ ግደ ኣብ ግምት ብምእታውን ነቶም እሱራት ክፈትሖም እቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ተማሕጺኑ።
"ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኤርትራን፡ ንመንፈስ ናይ ግእዝ ልደትን ምሕረት ምግባር ኣብ እምነታት ክርስትናን እስላምን ዘለዎ ግደ ብምግንዛብን፡ ናይ ሕልና እሱራት ኤርትራ ክፈትሕ ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ትምሕጸን" ክብል እቲ ኤምባሲ ብመንገዲ ፈይስቡክ ጸዊዑ።
ኣብ ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ጀነራላት፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ተራ ዜጋታትን ዝርከብዎም ብዙሓት ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብስዉር ተኣሲሮም ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብ መስከረም 2005 ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ምህላዎም ይንገር።
ኣብቲ እዋን ከም ሚኒስተር ዜና ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ፡ ምስ ንግዲ-ደቂ ሰብ ብዝተሓሓዝ ከምዝተኣስሩ ንሮይተርስ ተዛሪቡ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣይፈልጡን'ዮም።
ኣብ መስከረም 2001 ድማ 11 ካብቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ሚኒስተራት መንግስቲ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ከምኡ'ውን ኣዳለውትን ኣባላትን ናይተን ሽዑ ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ክሳብ ሕጂ ተሰዊሮም ይርከቡ።
ገለ ካብኦም፡ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ነበር ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ (ቅድሚኡ'ውን ሚኒስተር ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን) ዝነበረ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ምሉእ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃን ይርከብዎም።
ቅድሚኡ'ውን ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ብውልቅን ኣልማማን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ከይተሰምዐ ከምዝተሸርቡ ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ፍሉጣት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ጭውያ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ቅትለትን ዝበሉ ግህሰታት ከምዝፍጽም ይኸሱ። ሰብመዚ መንግስቲ ግን፡ እቲ ክስታት ንኤርትራ ንምስይጣንን ምስላ ንምድዋንን ዝዓለመ'ዩ ክብሉ ይነጽግዎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ዝጸንሐ ርክብ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ እናሻሕከረ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሚኒስተርን (ሚኒስትሪን) ዜና ኤርትራን ፈጻሚ ጉዳያት ኣመሪካ ('ሻርጀ ዳ-ኣፌር') ናይ ምጉት እንካን ሃባን ጸኒሑ'ሎ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራን ገዛኢ ውድብ ህግደፍን ትካላቱን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሓላፊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት እገዳ ምንባራ ንኤርትራ ኣቖጢዕዋ ይርከብ።